ገጽ-መጽሓፍ፡ *ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ስጋብ ላዕለዋይ ትካላት ኣብያተ-ትምህርቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ብናጻ ዝወሃብ ትምህርቲ ፍሬኡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ባይታ ብግብሪ ይርኣ ኣሎ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 10 Aug 2016 00:59:38 +0200
*ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ስጋብ ላዕለዋይ ትካላት ኣብያተ-ትምህርቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ብናጻ ዝወሃብ ትምህርቲ ፍሬኡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ባይታ ብግብሪ ይርኣ ኣሎ።

እዛ ኮሎጅ ተኣምራታውያን መንእሰያት ተፍሪ ኣላ። ቅድሚ ሕጂ ሰብኣልቦ ነፈርቲን ካልእ ዝመሃዙ ኣቅሪብናልኩምኔርና ሕጂ ካኣ ሞባይልን ኮምፒተርን ካም ሪሞት ኮንትሮል ተጠቂምካ ክትሰርሓላ ትክእል ዓባይ ማሽነሪ ዝሰንዓ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ተፈደሉ።

መሃንድስ ኣቤል መሓሪ ይበሃል። ካብ ቤት ትምህርቲ ኮሌጅ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ብኮምፕዩተር ኢንጂነሪንግ ኣብ 2016 ብዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ ምህዞን ስንዓን ብምንጣፍ`ውን ብሞባይል ወይ ላፕ-ቶፕ ከም ሪሞት ኮንትሮለር ተጠቂምካ ነታ ዓባይ ማሽነሪ እትእዝዝ (Smart Heavy Duty machine) ምስ ጉጅለኣኡ (መሃንድሳት ፍትሓዊት፡ ሸዊትን ዮናስን) ዝሰንዐ ኮይኑ ኣብ 7ይ ሃገራዊ ፈፍቲቫል መንእሰያት ንምርኢት ዘቕረበ`ዩ። ገለ ካብቲ ቀንዲ ዕላማኣ ድማ፡ ብዘይ ሰብ እትንቀሳቐስ ኮይና፥ ካብ ርሑቕ ሞባይል ተጠቒምካ ዘድሊ ስራሓት ከተካይድ እትኽእል እያ። ምሉእ እቲ ቃለ መሕትት ንምንባብ ኣብዚ ሊንክ ብምጥውቅ ኣብ 3ይ ገጽ ክትረኽብዎ ኢኹም http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07082016.pdf

 
Kein automatischer Alternativtext verfügbar.
 
Received on Tue Aug 09 2016 - 17:38:42 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved