ገጽ-መጽሓፍ፡ *በቲ ሓድሽ መደብ ዝወጸ ሕንጻጽ መሰረት፣ ምኽፋል ደሞዝ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 4 Aug 2016 22:45:21 +0200
*በቲ ሓድሽ መደብ ዝወጸ ሕንጻጽ መሰረት፣ ምኽፋል ደሞዝ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ክውዕል ጀሚሩ።
 
 
ወርሒ ነሓሰ ዕለት 4, 2016

እቲ ዝበልናዮ ተተግቢሩ። ኩሉ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት በቲ ሓድሽ ደሞዝ ኽኽፈል ተጀሚሩ፡ እተን ትማሊ ዘይተኸፍላ ትካላት ሎሚ ክኽፈላ ውዒለን። ድሕሪ ሕጂ ብናይ`ቲ ዝሰርሕሉ ትካል ወይ ሚኒስትሪ እንተዘይተደናጉዩ ኩሉ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ በቲ ሓድሽ ተዳልዩ ዘሎ ልዑል ናይ ዶሞዝ ቅመር ክኽፈል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ደሞዝ እቲ ዝተሓተ ማለት ሓድሽ ካብ ሳዋ ተመሊሱ ዝጅምር ይኹን ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ብ2000 ናቅፋ መጀመሪ ተጌሩሉ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብ 500 ናቅፋ ብ400 ሚኢታዊት ዓብዩ ናብ 2000 ሽሕ ክብ ኢሉ ኣሎ። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ናይ ሰራዊት ጥራሕ እዩ! ንሱ ከኣ እንዳተኻታተልኩ ምስ ጀመረ ከቅርቦ እየ። እቶም ከተረጋግጹ ትደልዮ ደዊልኩም ክትሓቱ ትክእሉ ኢኹም።

እቲ ማሕንቆን መሸቀጢ ጸላእትና ኮይና ዝጸንሐት ኣገልግሎት ውሑድ ዶሞዝ እዩ ዘለዎም ትብል ዘረባ ኣርባዕተ ነጥቢተጌሩላ ኣሎ። በቃ ተፈቲሑ ሰብ ብዘይ ተጸበዮ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ወይ ተጣየሱ ግና ኣብ ናይ መግስቲ ስርሓት ተቆጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እውን በቲ ሓድሽ ዝተወሰኸ ደሞዝ ተከፊሎም ኣለው። እንካዕ ሓጎሰና! እቶም ደለይቲ ሕማቅ ሓሶት እዩ ብምባል ወረ ክዝርግሑ ዝቀነዩ ሕጂ ኸ እንታይ እዮም ክብሉ? እስከ ንጸበ ካልእ ሓሶት፣ እንተ እቲ ተጻዊሩ ምእንቲ ሃገር ስጋብ ሕጂ ኩሉንትንኡ ወፍዩ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሓርበኛ ህዝቢ እንኳዕ እዚ ኣርኣየካ። ብዓቅሊ እንተሰሪሕካ ዘይብጻሕ ከምዘየለ ንዓለም ዘርኣኻ ኢኻ እሞ ተሓበን እምበር ምሉእ ዕጥቂ ሒዝካ ብውሕድ ደሞዝ እሞ ከኣ ንዓመታት ክትሰርሕ ኣብ ካልኦት ሃገራት እንተዝኸውን ናብ ስርቅን ዕምጽናን ምኸደ ኔሩ። ኣብ ኤርትራ ግና እታ ሕድሪ ስውኣት ዝኾነት ሃገር ልዕሊ ውልቃውነት ተሰሪዓ ንብሕጂውን ክትስራዕ እያ። ንሱ እዩ እቲ ሓይሊ ኮይኑ ምስ ኩሉ ዝመጸ ተንኮልን ተጻብኦታትን ተራጺሙ ኣላሽ ኣቢልዎም ጥራሕ ዘይኮነ ንሕና ናበይ ንሶም ናበይ ይጉዓዙ ኣለው ዕውር ክርእዮ ይኽእል እዩ። ደጊምና እንካዕ ሓጎሰና!

Received on Thu Aug 04 2016 - 15:24:25 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved