መገዲ ዓድና!!!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 13 Aug 2016 19:21:01 +0200

መገዲ ዓድና!!!

 ብተጋዳላይ ሃብቶም ተስፋይ
 
Aug 13/8/2016

http://www.raimoq.com/wp-content/uploads/2014/03/EPLF-Tegadalay-Enadamareke-620.jpg

ሓያለይ ዓመታት ኣብ ስደት እናነበርኩ ቃል ኣውጺኣ ኣይፈልጥን። ኩሉ እናተዛረበ፡ እናጸሓፈ፡ እናነጠፈ፡ ኣነ ኣስቂጠ። ነኣዲ ወይ ኣራሚ ወይ`ውን ነቓፊ ርኢቶ ስለ ዘይብለይ ኣይኮንኩን። ስቕ ጥዑም ስለዝኾነ`ምበር። ኣብ ሓደ ጉዳይ ኣእዳውን መልሓስን ክበዝሕ እንከሎ ልቦናዊ ስቕታ ይምረጽ።  ግን ከኣ ስቕታ ዘንተ እለታዊ ኣይኮነን። ደረት ኣለዎ። ብፍላይ ሃገራውን ህዝባውን ድሕነት እንክድፈር።

ተጋዳላይ`የ። አብ ስደት ሓሙሽተ ዓመት መመላእታ ዘቑጸርኩ ተጋዳላይ። ሕላገቱ ዘይከሓደ ተጋዳላይ። እቲ ምናታይ`ሲ ሕላገት ሕላገት ስለዝኾነ። ሕላገት ብሕላገቱ፡ መትከላዊ ሕላገት ህዝባዊ ግንባር።

ኣብ`ቲ ስቕታይ ዝጠሓሰ ጉዳይ ክኣቱ።

ሎሚቕነ ስቕታ ዝፈታተን መስደመም ንከታተሎ ኣሎና። ብስመ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራ ብግሊያነትን ምግሳስን ከምኡ`ውን ብስግኣት ምርግጋእን ሰላምን ዓለም ተኸሲሳ ኣሰር ግዳያት ዓሎቕ ዝኾና ሃገራት ክትከውን  ዝህቀን ዘሎ ጉያ ጉያ። እቲ ጉያ ብቐንዱ በቶም ታሪኻውያን ምዕራባውያን በደልቲ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝመሓደር`ኳ አንተኾነ ብጋህዲ ንሪኦ ከምዘለና ኣብ ደገ ዝነብሩ ገለ ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ጉያ ከገልግሉ ምዃኖም ኣነጺሮም ኣለዉ።

አቲ ዘገርም ዝተመኮሩ ብገለ ሓላፍነታዊ ጽፍሕታት ዘሓለፉ ዝተሰዱ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውራይ ምብታን ሃገርን ህዝብን ብዘይ ንሕስያ ክሰርሑ እንክትርኢ ትጉሂ። ኣብ`ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ሓያላት ዓለምና ጸጋታትን ጂኦ ፖለቲካ ገለ ከባቢታትን ንምቁጽጻር ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣጋይሽ ተቐበሉ ዝብሉ ደቂ ሃገር ዓሲቦም፡ ካብ ምስይጣን ናብ እገዳ፡ ካብ እገዳ ናብ ወራር ክሰጋገሩን ስርዓታት ክቕይሩን ዘበገስዎ ወፍርን ዘስዓቦ ዕንወትን ምህሮ ክኸውን ምተገብአ። ኣብ`ዚ ውራይ ክሳተፉ ዘንቀዱ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ግን ተራን ተግባራትን ዒራቓዊ ኣሕመድ ቻላቢ ክርዕሙ መሪጾም ኣለዉ። ስለምንታይ ግን? ውልቃዊ ረብሓታቶም ስለዘቐደሙ? ወይስ  ኣብ ውሕስትን ርግእትን ኤርትራ ቦታ ስለዘይተራእዮም`ዩ? ወይ`ውን ኣብ ኤርትራ እንከለዉ ንዕኦም ዝበቅዕ ስልጣን ዝረኸቡ ኮይኑ ስለዘይተሰምዖም፡ ስለዚ ኽኣ ቂምታ ስለዝሓዙ። ገለ ካብኦም ከምኒ ዓንደብርሃን  ወልደገርጊስ መራሕቲ መንግስቲ ናይ ምዃን ሕልሚ ናብ ሓቂ ስለዘይተቐየረ`ዶ ይኽውን? ዶስ ክንእርም ፈቲና ስለዘይተፈቕደልና መገዲ ዒራቕ፡ መገዲ ሊብያን ሶርያን መሪጽና`ዮም ክብሉ? ስለምንታይ መገዲ ዓዶም፡ መገዲ ዓድና ዘይመረጹ? እወ ፡ መገዲ ዓድና፡ መገዲ ለባማት።

ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓለምና ካብቶም ሓያላት ምዕራባውያን ወጻኢ ንእንርከብ ሃገራት፡ ህዝብታት፡ ውልቀሰባት፡ ምሁራት፡ ክልተ ኣማራጺታት ኣለና። ኣብ ክንእርሞ ፈቲና ዝኣበየና መንግስቲ። ቀዳማይ፡ ንሃገርን ህዝብን ብዘይብትን መገዲ ሃናጺ ራኢቶ ክትህብ ፡ ነቐፌታ ከተቕርብ ዋላ`ውን ከምቲ በሃልቱ ዝብልዎ ተቓውሞ ክትገብር ሓላል`ዩ። ንእወታዊ ግስጋሰ ሃገር ስለዝሓለንካ`ዩ። ሃገርን ህዝብን ስለዘቐደምካ`ዩ። ምስ ንሃገር ንቑልቑል ክነቑቱ ዘንቐዱ ሓያላትን ኣገልገልትን ስለዘይመኽርካ`ዩ። እቲ ካልኣይ፡ ስቕታ`ዩ። እቲ ምንታይ`ሲ ካብ መገዲ ዒራቕን ሊብያን ስቕታ ስለዝምረጽ`ዩ። ስቕታ ዓድና ፡ ስቕታ ለባማት።

ኣብ ስደት ተስፋ ምቑራጽ ሓድሽ ኣይኮነን። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት። ብፍላይ ምሁር ወይ`ውን ብዓል መዚ ኔርካ ምስተሰደድካ ንሕማቕ ዕድልካ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ትኣቱ`ሞ ምስላጥ ምስ ኣበየካ ተስፋ ትቖርጽ። ገሌኻ ተስፋ ቖሪጽካ ጥሮታ ትወጽእ፡ ተስቅጥ። እዚ`ውን ኣይጽላእን። መሲሉካ ጸኒሑ ምስተጋህደልካ ኮፍ ትብል። ገሌኻን ክኣ ተስፋ ቖሪጽካ ናብ መገዲ ዒራቕን ሊብያን ገጽካ ትምርሽ። ካብ ዋናታት`ዚ መገዲ`ዚ ትምወል፡ መርበብ ሓበሬታን ረዲዮን ትዝርግሕ፡ ትምድር፡ ትውርቕ፡ ቀስ አናበልካ ትሃስስ። ቀጻሊ ምወላ ዝረኸበ ክኣ ዘይሃሰሰ ስለ ዝመስሎ ውሑዳት ኣኪቡ ምምዳርን ምውራቕን ይቕጽል። ተማሂረ`የ ትብል እንተኾይንካ ክኣ ብቛንቛ እንግሊዝ ንቑንጣሮ ኣንበብቲ (Audience) ውረቓ ትቕጽል። ጸረ መንግስትን ግንባርን ኤርትራ። ዝወረቕካዮ ጽሑፋት ኣብ ዘይሃገራውያን ምርበባት ሓበሬታ  ኣሰናን ዓወተን ተዘርጊሑ ምስ ረኣኻ ባህ ይብለካ። ትሕጎስ። ንዓኻ ዝቃወም ካልእ ዝሃውተተ ጸሓፊ ምስ መለሰልካ ፡ ትምልሰሉ። ካልኦት`ውን ይምልሱ፡ ይከራኸሩ። ንሓድሕዶም ይታኾሱ፡ ይናቖቱ። ሓደ ዝነበሩ ክልተ ይኾኑ። ካብ ክልተ ናብ ክልተ ሚእቲ ይመቓቐሉ። ኩሎም ኣነ`የ ዝፈልጥ ንስኻ ኣይትፈልጥን ይበሃሃሉ። መበገሲ ጽሑፎምን ጸላኢ ዝብልዎን ክሳብ ዝርስዑ ይፋለሱ።

ተዘክሮታትና እንተቓኒና ድሕሪ 2001  ቀዳሞት ኣብ ደገ ዝሰፈሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ፖለቲካዊ ዝብልዎ ሰልፊ መስሪቶም ኔሮም። ገዳይም ዝብሃሉ ከምኒ መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝኣመሰልዎም ሰባት ዘበገስዎ። ጸረ መንግስትን ህዝባዊ ግንባርን። ከይጸንሑ ናብ ክልተ ተፈንጭሎም፡ ጸኒሖም ናብ ምግማቱ ዘጸግም ቁጽሪ ተራቢሖም። ዝተራብሑ፡ መሊሶም ተራቢሖም።  ንሓድሕዶም ተመናጭቶም። እናሃሰሱ ከይዶም። ሕጂ ህጣም ኣጥፊኦም።

ድሕሪ ነዊሕ ዕረፍቲ፡ ካልኣይ ዙርያ ምዃኖም`ዩ፡ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ ንሕና ከነድምዕ ኢና ኢሎም ተበጊሶም። ከምኒ ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፡ ኣሰፋው ተኸስተ። ካብ ዘረግቲ ዓለምና ብዓቐኑ ፍልይ ዝበለ ምወላ ረኺቦም። መርበባት ዜና ዘርጊሖም። ፍሉይ ዝገብሮም ንዘስርሕዎም ኣባላት ደሞዝ ክኸፍሉ ጀሚሮም። ከም ሃገሮም ወሪቖም፡ ቁንጣሮ ሰባት ኣኪቦም መዲሮም፡ ናብ ኢትዮጲያ ሰጊሮም ተዛትዮም ወረቐቶም ኣሕሪሮም። ይትረፍ`ዶ ኣብ ደገ ንዝቕመጡ ብጾቶም ብጾት ህዝባዊ ግንባር ክምስጡ፡ ኣብ ሰንኮፍ ንዘሎ ሰብ`ውን እንተኾነ ከየእመኑ፡ ከም ቀዳሞት ብጾቶም ህጣም ቕድሚ ምጥፍኦም፡ ናብ ዘይተርፍ ጉዕዞ ጽልግልግን ጸልማትን ኣንፊቶም።

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ስደት ዝሰፈሩ ስቕታ ዝመረጹ ተጋደልትን ካልኦት ውልቀሰባትን ምሁራትን ክምዘለዉ  ኩልና ንፈልጦ`ዩ። ርግጸኛ`የ፡ ልቦናዊ ስቕታ ስለዝመረጹ`ምበር ዝብልዎ ስለዝሰኣኑ ኣይኮነን። ክብልዎ ዘደለዩ ኢሎሞ ስለዝመጹ`ውን። እዚኣቶም ኣብ ዓዲ እንከለዉ እወታዊ ርኢቶ ሂቦም፡ ሓቲቶም፡ ነቒፎም። ቅኑዕ መልእኽቲ ዲዩ ኔሩ ውይስ ጉጉይ ብዘየገድስ። ኩሉ በብዝመሰሎ ክብል ንቡር ስለዝኾነ። ዓዲ ምስ ገደፉ ግን ትም መሪጾም። ጸጽቡቑ ይምነዩ። ቃል ከየምሎቑ። ኣብ ዘይሰምዖም ግዳማዊ ደብሪ ከይተማህለሉ። ንጥፍኣትን ዕንወትን ከየንቀዱ። ግን ክኣ ዝመሰሎም እናሓሰቡ። መገዲ ዓዶም ከይገደፉ።

ነቐፈታን ርኢቶን ባህሊ ህዝባዊ ግንባር`ዩ። ቅድሚ ገድልን ድሕሪ ገድልን ኣገባቡ ክፈላለ ይኽእል`ዩ። ይኹን`ምበር ምስ ግዜ ተጋዳላይ`ውን ኣካይዳኡ ተቐይሩ ክኽወን ይኽእልዩ። ስምዒታቱ፡ እምነቱ፡ መትከላቱ ግን ኣይተቐየረን። ስለ`ዚ ከኣ`ዩ እዞም ልቦና ዝመረጹ ግዳም ዝሰፈሩ ተጋደልቲ ኣብ ደምበ ህዝባዊ ግንባር ዝመሰሎም ሃናጺ ዝበልዎም ሓሳባት ኣፍሲሶም ሕጂ ዝቐሰኑ። ኣነ ሓደ ካብኦም`የ።

ኣብ ዓዲ ኣብ ዝነበርኩሉ ብዓቕመይን ዝመሰለንን ካብ ደረት ህዝባዊ ግንባር ዘይወጸ ተሪር ግን ከኣ ሃናጺ ርኢቶን ነቐፈታን ምሃበይ ይዝከረኒ። ኣራሚ ባህልታትና ናጽነትና ዘውሓሰ ምዃኑ ስለዝኣምን። ከምዚ ብምባለይ ዝጠራጠሩን፡ ዝስከፉን፡ ዝቑጡዑን እንተልዮም፡ እቶም ኣብ ዓዲ ተቢዖም ከይኣረሙን ከይነቐፉን ግዳም ዝሰፈሩ መንገዲ ቁልቁል ዝሓዙ ተጋደልቲ`ዮም። ሽዑ እንታይ ስለዝበልካ ኢኻ ትምድር ዘለኻ ዝብሉ ኣይክሰኣኑን`ዮም። እስኪ ገለ ካብ`ቲ ሽዑ ኣብ ዓዲ እንከለኹ ብወገነይ  ሃናጺ ምዃኑ ኣሚነ ዝሃብክዎ፡ ርኢቶን ነቐፈታን ክዝክረሎም ኣፍቁዱለይ፥

1.     ኣብ ጽባሕ ናጽነት ነቶም ኣብ ድሮን ጽባሕን ናጽነት ዝተሰለፉ እቶም ዝነኣሱ ኣባላት ሰራዊት ምጥያስና ጌጋ ምንባሩ። ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ሰብ ኣየስተብሃለሉን። ናጽነት ፡ ሰላም ፡ምርግጋእ መጺኡ ስለዝተባህለ ምጥያስ እዋናዊ ሕቶ ኾይኑ። ይኹን`ምበር በቶም መሰረት መጻኢ ሰራዊት ምክልኻል ክኾኑ ዝኽእሉ ውልዶ ኣባላት ክጅመር ኣይምተገብኣን። ምስ ወያነ ዂናት ምስ ጀመርና ግን ጌጋና ተረጋጊጹ

2.     ተሃዊኽና ዝኣተናዮ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ። እዋኑ ጉባኤ ዝሓትት ኔሩ ክኽውን ይኽእል`ዩ። ይኹን`ምበር ከም`ቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ክልተ ጉባኤታት ተረጋጊእና ዝኣተናዮ ኮይኑ ስለዘይተሰማዓኒ ተሃዊኽና ኢለ። ኣድማ ተጋደልትን ምጅማር ምስሓት መኣዝን ገለ ሓለፍትን ካብ`ቶም ኣብ ድሮ`ቲ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሰከፍቲ ዝንባሌታት ስለዝነበሩ። ንባበይ ግድን ቅኑዕ ኔሩ ኣይብልን። ብፍላይ ምስ ግዜ ክርኣ ከሎ። ሽዑ ግን ከምኡ ነቢበዮ።

3.     ተሃዊኽና ዝነደፍናዮ ቅዋም 1997። ኣብ`ዚ ብዘይቀላዓለም ተሃዊኽና። ብተብተብ ስለዝገበርናዮ ሓደ ካብ`ቲ ክሳብ ሕጂ ክንጥቀመሉ ዘየኽኣለና ምኽንያት`ዩ። ግን ከኣ እንቛዕ ዘይተጠቐምናሉ። ምስናይ ይቕረታ ፡ ንህዝብን ሃገርን ዝበቅዕ ቅዋም ኣይነበረን። ሽዑ ከምኡ ምባለይ ዳርጋ መብዛሕትኦም ብጾተይ ምሳይ ኣይተሰማምዑን። ንድፊ ምስ ተዘርግሓ ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ገለ ካብኡ ኣውራ ግን ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋም ኣይተቐበልኩዎን። ክሰርሕ ከምዘይክእል ስለዝተረዳእኩ። ነብስኻ ምትላል እንተዘይኮይኑ ኤርትራ ኣብ ቅዱው ሕብረሰልፋዊ ስርዓት ኣማዕዲኻ ክትሪኣ`ውን ዘይከኣል`ዩ። ድሕሪ 2001 ኣይሰላም ኣይኹናት ህሞት ምስ ቀጸለ  ኣጋጣሚታት ኣብ ዝረኸብኩሉ፡ ዝተነድፈ ቅዋም ዝእረም ኣሪምና ነተግብሮ ኢለ። ቅዋም መስተርሆ ወይ ብሩራዊ ጥይት ከምዘይኮነ እናሓበርኩ። በቲ ካልእ ክኣ እትሓፍሮ ፡ አትሓንኮ ፡ እትፈርሖ ፡  ከምዘይኮነ እናኣመትኩ። ቅዋም፡ መርሆን ቀያስን መጻኢ ፖለቲካዊ ምሕደራና`ኳ እንተኾነ ብኣውርኡን ናይ እለቱን ጥቕሙ ግን ኣብ ውሽጥና ፍትሕን ማዕርነትን ስለዝህበና`ዩ። ህዝባዊ ግንባር ክጸርን ክሕይልን ኣበራቱ ከወግድን እንተኾይኑ ንዕኡን ንህዝብን ዘገልግል ቅዋም የድልዮ ኢለ። በታ ክሳብ ሕጂ ዘይተራኸሰት ልቢ ህዝባዊ ግንባር ስለዝበልኩዎ ግን ሕልናይ ቅሱን`ዩ። ሕጂ`ውን ሓዲሽ ቅዋም ይንደፍ ኣሎ። ተስፋ ይገብር ተማሂርናን ለቢምናን ክንከወን። ኣብ ገዛና ዝተወልደን ዝዓበየን ቅዋም`ምበር ኣብ ምዕራብ ዝተፈብረኸን ዝተራኸሰን ስለዘየስርሓና።

4.     ካብ 2001 ክሳብ 2005 ኣብ ዓስከራውን ሲቪላውን ኣሰራርሓ ዝርኣ ዝነበረ ምትሕውዋስ። ሓለፍቲ ስርሒታት ዞባ ኣብ ውሽጢ ኣሰራርሓ ምምሕዳር ዞባታት ዝገበርዎ ምትእትታው ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ኣብ ውሳኔታት ኣብያተ ፍርዲ ኢድ ምእታውን ውሳኔታት ፍርዲ ምጽላውን ዘድሊ ኣይነበረን። ብውርሻ ዝረዓምናዮም ሕግታት ንክውንነትና ዘይውክሉን ብግቡእ ዘየስርሑናን ምንባሮም ርዱእ`ዩ። ይኹን`ምበር ንፈራዶ ቀሊል ኣብ ዝኾነ ሕቶ ውርሻ ስድራቤት ኣቲኻ እገለ ወራሲ`ዩ እገለ ኣይኮነን ምባል ቅዱው ኮይኑ ኣይተሰማዓንን።

ዝጠቐስክዎም ነጥብታት ሽዑ ኣነ ዝኣመንክሎም`ምበር ዘይቅበልዎም ካልኦት ናይ ቀረባ ብጾተይ ኔሮም`ዮም። ሕጂ ነዞም ነጥብታት ዘልዓልክዎም ምእንቲ ምዝካር ጥራይ ኣይኮንኩን። እንታይ ድኣ፡ ትማሊ ብወገነይ ሃናጽን እወታውን ዝበልክዎ ሓሳብ ስለዘቕረብኩ ክቐስንን ኣደብ ክገዝእ`ምበር ፡ ሎሚ ኣብ ግዳም ስለዝሰፈርኩን ካብ መገዲ ዓድና ኣላጊሰ መገዲ ዓዲ ጓና ሒዘ ኣብ ማዕዶ ስግር ባሕሪ ንዝርከቡ ወገነይ ክዘርግን ክብትንን ድሉው ዘይሙዃነይ ንምእማት ጥራሕ`ዩ። ድሓር ካኣ ብኹሉ እንትናኻ ህዝባዊ ግንባር ጸኒሕካ ኣንጻሩ ንቑልቁል ከተንቅድ ዓገብ`ዩ። ህዝባዊ ግንባር ውልቀሰብ ኣይኮነን። ኢሳይያስ`ውን ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ኢሳይያስ`ዩ ኢልካ እንተኣሚንካ መገዲ ስሒትካ፡ ኣላጊስካ፡ መገዲ ዓድኻ ጠፊኡካ`ሎ ማለት`ዩ። ወይ ክኣ ከም`ቶም ንቑልቁል ዘንቀዱ ወግሐ ጸብሐ ጥዕና ኢሳይያስ ዝከታተሉ`ሞ እንተሓሊፉ ንጽብሒቱ ስላስ ተላዓሊ ኢሎም ዓዲ ክኣትዉ ዝሓልሙ መሲልካ ኣለኻ ማለት`ዩ። ኢሳይያስ እንተሓለፈ ህዝባዊ ግንባር ዝሓልፍ ዝመስሎም የውሃት ኣለዉ።   ህዝባዊ ግንባር ህዝቢ`ዩ። ስለዝኾነ`ዩም ካኣ ውሑዳት ገዲፍካ ኣብ ግዳም ዝሰፈሩ ለባማት ተጋደልቲ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ማለት ኣንጻር ህዝቢ ክሰርሑ ዘይመረጹ። ኣብ`ዚ ፈታኒ እዋን ክኣ ምስ ህዝቦምን ሃገሮምን ክውግኑ ዝሓረዩ።

ህዝባዊ ግንባር ክደክም፡ ክሰንፍ፡ ክዕንቀፍ፡ ከላግስ፡ ስለዚ`ክኣ ክጋገ ዘይክእል ኣይኮነን። 45 ዓመታት መመላእታ ዘቑጸረን ብኣዝዩ ፈታኒ ብድሆታት ዝሓለፈን ውድብ፡ አንተዘይተጋግዩን ድኽመታት እንተዘይኣርእዩን ጥራሕ`ዩ ዘገርም።

ህዝባዊ ግንባር ኣሳታፊ፡ ጸንባሪ፡ ሓቛፊ፡ ጸማዲ፡ ክኸውን ኣለዎ እንተተባሂሉ ግርም ዘረባ`ዩ። ተመሊስና  እንተዘኪርና ግን ሓቂ ይሓይሽ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣብ ሜዳ ሰፊሩ ክነሱ ኣብ ጽምዶን ሓድነትን ዘርኣዮ ትብዓት ፍሉይ ታሪኽ`ዩ። ሳግምን ህዝባዊ ግንባርን ሓደ ኮይኖም። ክልቲኦም ንሓቀኛ ሃገራዊ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝወከሉ ውህደት ክፈጥሩ ኣይተጸገሙን። እዝዮም ተፈናቲቶም ኔሮም ክንሶም ብሃገራዊ ልቢ ስለዝተራኸቡ ሓደ ኮይኖም። ብድሕሪኡ ብእኩብን፡ ብውልቀሰብን ደረጃ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓደ ዝኾኑ ብዙሓት`ዮም።  ሕጂ`ውን እንተኾነ ሃገራውነቶም ብዘየወላውል መገዲ ንዘረጋገጹ ወገናት ህዝባዊ ግንባር ክፉት ባብ ከምዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሓድነትን ጽምዶን`ምበር ሕብረሰልፋዊ ሕልሚ ንዝሓልሙ ወገናት ግን ርሑው ባብ ክህሉ የብሉን በሃላይ`የ።

ህዝቢ ኤርትራ ዕድለኛ`ዩ። ህዝባዊ ግንባር ስለዝፈጠረ። ዘይማዕበላን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ይሕመሳ ኣለዋ። ዕድለኛታት ስለዘይኮና። ንህዝባዊ ግንባር ዝመስል ስለዘይረኸባ። ካብ ምዕራብ ዝተኣዘዘ ምድሃኒት ስለዝውሕጣ። ኣብ ምዕራብ ዝተመስርሐ ደሞክራሲ፡ ብዙሕነት ስልፍታትን ስርዓተ ምምሕዳርን ክርዕማ ስለዝቕሰባ። ገሊኣን ምሉእ ብምሉእ ዝጠሓላ፡ ገሊኣን ብዕራይ ፈረቓ ሒዘን ንኣዘዝቲ መድሃኒት ክቕሽሻ ዝፍትና፡ ግሊኣን ተበራቢረን ክንሰን መዋጽኦ ዝሰኣና።

ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረቱ ፡ ምዕሩይን ቅሱንን ምሕደራ ንዝደሊ ዘይማዕበለ ወይ ኣብ ምምዕባል ዝርከብ  ህዝቢ ወይ መንግስቲ፡ ሓደ ኣማራጺ ጥራሕ`ዩ ዘሎዎ። መገዲ ህዝባዊ ግንባር። ብሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራሕ ዝምራሕ ዘይማዕበለ ወይ ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ሃገር፡ ልምዓት፡ ምዕሩይነትን ቅሳነትን ኣየረጋግጽን`ዩ ዝብል ምዕራባዊ ብሂል ኣሎ። ዴሳዊ ቻይና ግን ህያው ምስክር`ዩ። ህዝባዊ ግንባር ብዘይ ምግናን ካልእ ህያው ምስክር ክኸውን ይቃለስ ኣሎ። ከይተጋገየን ከይተሓቑነን ብድሆታት ከይሰገረን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ህጂ`ውን ጌጋታት ኣሎ። ኣይፋል ጌጋታት የለን ዝብል`ውን ኣሎ። ከምዚ ምዃኑ ንቡርን ቅቡልን ኢዩ። ብፍላይ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኔርካ ሕጂ ኣብ ግዳም ጌጋታት ክትእርም ፈቲንካ፡ ውጽኢት ስኢንካ፡ ተስፋ ምስ ቆረጽካ፡  መገዲ ጥፋኣት ክትመርጽ ግን ኣይግድን።  እሞ ኽኣ ዘይከኣል ምዃኑ እናፈለጥካ። እቲ ጽቡቕ፡ ነዚ መገዲ ዝመረጹ ውሑዳት ምዃኖም`ዩ። ኣቶም ዝበዝሑ ዘሓብን መገዲ መሪጾም ኣለዉ። መገዲ ዓዶም፡ መገዲ ኩልና። መገዲ ዓድና።

Bildergebnis für EPLF Pictures

ዓወት ንሓፋሽ!

ሃብቶም ተስፋይ

ምንጪ እዚ ዲንቂ ስነ-ጽሑፍ`ዚ ኤሪጋዘጠ እዩ።
Received on Sat Aug 13 2016 - 12:00:06 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved