ምቅናእስ ቅናእ እቲ “ቅዱስ ቅንኢ” ግን ንጽቡቕ ድኣ ይኹን!!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 12 Aug 2016 22:08:01 +0200

ምቅናእስ ቅናእ እቲ “ቅዱስ ቅንኢ” ግን ንጽቡቕ ድኣ ይኹን!!

 
* ርእይቶይ ኣብዛ ውስንቲ ጥቕሲ፡ ክቡር ሓው መኮንን፣ ስነ ጽሑፍካ ሚዛናውን ካብ ኣብ ባይታ ናይ ዓለምን ዞባናን ዘሎ ክውንንነት ዝተሞርኮሰን ዘንጸባርቕን ስለ ዝኾነ ከመስግነካ ይፈቱ። እንተኾነ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣንዳዕዲዕካ ነግ ፈረግ ከይበልካ (ከይብሉኒ ከይበልካ) ከምቲ ዝግብኦ "ህዝባዊ ግምባር" ኢልካ ዘይምግላጽካ ቁሩብ ቅሬታ ኣሎኒ። ስለምንታይሲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣንጻር`ቲ ሓያልን ግዙፍ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይይኮነስ ምስተን ናይቲ እዋን ብቑጠባዊ መዳይ ኮነ ዘይተኣደነ ኣጽዋር ሓገዝቱን መወልቱን ክልተ ርእሰ ሓያላት መንግስታት ዓለምን ሰዓብተንን ከይተረፈ`ውን ተቃሊሱን ተሰዊኡን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንሰራዊት ጸላኢ ደምሲሱን እፎይ ኢሉ ከዕርፍን ካብ'ዚ ንኔው እንታይ ገደሰኒ ከይበለን ካብ ኤርትራ ስጋብ ኣዲስ ኣበባ እግረ-እግሩ ኣናኾብኮበን እናተዋግኣን ከቢድ መስዋእቲ እናኸፈለን ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርጋዊት ኢትዮጵያ ኣብ ደጀኑ ስዒሩ ሓመድ ኣዳም ዘልበሰ ኤርትራዊ ሓርበኛን ኣብ ታሪኽ ዓለም እንኮ ሓደ ጅግናን ጽኑዕን ተባዕን ሰውራውን ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ  እዩ። እዚ መበልየይ፣ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዝጨበጠን ንጸላኢኡ ኣብ ሕምብርቲ ግዝኣቱ ኣትዩ ሰራውሩ ዝሞንቆሰን ድምጽማጹ ዘጥፍኤን ሰውራዊ ውድብ ብጀካ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ታሪኽ ዓለም ስጋብ ሕጂ ኣይፈልጥን ኣይሰማዕኩን`ውን። እዚ ድማ ንጃህራ ወይ`ውን ንረኣዩለይን ስምዑለይን ዘይኮነስ፣ ኣብ ባይታን ብግብሪ ዝተራእየን ናይ ትማል ዝተዓዝብናዮን ዝረኣናዮን ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ስለዚ ሓቀኛ ታሪኽ ክትገልጽ ስኽፍ ኣይበልካ።
 
*ሓውኻ ብርሃነ ሃብተማርያም
*እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ስእሊ ሓንቲ ካብቶም ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ብዓረር ወያነ ብጭካነ ዝተቐንጸሉ ደማ ፈሲሱ ክቡር እንኮ ህይወታ ዝሰኣነት ውጽዕቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ።
*ብርሃነ
 

“ቅዱስ ቅንኢ ቀኒአ!!” ጽሕፍቲ ብኣቶ ኣማን ኪዳነ ብሓደ ንሓስ 2016 ዝትጻሕፈት ኣብ ምድሪባሕሪ ኣንቢብና። ብዛዓባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ተንቲኑ ክብቅዕ ኣቶ ኣማን እንተዘይተጋግየ እቲ ካብዚ ህልዊ ኲነታት ኢትዮጵያ ቅዱስ ቅንኢ ዝፈጠረሉን ኣብ መወዳእታ ድማ “ኤርትራውያን ካብዚ እንታይ ንምሃር?” ክብል ሕቶ ደርብዩልና ተዓዚሩ።


ከምዝርድኣንን ዝመስለንን ቅዱስ ቅንኢ ክህልወካ ዝግባእ እቲ ቅዱስ ቅንኢ ዝፈጠረልካ ኩነት ብቕልል ዝበለ ገለጻ ጽቡቕ ምስ ዝኸውን እዩ። ሓደ ሰብ ጽቡቕን ዘብህግን ስራሕ ወይ ግብሪ ምስረእየን ምስ ሰምዐን ከምኡ ክገበር ይቐንእ።


ኣብዛ ሕጂ ንርእያን ንዕዘባን ዘሎና ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ግን ብርእይቶይ ግደፍዶ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድረልካን ክፈጥረልካንስ ንጸላእትኻውን ዘይትምነዮ፡ ክትርእዮን ክትሰምዖንውን ዘሰንብድን ዝገርምን እዩ። መውዳእቱውን እንታይ ክመስል ከምዝኽእልን ናበየናይ ጫፍ ክምዕብል ከምዝኽእልን ባዕልኻ ገሚትካዮ ኣሎኻ። ነቶም ደበና ጥፋኣት ዘንጸላልዎም ዘሎ ‘መሳኪን’ ህዝቢ ድማ ‘ኣባጅጎ’ ጽላሉ የንብረሎም።


እቶም ብትዕቢት ሰኺሮም ኣይትሓዙና ክብሉ ዝጸኑሑ ወያነ’ኳ ኣዝዮም ተሻቂሎምስ ገና ንሃገርና ገንሸል ሸርሖምን ዓቅሚ ድኣ ኣይህቦምን ይኸውን እምበር መኸወሊ እቲ ዝገበርዎ መባእታዊ ጌጋን ክገብርዎ ድሕር ከምዘይብሉን ክፍክሩ ንስምዕም ኣሎና። ኣብ ዝደሎዎም ወስን ትንዕን ክብሉ ከምዝኽእሉ ድማ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ዝተዓዘብንዮ እዩ።


እሞ እቲ ቅዱስ ቅንኢ ዝፈጠረልካ ኩነታት ንምጥቃስ፡

“ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርኣዮ ሰላማዊ ቃልስን ኣዝዩ ዘቕንእ እዩ። በሰላማዊ ሰልፊ ተቓውመኻ ምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ መሰሉ ግንባሩ ንዓረር ዝህብ ህዝቢ ምኻኑ የመስክር ኣሎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘቕንእ እዩ።” ኢልካ?


እቶም “ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም” ስልጣን ዝጨበጡ ወያነ ንእትዮጵያ ከምትጥዕምም ገይሮም መቓቒሎም ብሓይሊ ቖሪኖም ሕዘሞም ከምዝጸንሑን ብኡ ይቕጽሉ ስለዝነበሩን’ዩ እቲ ህዝቢ ከም ጸወታ ያህለለ ብጥይት እንዳተሸንቀ መሰሉን ክብሩን ንምምላሰ ዝጽዕር ዘሎ። እዚ እንርእዮ ዘሎና ኣገባብ ይኹን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫታትን ወያነ ንውጽኢቱ ክምንዝዕ ህዝቢ ክቃወምን እቲ ሰርዓት ብሓይልን ጎነጽን ክፈትሖን ከምቲ ዝበልካዮ 25 ዓመታት ኣቁጽሮም። ሕጂ እቲ ናህሪ መዕገቲ ናብ ዘይ ርከቦ ሓደገኛ ተርእዮ ከምርሕ ንዕዘብ ኣሎና።


እቲ ህዝቢ ብሰላማዊን ብሓይልን ምቅላሱን እቲ ስርዓት ብሓይልን ጎነጽን ብረትን ጥይትን ክምልሰሉ እንዳተዓዘብናን እንዳሰማዕናንሲ ከመይ እዚ ቅዱስ ቅንኢ የትሕዝ? እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ንልዕልና ውያነ ስለዘይተቀበልዎ እቲ ስርዓትውን ኣብ ክንዲ ዕጭኡ ዝሃቦ ዝቕበልን፡ እቲ ንስሙ ዲሞክራሲ ዝብሎኳ ብግብርስ ክሰርሓሉን ብሕግታቱ ክቕየድ ኣይረእናን።


ብእንጻሩ ውጽኢት ምርጫታት ምዝራፍን ምፍራስን ጥራይ ዘይኮነስ ብሓይሊ ብረት ኣብ ስልጣን ከምዘለውስ ብጀካቲ ረብሕኡ ምስኦም ዝተኣሳሰረ ዘበለ ገዲፍካ ንማንም ክዉል ወይ ስዉር ምስጢር ኣይኮነን።


ልክዕ’ዩ ዋላ ኣብተን ብዲሞክራሲ ዝመሓደራን ማዕቢለን ዝበሃላ ሃገራትውን ህዝቢ ስላማዊ ሰልፊን ተቃውሞን ይገብር እዩ። ፍርይ ዝበለ መሰለይ ጎዲሉኒ ኣብ ዝብለሉ በዚ መንገዲ ጥራይ’ዩ ዝቃለስ። ብጥይት ክጽርገፍ ግን ልሙድ ኣይኮነን።


ስለዚ እቲ ኣቕንኡኒ ትብሎ ዘሎኻ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ከምቲ ትብሎ ግንባሩ ንዓረር ክህብን ዘቃላሓሉን ዝነግረሉን ስኢኑ’ምበር ዳርጋ መዓልታዊ ደም ክፈስስ ምራኣይሲ ከመይ የቕንእካ ምርዳእ ኣጸጊሙኒ።


ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ጀሚሩ እቲ ስርዓትውን ብሕጋዊ ዝምልሰሎም እንተዝኸውን፡ ናብ ስልጡንን ብስለት ዝምህር ፖለቲካዊ ምክእኣል ክሰጋገሩ እንተንርኢ’ሞ ? ቅዱስ ቀንኢ ቀኒአ እንተትብል ማሓረ ምበልናካ። ንምቅትታልን ደም ምፍሳስ’ሲ ኣይቕንእን’ዩሞ ንዮው በሎ። ምቕናእ ምቕኑስ ንጽቡቕን ንሰላምን ድእ ንቕናእ።


ሕማቅ ፋል’ዩሞ እዚ ቅንኢኻ ድማ ቅንእና ኣይግበሮ እንተበልኩ ድፍረት ኣይትቚጸሮ። ከቅንኣካ ኣይምተገበአን ኢለ ስለዝኣመንኩ። እኳድኣ ኣፍሪቃውያን መዓስኮን ካብዚ ናይ ፖለትካዊ ምቅትታልን ፍልስፍናኡን ንገላገል ንኸውን ኢልና ሓንጎልና ክንኲሕኲሕን ምተገበአ።


እቶም ሊቃውንትናን ለባማት ዓዲ ዝበሃሉን ቀለም ጸጊቦም ‘ዝጎስዑን’ ከኣ ደም ምፍሳስ ዘይብሉን ጥይት ዘይንስምዓሉን ንሰላማዊ ኣጋባብ ቃልሲ ክትሰርሑን ክትጒስጉሱን ክተበስሉን ክትምህሩን ከተንቅሑን መሪሕ ተራ ክትጻወቱን ምተገበአ።


እቶም ‘ሓመድ ሓፋሽ’ – ኩላትና ካህናትናን ኣቕሽሽትትናን ሸኻትናን ዲያቖናትናን ሃለቃታትናን ምእመናን ተኣኪብና ነቶም ሓሳዳት ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ጸላእትናን፡ ነቶም ሕብሪ ዓይንና ደስ ስለዘይብሎም ከጽንቱና ዝሃቐኑን ገና ዝፍክሩን ዝሕንሕኑን ዘለዉን ፡- ኦ ኣብጅጎ ካብ ዓይኒ ሓሳዳ ሰውረና ሓያላት ዝብሉ ኣእዳዎም ሕዘልና ልቦና ንዝጎደሎም ምሕረት ኣውርደሎም ካብ መንገዲ የማነ- ጸጋም ናብቲ ቅኑዕን ቀጥ ዝበለን ምርሓዮም ጽላልካ ኣምብረልና ዘሕልፍናዮ ምረትን ምፍሳስ ደምን ይኣኽለኩም በለልና እናበልና ‘ምጸለናን ምተማህለልናን’።


ኣቶ ኣማን “ኩሉ ነገር መጀመርያን መጨረሻን ኣለዎ። ፖለቲካ ልክዕ ከም ህያው ሰብ ይውለድ፡ ይዓቢ፡ ይኣርግ፡ ምስሞተ ከኣ ይጎሓፍ ወይ ይትካእ። ” ኢልካ ኣሎኻ።


ፖለቲካ ከም ህያው ሰብ ክምዝውለደን ዝዓብን ድማ ኣመሳሲልካዮ ኣለኻ። እንዲዒ ወደይ? ከም ዝመሰለኒ ፖለቲካ ሓደ ጥርኑፍን ዝወሓደ ኣካልን ሓደ ህዝቢ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ማለት ሃገር ዝቖጻጸረሉ መመርሕን መሰርሕን’ዶ ኣይኮነን። እቲ መሰርሕ ምቑጽጻርን እቶም ዝወሓዱ ዝቖጻጸሩን ነቲ ስልጣን ምቑጽጻር ብሓይሊ ወይ ድማ ብፍቶት እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ይኸውን፡ ብሓይሊ ማለት ካእ ከምቲ ዝበልካዮ: “እቲ ንመዋእል ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓትን ወተሃደራዊ ኣግዛዝኣ ኣፍሪሱ…..” ወይ’ውን ከምቲ ደርጊ ንንጉሳዊ ስርዓት ዝኸንበሎ ማለት እዩ’ሞ ምሳኻ ይሰማማዕ።


እቲ ብፍቶት ዝበልክዎ ድማ ኣብዚ ክፋል ዘለኽዎ ምዕራባዊ ዓለም እንተሊኻ ትዕዘቦ ስለዘሎኻ እቲ ብስም ዲሞክራሲ ብምርጫ ናብ ስልጣን ተምጽኦም ብምርጫ ተደዪቦም ‘ገዛእቲ’ እዮም። ከምንዕዘቦ ዘሎና ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመጹ ይመባጽዑን ይሕስዉን የታሉሉን። ኣብ ስልጣን ምስመጹ ግን ዳርጋ ከም ድሌቶም’ዮም ዝገብሩ።


ንእብነት እታ ብቓላትካ “ብዓብላልነትን ከቢድ መስዋእቲ ትግራዎትን ዝተሰረተ ስርዓት ወያነ” ተደጋጋሚ ኣብ ምርጫ ዓሚጾም ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ተኾዲጮም ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ ኣንጻር እቲ “ሰውራ” ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብጥይት ክሰሃልዎ ተዓዚብና ኢና። ገና ይቕጽል እናሃለን። መኣስ ከምዝዓርፍን መዳእትኡ ከመይ ከምዝኸውንን ድማ ግዜ ክውስኖ እዩ።


ስለዚ “ፖለቲካ ልክዕ ከም ህያው ሰብ ይውለድ፡ ይዓቢ፡ ይኣርግ፡ ምስሞተ ከኣ ይጎሓፍ ወይ ይትካእ።” ዝብል መገለጺ መንግስታት ኣብ ስልጣን ይመጹ ይሓልፉ ከተስምዕ እንተድኣ ኴንካ ንሰማማዕ።


ፖለቲካ ከም መስርሕ መገዝኢ/ መቆጻጸሪ/ንመመሓደሪ ህዝቢ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ። ከምዝመስለኒ ወዲ ሰብ ኣብቲ ዘይማዕበለሉ ኣብ ዝነበረሉን’ውን መስርሕ ኣነባብራ ነይርዎ እዩ። ኣነባብራ ንባዕሉ ፖለቲካ እዩ። ሎሚ ሳላ ግሪኻውያን ዲሞክራሲ ናብ ዝብል ማዕቢሉን ተራቒቑን ‘ብፖለቲካ-ሓሶት’ ህዛብ ኣታሊልካን ወይ ‘ሓቂ-ብዓቐን’ እንዳስነቕካ ሕጋዊ ብዝመስል ኣገባብ ምርጋጽን ምድሃኽን ምምዝማዝን ኮይኑ እነሆለ።


ሰለዚ ወያነ ዝኽተሎ ዝጸንሔንን ኣስገዲዱ ዝተግበሮን ብሓይሊ ዘቐጽሎ ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ሕጂ እቶም ዝበዝሑ ህዝቢ ስለዝተረደኦም ዝኣረገ ዝመስለና ዘሎ እምበር እቲ ሓሳብን መስርሕን ወትሩ ህልው ኢዩ። ኣብ ካልኦት ሰሪሑ ወይ ክሰርሕ ይኽእል ይኸውን እዩ ወይ ይሰርሕ ኣሎ። እቶም ዝወሓዱ እኮ ሽዑ ኣቲሒዞም ተቓዊሞም እዮም። ከምዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና እቶም ሽዑ ዉሑዳት ዝበልዎ ዝኣመትዎን ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ፈሺሉን ክፈሽልን ንዕዘቦ ኣሎና።


ምኽንያቱ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዝዂስኩስ ብዓሌትን ቛንቛን ክፈላለዩን ምትእምማን ከጥፍኡን ገይሩ። ከምቲ ኣሚትካዮን ዳሓር ኣፍሪስካዮን ዘሎኻ ድማ እታ ሃገር ማለት ንእትዮጵያ ንሓዋሩ ዝበታትንን ሓድነት ህዝቢ ዝዘርግን ኮይኑ ኢዩ ክተርፍ። ስለዚ ወያነ ከተግብሮ ወይ ክሽጎጠሉ ዝሓሰበ ፖለቲካዊ መሰራሕ እዩ ፈሺሉ ዘሎ። እቶም ነቲ ሰርዓት ብዓብላልነትን ብተጒላባን ዝዝውሩ ዝነበሩ መዓስ ብዘየገድስ ክሓልፉን ክቕበሩን ግድን እዩ። እቲ ንሳቶም ዘንቐልዎ ዝንቡዕን ንጹል ፖለቲካዊ ሓሳብን ድማ ህዝቢ እንተነጺግዎ ይፈሽል። እቲ መስርሕ ወይ ፖለቲካ እቲ ህዝቢ ሰለዘይተቀበሎ እቲ ዘንቀሎ ይፈሽል። እቲ ዘንቀሎ ሓሳብ መንቀሊ ናይ መጥፊኢኡ ድማ ይኸውን። ፈደረሸን ከም ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ ፈሺሉን ሰውራ ወሊዱን ነቶም ኣንቀልቱን በስገዳድ ከተግብርዎ ዝሓሰቡን ሰሪ መጥፊኢኦም ኮይኑ።


ከም ዝመስለኒ ወያነ ነቲ ኣስገዲዱ ዘንቀሎ ፖለቲካን ብኽፍእት ክዝውሮን ከተግብሮን ስለዝሃቀነ እዩ ድሕሪ 25 ዓመት ናብ ፈርኸሽክሽ ገጹ ብናህሪ ዝምዕብል ዘሎ። ወያነ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ፖለቲካዊ ምርጭኡ ምስግዳድ ጥራይ ዘይኮነ ‘መሬትን ህዝብን’ ሰሪቑን ገቢቱን ገዝኡ ከዕቢ ወይ መጻኢ ግዝኣቱ ከስፍሕ ተራእዩ:- ምእታው ዓንቀጽ 39 ድማ እቲ ዝወጠኖ ሓሳብ እንተዘይሰሪሑ መህደሚ ክኸውን ዝተማህዘ ማለት እዩ። ዳሓርውን ካብቶም ካልኦት ብሄራት ዝመንዝዕዎ ጥራይ ስለ ዘይኣኸሎም ሓይሊ ድኣ ስኢኖም እምበር ስሲዖም’ሲ ዶብ ሰጊሮም ክዘምቱ ፈቲኖም።


ቀጺልካ “እቲ ዘሕዝን ግን ተቕውሞታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ውህድትን ሓድነትን የብሉን።……ክልተ ብሄራት (ኦሮሞን ኣምሓራን) ኣዝዩ ዝተረሓሓቐን ፈጺሙ ዘይራኸብ ተቓውምታት እዩ ዘለዎም…….ሓንቲ ተራኽቦም ኣርእስቲ፡ ብተጋሩ (ወያነ) ኣይንግዛእን ትብል እያ።” ኢልካ።


ደቂሰባት መሰሎምን ረብሐኦም ኣብ ዘይሕለወሉ እዋን ነቲ ረብሐኦም ዝሓረሞም ኣካል ንምብዳህ ዋላ እታ ዝደቐቐት ከተሰርሖም ትኽእል ነጥቢ ትጠቒሞም ክላፈኑ ይኽእሉ እዮም። ንእብነት ወያነ ካብ ንጉሆኡ ንትግራይ ጥራይ ክቃለስ እዩ ተበጊሱ። ተቓለስቲ ኦሮሞ’ውን ንናጽነቶም እዮም ወፊሮም። ብቲ ግዜ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ክብል ብድብድቡ (ምኽንያቱ ህ.ግ እንተበልኩስ ገለ ብጽልኢ ዓይኖም ዝዓወሩ ተጣባቒ ከይመስሎም ተጣባቂ/ደጋፊ መንግስቲ ምዃን ገበን ኮይኑ ኣብዘለወሉ ግዜ ስለዘሎና) ምብትታን ኢትዮጵያ ተቓዊሙን ብሓባር ክሰርሑ ምዒዱን። ካድረታት ወያነ ህ.ግ መን ወሃብን ከላእን ገይርዎ እዩ “ንምሰል ዓርስና/ርእሰ ውሳኔና” ዝቃወም ኢሎም ክማጎቱን ክሰብኩን ክጉስጉሱን ኣጸቢቑ ይዝከረኒ ። እእ ህ.ግ ኢለ ሙላቕ ቁጸራ።


ከም ንዝክሮ ድሕሪ ብዙሕ ሸንኮለል ወያነ ዘለዎ ናይ ሓባር ግንባር ኣቑሞም ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣልጊሶም። እንተኾነ ወያነ ስልጣን ብሒቱን ንኻልኦት ብስዉር እንዳቀተለን ፈደራላዊ ስርዓት ክሳብ ምንጻል ዝብል ፖለቲካን ቅዋምን ኣምጺኦም ንእትዮጵያ ከሰርሕ ከምዝኽእል ገይሮም ከእምኑን ብኡ ክሳብ ሕጂ ክምርሑን ክጓዓዙ ጽኒሖም። እቲ ጉዕዞን እቲ ን25 ዓመት ዘዳህለልዎን ዝድሃኽዎ ህዝቢ ከምቲ ወያነ ዝሓለምዎ ዘይኮነስ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ናዕብን ዘይምርግጋእን ኮይኑ ውጽኢቱ።


ነዚ ከም ኣድጊ ጥረ እናሃብካዮ ዝራጋሕ ተናዳፊ ሰርዓት ወያነ ክብድሁ ኩሎም ተቓወምቲ ክሰማምዑን ተላፊኖም ክሰርሑን ይኽእሉ እዮም። እቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ንደርጊ ንምልጋስ ዝተገብረ ስሙር ግንባር ከም ኣብነት ሕጂ ክድግም ይካእል ኢዩ። እቲ ውህደትን ልፍንቲን ኣብ ምንታይ ንምንታይ ክሳብ ማዓስን ዝብል ግን ከብስልዎ ይግባእ። ሕጂ ንጹር ዓላማ እንተዘይሒዙ ከምቲ ናይ ወያነ ማንታ ድሌትን ሓሳብን ሒዞም ኣዲስ ኣበባ ዝእተዉ’ሞ ውጽኢቱ ሕጂ ንርእዮ ዘሎናን ወይ ዝገደደን ክኸውን ይኽእል እዩ።


ከምቲ ዝተባህለ እቲ ስርዓት ምስ ፈረሰ ጸገም ከምጽእ ይኽእል ይኸውን ኣይክእል’ውን ይኸውን። ድሌትን ብስለት እቶም መራሕቱን፡ ንቕሓትን ብስለትን እቲ ህዝቢ’ዩ ወሳኒን ማእዛኒ ዝኸውንን። እቲ ምረቱ ጥርዚ በጺሑን ገንፊሉን ስለንዕዘብ ዘሎና ብሓባር ክቕጽል ናይ ምድላይን ኣንፈትውን ንዕዘብ ኣሎናሞ እቲ ህዝቢን እቶም መራሕቱን ዝምልስዎ ጉዳይ ይኸውን።


ምብትታን ረብሓ ዝመስላ ድማ ወያነ ጥራይ እያ። ወያነ ንእትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራውያን ንምብትታንውን ከይደቀስት ትሓድር ከምዘላ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ክግብርዎ ዝጸንሑ ጉርሕን ሽርሕን እኹል ኣብነት እዩ።


ሽምያ ንስልጣንን ከምዚ ናይ ወያነ ካብ ካልኦት ሰሪቕካን ኣኪብካን ንደምበኻ ንምሕጻርን ጁባ ወገነይ እትብሎም ንምኹማርን ጥራይ እንተኾይኑ፣ ኣክላባትሲ ተሳኒዮም ዝብኢ የሳጉጒሞ ኣብቲ ገንቢ ምስተመልሱ ይመናጨቱ ክኸውን እዩ።


መሰሎም ካብ ወያነ ምስመንዝዑ ‘ፋሕጽንግራሕ’ ክኣተዎምን ናብ ካልእ ሳዕቤን’ውን ክሳገር ይኽእል ይኸውን። እቲ ሕማም ምፍላይ ውያነ በይኖም ዘስረጽዎ’ኳ እንተዘይኮነ ክላባዕን ክገደንን ሕጋዊን ዝገበሩን ቀንዲ ተሓቲቲን ዋናታት ናይቲ ክፍኣትን’ሲ ንሳቶም እዮም። ኣብቲ ግዜ ወያነ ነዚ ፍሹልን ፋሕብትን ዘእቱ መስርሕ ከተተግብሮ ክትጅምር እንኮላ፡ እዛ ብፖለቲካ ንኣና ዘይትውክል ዓለም ሕጂ ትኾኖን ክትኮኖ ዘሎ ተኽእሎን ንጎኒ ገዲፍና እቲ ንኻልኦት እናበተኑ ናብ ምትእኽኻብን ውህደት (ሕጂ ከኣ ክፈርስ ድኣ ይደናደን ኣሎም’በር) ገጾም ይደፍኡ ኣብ ዝነበርሉ ኲነታት ወያነ ተጠርኒፉ ዝጸንሓ ክብትኑ ተራእዮም።


ምኽንያቱ ንህዝቢ ዘይውክል ስርዓት ጥርኑፍን ፓለቲካዊ ንቕሓቱ ክብ ዝበለን ህዝቢ ኣይፍቱን እዩ።( እኳድኣ መዝሙር ኩዕሶ’ዮም ዝዝምሩ። እቶም ተጻወቲ ድማ ብገንዘብዮም ዝዕደጉ’ምበር ንስፖርቲ ዝኸውን መሬት ዝተማሳቐለ ገዛ ሰሪሖም መኻዕበት ጅባኦምዮም ዝገብርዎ።) ጥርነፈን ሓድነትን ፖለቲክዊ ብስለትን ውህደትን ዘይብሉ ህዝብ ድማ ኣብ ሶማል ሩዋንዳ ሱዳን ዒራቕ ሊብያ ካልኦትን ሃገራት ኣዕራብን ንርእዮ ዘሎና ጋህዲ እዩ።


እዚ ሕጂ ቅዱስ ቅንኢ ኣሕዲሩልካ ውይ ፈጢሩልካ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ እትዮጵያ ከምቲ ዝበልካዮ ን25 ዓመታት ክኸይድ ዝጽንሓ እዩ። እዚ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ዘገም እንዳበለ ክኸይድ ዝጸንሓ ውጽኢት ናይቶም ውሑዳት መርሕ ግደ ዝተጻወቱን ከኣ እዩ ክበሃል ይከእል። እቲ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞን ናዕብን በቶም ኣብቲ ተቓውሞ ዘለው ማለት ብውድባት ዝልለዩ ዝምእዘዝንን ዝምራሕን እምበር ትም ኢሉ ካብ ባዶ ዝመንጨወ ክኸውን ከምዘይክእል መቸም ክንግንዘቦ ዘጸግም ኣይመስለንን።


ስለዚ ከምቲ ትብሎ እንተድኣ ኮይኑስ እዚ መጻኢት ሃገሩ ከመይ ክትመስል ፍጹም ኣመት ወይ ሓባራዊ ራኢ ወይ ዝሓዞ መደብ ዘይብሉ ትም ኢሉ ደሙ ዝዂዑ/ ዘፍሰስ ዘሎ ህዝቢስ ከመይ ኣቢሉ እዩ ቅዱስ ቅንኢ ኣትሕዙካስ ህዝቢ ኤርትራ ክመሃረሉ ትህቅን ዘሎኻ?


ስለዚ ኣቶ ኣማን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ወይ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ከምዚ ትብሎ እንትድኣ ኮይኑስ ድሓርውን ኣሚትካዮ ከምዘሎኻ ናብ ጸልማት ከምርሕ ማለት እዩ። ብርእይቶኻ ተራኽቦም ፈትሊ ብወያነ ኣይንግዛእን ትብል እያ። ካብ በልካን “ካልእ ይትረፍ እታ “ኢትዮጵያ” ትበሃል ከም ሃገርን መንነትን መረዳእቶም ነንበይኑ እዩ። እዚ ድማ ንመዋእል ዕንክልል ክብል ዝጸንሐ ሕቶ እዩ”። ድማ ወሲኻስ ከመይ ኤርትራውያን ክንመሃረሉ ዘቕንእ ቅንኢ ቀኒእካ? ከምኡ ኣይበልኩን ዶ ክትብል ኢኻ? ኣናፍራ ቖቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን’ዶ ኮነ ነገሩ። ምኽንያቱ ነገርካን ኣንቒልካዮ ዘሎኻ ዛዕባን ብሩህን ግጡምን ስለዝኾነ።


ናብ ምድምዳም ገጽካ ክትቃረብ ከሎኻ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢልካ፥-


“እሞ ከመይ ጌሮም ደኣሎም ንወያነ ካብ ስልጣን ከባርርዎም። ብዛዕባ እታ ኢትዮጵያ ትበል ሃገር ተጋራጫዊ ዝኾነ ሃገራዊ መንነትን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ክትንትኑ ዝውዕሉ ኣህዛብ፡ ንሓደ ዝተወደበን ብደም ኣሽሓት ኣብ ስልጣን ዝደየበ ስርዓት በቐሊሉ ክትክእዎ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ግርህነት ኮይኑ ይስመዓኒ። ………..እቶም ካልኦት ናእሽቱ ብሄራት’ሞ ንግደፎ ፡ ህዝቢ ትግራይን ወያነን’ከ ኣበይ እዮም ክሰፍሩ። ነኣይ ፖለቲካ ግዲ ዘይፈልጥ ኮይነስ ሕንቅልሕንቂሊተይ እዩ።”


ነቲ ጽሑፍካ’ሞ ኣስተማቕሮ ሃንቀውታኻን ድሌትካን ስምዒታትካን፡ ፍርሃትካን ሻቕሎትካን ጥራይ ኢኻ ኣንጸባሪቕካ። ነዚታት ንምሽፋን ፖለቲካ ሰለዘይትፈልጥ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑካ! ዝገርምዩ። ኣደይ ኢታይሲ ዝኣኽለን ጥሒነን ብኣለወልዲ’ዩኮ ነይሩ ይብላዶ ኮይኑ ዓርከይ።


ወይ ከምዚ ከማይ ጠኒንካ ምእታው’ዩ ወይ ድማ ከም ብዘይዋዓለቶ ሓጥያት ተወጊዛ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ኴይና ትምህለል ፍጥርቲ ምምህላል ወይ ምጽላይ እዩ። ዝከኣለካ ምስ ደራጎስካ ቀምሽ ኣደይ ኣሕንኲሉኒ ግን ጓል መገዲ መሪጽካ መዋጽኢ ምፍጣር እዩ።


ብዝኾነ ከምቲ ኣቀዲመ ዝኣመትክዎ ነቲ ቅዱስ ቅንኢ ኢልካ ዝጀመርካዮ ጽሑፍካ በዛ ኣብዛ ላዕሊ ዘላ ሕጡብ መቀረት ኣስኢንካያ። እቲ ን25 ዓመታት ብስላማዊን ክሳብ ግንባሩ ንዓረር ክህብ ድሕር ዘይብል ህዝቢ ከምዘይበልካ፡ ተመሊስካ ነቲ ብደም ኣሻሓት ናብ ስልጣን ዝደየበ ከመይ ገይሮም ካብ ስልጣን ከምዘልግስዎ መልሲ የብልካን። እቲ ብሰላማዊ መንገዲን ክሳብ ግንባሮም ንዓረር እናሃቡ ን25 ዓመታት ብምቅላሶም ቅዱስ ቅንኢ ዘቕንኣካ ውጽኢቱ ሕንቅልሕንቂሊተይ ኮይኑ ተሰሚዑካ።


ኢዶእ! ኣቶ ኣማን ኣሞ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዕዘቦ ዘሎና ኩነትታሲ ኣየናይ ሸነኹ’ዩ ኣቕንኡካ? ንኣይ’ውን ፖለቲካ ስለዘይፈልጥ ፍጹም ምርዳእ ኣጸጊሙኒ። እንተኺእልካሲ ተፍሲር የደሊየኒ ኣሎና።


ልዕሊ ኩሉ ዘገርም ግን ናይቶም ካልኦት ብሄራትሞ ንግደፎ ኢልካሞ ናይ ወያነ ተገዳስነት እምበር ናይ ካልኦት ዝደለ ይዂን ምባል’ዶ ኣየስምዕን። ነዛ ጭላፍ ካብታ ሕጡብ እሞ ኣስተውዕለላ”…..”ህዝቢ ትግራይን ወያነን’ከ ኣበይ እዮም ክሰፍሩ”?። ” ሕቶ ምልክት ናተይ እዩ። ስለዚ እንተዘይ ተጋግየ ማለት ናይ ጥንቆላ ዛዕጎል ሻሕሺሐ ከይከውን እምበር ወያነ ሰፈር ከይትስእን ኢኻ ትሻቀለላ ዘለኻ።


እሞ ወያነ ድኣ ርዖኣ ጠቕሊላ ዓዳ ትኸይድ እምበር እንዳመን መሬት ድኣ ክሰፍሩ ትደልዮም። እዞም ትግደሰሎም ወያነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝጥዕሞም ክድህክዎም እዮም ድሓር ድማ “ዕደመ ንዓንቀጽ 39” ስለምንታይ ድዮም ኣብቲ ፈደራላዊ ቅዋም ኣስፊሮም ዘለው። ምስዘይጥዕሞምን ንብምልእቲ እትዮጵያ ክገዝእዋን ክድህክዋን እንተኣጸጊምዎም ዓባይ ትግራዮም ሒዞም ክምርቀፉ’ዶ (ክሃድሙ) ኣይኮኑን። ስለዚ ሰፈሮም ምድሙድን ተጻፊፉን ኢሎም ስለዝሓስቡ ብእኣቶምሲ ኣይትሻቐል። ካልእ ቁምነገር ድኣ ኣምጽእ ወደሺ!


ከምቲ ዝበልካዮ ንዓኻን ንኣይን ፖለትካ ሰልዘይንፈልጥ ግዲ ኮናስ ወያነ ካልእ ኣማራጺ ክምዘለዋ ክንርኢ ኣጸጊሙና። ወያነ ካብ ንላዕሊ ጥራይ ምጥማት፡ (ትዕቢት ኤርትራውያንን ኣምሓሩን ክትክኡን ክሰብሩን) ንየማን ንጸጋም ንድሕሪት ንቕድሚት ክጥምቱ እንተኺኢሎም መዋጽኦ መንገዲ ከምዘሎኳ ምተገንዘቡ ይመስለኒ። እንተደዊልካለይ ክንረዳዳእ ንኽእል ኢና።


ወያነ ትምክሕቲ ካልኦት ክሰብሩ ካብ ዝፍክሩ “ንምኲሓት፡ ነቶም ብትምክሕቲ ተጠቒዕም ዝብልዎም” እንተልዮምስ ትሕትና ክምህሩ ምተገበኦም። ኣብ ክንዲ ዘራያት ዓዲምካ ከተድምዮም ምብጋስ ብሰላምን ብስለትን ምትሕብሓብን ክትግበር ምተገበአ። ኣብዚ ዘለኽዎ ክፋል-ዓለም ግደፍ ሰብ እንስሳታት ተማሂሮም ንዝተጸገሙ ሰባት ከገልግሉን ንርኢ ኣሎና። ኣብ ገለ ሸነኻት ድማ ሰብ ዘይክእሎ ይዓሙ ኣለው።


ካልእ ዘገርም ግን ተቃሊሶም ስለዝመጹስ ኣብ ናይ ካላኦት “ሰፈር” ክሰፍሩ ኣለዎም ማለት’ዲዩ? በኣባህላኻ እዞም ዝቕንኡኻ ብሰላማውን ክሳብ ግንባሮም ንዓረር ዝህቡ ዘለው ህዝቢ ኢትዮጵያ’ሲ “ንወያነን ንህዝቢ ትግራይን ሰፈር” ክኸልኡ ዝቃለሱ ዘለዉ’ዶ ኣየስምዕን። እዚ ማለት ድማ መሰል ናይ ምንባር ምንፋግ ወይ ምኽልካል’ዶ ማለት ኣይኮነን እዩ። እሞ ሓደ ህዝቢ ንኻልኦት ደቂ ዜጋኡ ሰፈር ክኸልእ ዝቃለሲ ዋላ ብስላማዊ’ድዩ ብጎነጺ’ሲ ከመይ ቅንኢ ይፈጥረልካ?


ብኻልእ መዳዩ፡ ወይ ብግልባጡ ድማ እቶም ን25 ዓመታት ባዕልኻ ብዝመስከርካዮ ብወያነ ዝተገፍዑን ደሞም ዘፍሰሱን ወያነ መእተዊ ስለዘይብላስ መባእታዊ መሰሎም መጢዎም ወይ ስኢኖም ትም ዘይብሉ ፡- ደሞም ኮንቱ ፈሲሱ ይትረፍ ትብል ከምዘሎኻዶ ኣየስምዕን? ስለዚ ወያነ መኸዲ ስለዘይብሎም እቶም ዝበዝሑን ደሞም እንዳፍሰሱ ን25 ዓመታት ዝተቃለሱ ህዝቢ ክርገጹ ይንበሩ እኮ ኢኻ ትብል ዘሎኻ ወይ ከምኡ’ዩ ዘስምዕ።


ኣየነይ ክፋል ናይቲ ቃልሶም’ዮ እሞድኣ ዘቕንኣካን ክትጽሕፍ ዘገደደካን ኤርትራውያን ካብኡ ክንመሃርን ዝጸዊዕካ?
ካልእ ካብኣ እዛ ትስዕብ ተመልከት፥


“ንሓደ ዝተወደበን ብደም ኣሽሓት ኣብ ስልጣን ዝደየበ ስርዓት በቐሊሉ ክትክእዎ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ግርህነት ኮይኑ ይስመዓኒ።”


ተስፋ ዝቖረጽካ’ዶ ኣይትመስልን። ዶስ ውሽጣዊ ሻቕሎትካ ኢኻ ተውጽኦ ዘሎኻ። ይቕለል ይኽበድ ንሳቶምሲ ንመሰሎም ይቃለሱ ኣለዉ። ንስኻ ግን ወያነ ትዕብልሎ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ከይጠፍኣካ ዝተሻቐልካ ትመስል። ይንዋሕ ይሕጸር ይምረር ይፍኮስ ክንድ ዝወሰደ ይውሰድ ወይልኦም ድኣ እቶም መሳወርትን ፖለቲካዊ-ሻሓጥያንን እምበር እዞም ህዝቢስ ንመሰሎም ቆሪጾም ተላዒሎምዮም ዝመስሉ።


እንተ ህዝቢ ትግራይ እሞ ዘይ ኣብ ዓዱን ሃገሩን ዘሎ። ልቦና እንተጥሪዩ ድማ ነታ መጻኢኣ ኣብ ጽልግልግ ዘሎን፡ ደም-ደም ዝሽትታ ዘሎ ውያነ ምስ ህዝብናን ጎረባብትናን ኣይተጻልኡና ኢሎም ክምዕዱን ክመኽሩን ይግባእ። በዚ ናቶም መገዲ ዝነቐሉ ኣብ ዕጽው ክበጹሑ እምበር ክዕወቱ ዘግህድ ኣብነታት የለን። ናይ ሩዋንዳ’ኳ እኩል ኣብነት ኩኾኖም ነይርዎ።


ስለዚ ሻቕሎትካ ብህዝቢ ትግራይ ሰፈር ከይስእን ዘይኮነስ ወያነ ሰፈር ከይትስእን’ሞ ምናልባሽ ኣብታ ማሕቚቓ ‘ንዓርሳ’ ክትጸውር ዘይትኽእል ጽግዕተኛ ዳንጋ ወያነ ተሸጒጦም ሓመስቲ ‘ምናልባት መሻርኽትኻ’ ሰፈር ከይስእኑ ዶኾን ዝያዳ ተሻቒልካ ትኸውን። ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ዝብሉ ሸቐልቐል ኣትይዎም ንሰምዕ ኣሎና። ኣብ ጓና ምጒንባሕ ንሱዩ ትርፉ። ከምቲ ስዩም ሓረስታይ ዝበሎ ገና ብበጠበጥ ክኸዱ እዮም!!!!


ሓደ ንፍትሒ ዝቃለስ ድማ ፍትሒ ምጒዳል እምበር ዓይነትን መልክዕን ሰባት ከገደስዎ ኣይግባእን። ኣቶ ኣማን ብሓቂ ምስቶም ፍትሒ ዝጎደሎም ክትውግንን ነታ ሰላም እቲ ዞባ ትሕምስ ዘላ’ሽሉ’ ስርዓት ሰፈር ከይትስእን ሓላዪ መሲልካ ንጹር ዘይኮነ መልእኽቲ ከተሕልፍ ብወገነይ ጌጋ ኮይኑ ይስመዓኒ።


መሰል ምጽሓፍን ብርግጽ ድማ ርእይቶኻን ኮይኑ’ዩ ክተርፍ። የግዳስ ጽሑፋካን ሓሳብካን ብሓደ ደሙ እናኸዓወ ንመሰሉ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ በቲ ሓደ ቅዱስ ቅንኢ ዘቅንኣካ መሲልካስ በቲ ካልእ ድማ ቃልሱ ክዕወት ዝተጣራጠርካን ዝሰጋእካን ትመስል።


ንሰውራ ኤርትራውን እኮ ከምዚ ሕጂ ንስኻ ንቓልሳታት ንመስል ዜጋታት ናይ ኢትዮጵያ ብምጥርጣርን ተስፋ ዘቑርጽን ትእምቶ ዘሎኻ፡ ሊቃውንቲ ዝብሉ ሰባት ብረት ቚልቁል ኣፉ ደፊኦም ጽሒፎም መዲሮም ሰቢኾም። ህዝቢ ነቲ ሰውራ ክሕሰሞን ክዂንኖን ዓለም ፎእ ክትብሎን ክትፍንፍኖን ዝካእሎም ገይሮም።


ንሳቶም ፈሺሎም ሰውራ ኤርትራ ተዓዊቱ። ድሕሪ ዓወቱ’ውን ገና ጽልኦም ገሪሩን ከም ኣብ ሓዊ ዝተሰኽተት ጀበና ክንግፍል’ምበር ክሳኽን ኣይረአናን። ካብ ሰውራ ኤርትራ ክትመሃርዶ ኣይምተገበአን። እታ ትሻቐለላ ዘሎኻ ወያነስ ከምቲ ዝብልካዮ በቲ ጉዕዞ እንድያ ሓሊፋ። ሎሚ ግን ነቲ መገዲ ረሲዓቶ፡ ነቲ ጉዕዞ ከሪሃቶን ፈንፎናቶን ትመስል። ልዕሊ መዘናታታ ክትምጠጥን ንዘይተርክቦ ክትመጣጠርን ንዕዘብ ኣሎናሞ ከም ልዕሊ ዓቕሙ ደም ምሰ መጸየ ኮርር ኢሉ ክወድቕ ዝቐረበ ቁርዲድ መሲላ ትርከብ። ስለዚ ኮንቱ ፍተነ ምኽልኻል ዘይኮነ ዘድልያስ ተቕርዲዳ ከተልግስ ምዃና ዝእምትን ዝምዕዳን ፈታዊ ሕጂ መድለያ ነይሩ።


እንተ እቲ ፍታሓዊ ቃልሲ ንመሰል ይንዋሕን ይመርርን እምበር ከምዝዕወት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ነቶም ሓሳዳትን ረገጽቲ ህዝቢ ድማ እቲ ዘፍስስዎ ዘለዎ ደምን ንብዓት ንጹሃትን ውጹዓትን ከምቶም ቀዳሞት ውሕጅ ኮይኑ ናብ ጎድፍ ክጉሕፎም እዩ።


ልቢ እንተገይሮም ድማ ምስ ህዝቦም ጥራይ ዘኮነስ ምስ ጎረባብቶም ብሰላም ክነብሩ ክሓስቡ ይግባእ። ሕልሚ ጎብለልነትን ጸብለልትነትን ትዕቢትን ትምክሕትን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ስርዓታት ኣይጠቐሞምን። ንስኻ ድማ ጽቡቕን ካብዛ ናይ ሕጂ ዝሓሸን ቅዱስ ቅንኢ ክትቀንእን ብዝያዳ ግን ቀናእ-ሰላም ክትከውን ‘ኣባጅጎ’ ይሓግዝካ።
 

ዓወት ንሓፋሽ
 

ምንጪ ጽሑፍ፡ ምድረባሕሪ
 
Received on Fri Aug 12 2016 - 14:47:06 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved