ገጽ-መጽሓፍ፡ *ምጽፋፍን ምትዕርራይን ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ኤርትራ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 3 Aug 2016 00:44:46 +0200
*ምጽፋፍን ምትዕርራይን ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ኤርትራ።
 
 
ወርሒ ነሓሰ 02, 2016

ከም ዝፍለጥ ደሞዝ ምውሳኽ ብ28 ዙርያ ተጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጽና ኔርና። እቲ ወሰኽ ብትምህርትን ኣገልግሎታትን ዝፈላላለ ኮይኑ፣ ማለት እቲ ዝተሓተ መጀመሪ ካብ 500 ናቅፉ ናብ 2000 ናቅፉ ክብ ኢሉ ኣሎ። ሰርቲፊኬት፡ ዲፕሎማ፡ ዲግሪ እንዳበለ ስካብ 4000 ናቅፉ እዩ ዝዝርጋሕ እዩ። ሕጂ ከኣ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኩሎም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት እቲ ሊስት ተጻፊፉ ኣብቲ ሓድሽ ናይ ደሞዝ ኣከፋፍላ ንምእታዋም ኩሉ በታ ሓይሊ ዕማም ተጻፊፉ ንናይ መወዳታ መስርሕ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደት ተላኢኹ ኣሎ። ወይ ኣብዘን ቁርባት መዓልታት ወይውን ሳምንታት ኩሉ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ በቲ ዝተወሰኸ ደሞዝ ክኽፈል ትጽቢት ኣሎ። ናይ ሰራዊት ካልኦትን እቲ ምጽፉፍ ይቅጽል ኣሎ። ናቶም ምስ ተጀመረ ከኣ ከነበስረኩም ኢና። እቶም ዝዛረቡ ይዛረቡ ኤርትራ ግና እቲ ክፍእ እዋን ወጺኣቶ እያ። ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ 15 መዓልታት ካልእ ዝጻፈፍ ዘሎ ዓቢ ናይ ወፍሪ ስራሕ ከበስረኩም ተስፉ ይገብር።

Received on Tue Aug 02 2016 - 17:23:50 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved