VOA.Com: ቃለ-መጠይቕ ምስ ቤተልሄም እምባየ ተሳታፊት ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ካብ ኤርትራ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 3 Aug 2016 21:15:29 +0200

ቃለ-መጠይቕ ምስ ቤተልሄም እምባየ ተሳታፊት ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ካብ ኤርትራ

ወርሒ ነሓሰ 02, 2016
*ናይ ብሓቂ በላሕ፣ ብዙሕ ክእለታት እትውንን ምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዋ ናይ ሕጅን መጻኢን ንዝለዓለ መሪሕነት ትኸውን ትኽእል ብልጽቲ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኢለ ብውሕዱ ክገልጻ ይፈቱ። ክብርቲ ሓፍተይ ቤተልሄም እምባየ ከማኺ በላሕቲ ዜጋታት ንምፍራይን ሒዝክዮ ዘሎኺ መገዲ ናብ ዕላምኡ ንምብጻሕን ቀጽልዮ ኢኺ። በርትዒ ኸኣ!!!
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 
ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ መራኸቢ ሕጥበ-ጽሑፍ ተዊቕኩም ስሞዕዎን ርኣይዎን ኢኩም።
http://tigrigna.voanews.com/a/mandela-washington/3447623.html
****************************************************************************************

መደብ ሳይንስን ተክኖሎጂን፡ ኣብ ፈስቲቫል ሳዋ፡ ምህዞታት ብምቕራብ ዝተዓወቱ መንእሰያት

ሓምለ 27, 2016
 
ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ 2016

ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ 2016

ኣብ ሳዋ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል መንእሰያትን ተማሃሮን፡ ብሳይንስን ተክኖሎጅን ብሉጽ ምህዞታት ንዘቕረቡ መንእሰያት ሽልማት ዘውህብ ውድድራት ተኻይዱ ኔሩ።

ካብ`ቶም ዝተዓወቱ ሓደ መንእሰይ እንጅነር ኣሕፈሮም ተኸስተ፡ “ብዓውዲ መካኒካል እንጅነሪንግ ሓንቲ ናይ ጽርየት ማሽን” ከምዘቕረበን፡ ንሳ`ውን ከምጎማ ኾይኑ ብዝሰርሕ ጅርስ ተጠቒማ እናኾስተረት ነቲ ርስሓት ናብ ውሽጢ ከምተእትዎ ይገልጽ።

ንሱ ነታ ከም `ቫክዩም` ኾይና ተገልግል ማሽን ብምስራሕ ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ 7ተ ሺሕ ናቕፋ ከምዝተሸለመ ይገልጽ።

ካልኣይ ኣቤል መሓሪ ይብሃል፡ ኣብ ዕደና፡ ኣብ ወተሃደራውን ካልእን ክተገልግል ትኽእል ናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ ወይ `ሪሞት` ሰርሑ።

ዕላማና ኣብ ከባቢና ለውጢ ንምምጻእ ዝሰራሕናያ`ያ ይብል ካልእ ፍትሓዊ በረኸት ምስ ዝተባህለ መንእሰይ ኾይኖም ከምዝሰርሕዋ ንምግላጽ።

ወኪል ቪኦኤ ብርሃነ በርሀ ንሰለስቲኦም መንእሰያት ተዓወቲ ምህዞታት ፈስቲቫል ሳዋ ኣዘራሪቡ ዝለኣኾ መደብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/07/27/38f96e10-071c-4a8f-a51a-2f408b2dc212.mp3
Received on Wed Aug 03 2016 - 13:54:34 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved