ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠን ንጸላኢኡ ኣብ ሕምብርቲ ግዝኣቱ ኣትዩ ሰራውሩ ዝሞንቆሰን ድምጽማጹ ዘጥፍኤን ሰውራዊ ውድብ ብጀካ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ታሪኽ ዓለም ስጋብ ሕጂ ኣይፈልጥን ኣይሰማዕኩን`ውን። ሓጻር ነቕፌታ/መልሲ ኣብ`ታ ሓንቲ ሕጥበ-ጽሑፍ ክቡር ሓው መኮነን ዓንተራይ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 13 Aug 2016 20:40:19 +0200
 
 
* ርእይቶይ ኣብዛ ውስንቲ ጥቕሲ፡ ክቡር ሓው መኮንን፣ ስነ ጽሑፍካ ሚዛናውን ካብ ኣብ ባይታ ናይ ዓለምን ዞባናን ዘሎ ክውንንነት ዝተሞርኮሰን ዘንጸባርቕን ስለ ዝኾነ ከመስግነካ ይፈቱ። እንተኾነ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣንዳዕዲዕካ ነግ ፈረግ ከይበልካ (ከይብሉኒ ከይበልካ) ከምቲ ዝግብኦ "ህዝባዊ ግምባር" ኢልካ ዘይምግላጽካ ቁሩብ ቅሬታ ኣሎኒ። ስለምንታይሲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣንጻር`ቲ ሓያልን ግዙፍ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይይኮነስ ምስተን ናይቲ እዋን ብቑጠባዊ መዳይ ኮነ ዘይተኣደነ ኣጽዋር ሓገዝቱን መወልቱን ክልተ ርእሰ ሓያላት መንግስታት ዓለምን ሰዓብተንን ከይተረፈ`ውን ተቃሊሱን ተሰዊኡን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንሰራዊት ጸላኢ ደምሲሱን እፎይ ኢሉ ከዕርፍን ካብ'ዚ ንኔው እንታይ ገደሰኒ ከይበለን ካብ ኤርትራ ስጋብ ኣዲስ ኣበባ እግረ-እግሩ ኣናኾብኮበን እናተዋግኣን ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለን ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርጋዊት ኢትዮጵያ ኣብ ደጀኑ ስዒሩ ሓመድ ኣዳም ዘልበሰ ኤርትራዊ ሓርበኛን ኣብ ታሪኽ ዓለም እንኮ ሓደ ጅግናን ጽኑዕን ተባዕን ሰውራውን ታሪኻውን ውድብ እዩ።
 
እዚ መበልየይ፣ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠን ንጸላኢኡ ኣብ ሕምብርቲ ግዝኣቱ ኣትዩ ሰራውሩ ዝሞንቆሰን ድምጽማጹ ዘጥፍኤን ሰውራዊ ውድብ ብጀካ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ዓለም ስጋብ ሕጂ ኣይፈልጥን ኣይሰማዕኩን`ውን። እዚ ድማ ንጃህራ ወይ`ውን ንረኣዩለይን ስምዑለይን ዘይኮነስ፣ ኣብ ባይታን ብግብሪ ዝተፈጸመን ናይ ትማል ዝተዓዝብናዮን ዝረኣናዮን ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ሓቀኛ ታሪኽ ክትገልጽ ስኽፍ ኣይበልካ።
 
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!
 
*ሓውኻ ብርሃነ ሃብተማርያም
 

Received on Sat Aug 13 2016 - 13:19:24 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved