ገጽ-መጽሓፍ፡ *ዓሌታውን ኣረሜናውን ስርዓት ወያነ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርኦ ዓሌታውን ጸቢብን ግዕዙይ ግዝኣት ፍሬኡ ሎሚ ብኽፉእ መልክዑ ክዓጽዶ ጀሚሩ ኣሎ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 9 Aug 2016 01:00:15 +0200
*ዓሌታውን ኣረሜናውን ስርዓት ወያነ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርኦ ዓሌታውን ጸቢብን ግዕዙይ ግዝኣት ፍሬኡ ሎሚ ብኽፉእ መልክዑ ክዓጽዶ ጀሚሩ ኣሎ!
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 

እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ሓለፍቲ ስርዓት ትግራይን ወያነን እዮም ጸላእትና እምበር ሻዕብያን ኤርትራን ኣይኮኑን።
ንሕና ጽልእና ምስ ስርዓት ወያነ እምበር ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን ኣብ ዝብል ዝተመርኮሰ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዓቃል ኣካይዳ ፍረ ኣምጺኡ። 

ስርዓት ትግራይ ን25 ዓመታት ዝሰርሓሉ ንኤርትራ ገንሸል ጌርካ ንትግራይ እንዳ ኣማዕበልካ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ስትራቴጂ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ። እሞ`ኸ ድኣ ነዚ ብህዝቡ ዝተጸልአ ሰራዊት ሒዞም ናበይ ገጾም እዮም? ንህዝቢ ትግራይ ብዓርባዕቲኡ ኩርናዕ ብጸላእቲ ኣኽቢቦሞ። ክንዲ ጥቕሚ ናይ ህዝቦም ብምሕሳብ ጽቡቅ ምሕዝነት ምስ ኤርትራ ዝምስርቱ፣ ካብ ናይ ቆልዑት ፓለቲካ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ይንዕቀና እዩ እሞ ሕጂ ንኢትዮጵያ ተቆጻጺርና ከለና ኣብ ትሕቴና ከነንበርክኾም ኣለና ብምባል ንዓና ከጥፍእ ዘይጸዓሮን ዘይፈተኖን ተንኮልን የለን። ናትና ሰራዊትን ታንክን ኣዲስ ኣበባ ከምዘይኣተዋ፣ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ንሺሬ ከድሕኑ ከምዘይተሰውኡ። በዓል መለስ ኣብ ናቅፉ ከምዘይተዓለሙ፡ ንሕና ከማን ዘይተጻባጸብና 2 ክፍለ ሰራዊት ኣጋር፣ ሓንቲ ናይ ኮማንዶን ሓንቲ ናይ ከቢድ ብረት ብርጌዳትን ስጋብ ኣዲስ ኣበባ ሰንጢቀን ስልጣን ዘረከብናዮም። ንሶም ነታ ሓንሳብ ኣብ ሻድሻይ ወራር ዝተሳተፉ ክልተ ቦጠሊኒታት ብምዝካር ንሻዕብያ ካብ ጉድጎድ ኣውጺእና ውግእ ሚሂርናያ፣ ንኤርትራ ንሕና ነጻ ኣውጺእናዮ ዋላ እኳ ጥብ ዝብል ወያነ ድሕሪ ሻድሻይ ወራር ኣብ ኤርትራ ዘይነበረ፣ ብምባል ልዕሊ ዓቅሞም ክምዱሩን ክፍኩሩን ተሰሚዖም። ካብኡ ብምሕላፍ ያኢ ንኤርትራዊ ብውግእ ከሰንብዱስ ንኣስመራ ብክልተ መዓልቲ ክንኣትዋ ኢሎም እውን ፈከሩ። ንሕና ግና ወይጉድ ኣብ ሶማል 10 ዓመት ዝወሰደልኩም እሞ ንኤርትራ ኣብ ክልተ መዓልቲ! ሕራይ ግርም ካብ ምባል ወለሓንቲ ኣይበልናን። ኦባማ መጺኡ ንፉዓት ተዋጋእቲ ኢኹም ካብዝብሎም ከኣ እሞ ነቲ ዘረባ ከም ናይ ዲግሪ ሰርቲፊኬት ብምሓዝ ንኤርትራ ክንቀጽዓ ኢና ዝብል ዘረባ ክደግምዎ ተሰምዑ። ፈተኑ እውን ግና ድሕሪ ናይ ጾሮና ጽፍዒት ወርሕታት ከይቶቆጽረ ኣብ ምንታይ ኣለው ንርእዮ ኣለና።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሶም እውን ከም ዝደምዩ ተረዲእዎ የድምዮም ከኣ ኣሎ። ኣብ 2005 ሰብ ምስ ቀተሉን ምስ ረሸኑን ኩሉ ዝተወደአ እዩ መሲልዎም ኔሩ። ካብ ታሪኽ ከምዝተማሃርናዮ ግና ሰብ ብምቅታል ንህዝቢ ከተርዕሞ ኣይትክእልን ኢኻ። ሕጂ ከኣ ሞ ወያነ ንኤርትራ ክወራ ከሎ ሃገር ተወሪራ ብምባል ዘዕጠቆም ኣምሓሩ ሓረስቶት ሕጂ ተመሊሶም ይወግእዎ ኣለው። ኣብ ከባቢ ጎንደርን ባህርዳርን ውግእ ይካየድ ኣሎ። ንሓገዝ ናብ ጎንደር ትኸይድ ዝነበረት ናይ ትግራይ ወተሃደራት ዝጸዓነት ኦራል መኪና ኣብ መገዲ ብዕጡቃት ተጠቂዓ ብዙሓት ወተሃደራት ስርዓት ትግራይ ተቀቲሎምን ቆሲሎምን ኣለው። ኣብ ጎንደር ጥራሕ ልዕሊ 139 ትካላት ናይ ትግራዎት ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዓንዩ ኣሎ። ወያነ ካብ ጎንደርን ጎጃምን ትግራዎት የውጽእ ኣሎ። ሰለስተ ሓለፍቲ ትግራዎት ተቀቲሎም ኣለው። ብኹሉ ወገን ነቲ ስርዓት ትጾቦ ኣላ። ናይ ዓለም ማዕከናት ንሕጂ እኳ ስቅታ እንተመረጻ ከምዚ ዘሎዎ እንተቀጺሉ ብከምኡ ዝቅጽላ ኣይመስላን እየን።

53
Received on Mon Aug 08 2016 - 17:39:20 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved