VoaNews.com: "ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተቐጺሉ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ክትኣቲ ትኽእል እያ" ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 9 Aug 2016 16:44:48 +0200

"ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንተቐጺሉ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ክትኣቲ ትኽእል እያ" ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ነሓሰ 09, 2016
http://gdb.voanews.com/DE6F2E88-1889-4F38-9B68-1A4827C3A901_w987_r1_s.jpg

ነዚ ኣመልኪቶም ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ መንግስቲ ናይ መእረምታ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሎም። ንሶም ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ማዕልታት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ዝተኻየዱ ስለፍታት ህዝቢ ብመረረት ፈንቂሉ ዝወፅሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ቅድም ክብል ውድቦም ኣባል ዝኾነሉ ተቓውሚ ፓርቲ መድረኽ ሓዊሱ ተቓወምቲ ፓርታት ሰላማዊ ሰልፊን ህዝባዊ ኣኼባን ንምክያድ ኣብዝተፈላለየ እዋን ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ኣቕሪቦም ኣይተፈቐደን ኣብ መወዳእታ ነዘራርቦም ሰባት ናይ ምፍርራሕ ስጉምቲ ይወስዱ ነይሮም ክብሉ ዘርዚሮም።ሎሚ ግን ናይ ህዝቢ ስቓይ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ኮይኑ ገንፊሉ ብምውፅኡ ህዝቢ ከም ውሕጅ እዩ ወፂኡ ኢሎም።

ኣብዚ ሰሙን መግለፂ ዘውፅአ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝምራሕ ናይ ናዕቢ ሓይሊ ክብል ነቲ ሰልፊ ገሊፁዎ’ሎ።ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘብፅሑን ንብረት እውን ከምዘዕነውን ሓቢሩ’ሎ እቲ መግለፂ።ናይ ኣሸባሪ ጉጅለ ባንዴራ፣ኣፅዋር በላሕቲ ነገራትን ናይ ኢድ ቦምብታትን ኣብ ኢድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ሰልፈኛታት ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ግን ነዚ ኣይተቐበሉዎን። “ብረት ሒዙ ዝወፀ ሰልፈኛ የለን” ኢሎም።ክሳብ ሎሚ ብዘሎ ሓበሬታ መንግስቲ ብዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 70 ከምዝኸውን ኤፎኮ ይኣምን።መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ርግእ ኢሉ ክሪኦ እውን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣብነት ብምጥቓስ ሓቢሮም።

ምኽትል ፕሬዝዳንት መኢኣድ ሙሉጌታ ኣበበ ብወገኖም ቁፅሪ ኣብ ባህርዳር ዝሞቱ ብዝለዓለ መጠን ከምዝወሰኸ ገሊፆም። መንግስቲ ድማ ነዚ ተሓተቲ ናይ ጥፍኣትን ህውከትን ሓይልታት ምዃኖም እዮም ኢሉ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ክልል ኣምሓራን ብዝተኻየደ ተቓውሞ 97 ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብ ምንጭታተይ ኣረጋጊፀ ኣለኹ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምእኸላይን Iኣበይቲ ቃላያትን ዝግምግማ ሚሸል ጋጋሪ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነበሩ ሰልፍታት ሰላማዊ ነይሮም ኢለን።

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/08/08/00e4d305-dc22-4ee9-9050-f1b1a354db2a.mp3
 
Received on Tue Aug 09 2016 - 09:23:54 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved