ገጽ-መጽሓፍ፡ እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር፣ ኤርትራ ኣብ ሰዓት 5 ወጋሕታ ክትርከብ ከላ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ኣላ፡ ብሕጂ እያ ነቲ ናይ ጸልማት ጉዕዞ ክትጅምሮ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 2 Aug 2016 00:29:51 +0200
እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር፣ ኤርትራ ኣብ ሰዓት 5 ወጋሕታ ክትርከብ ከላ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ኣላ፡ ብሕጂ እያ ነቲ ናይ ጸልማት ጉዕዞ ክትጅምሮ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም።
 

እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር፡ ኤርትራ ኣብ ሰዓት 5 ወጋሕታ ክትርከብ ከላ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሰዓት 5 ናይ ኣጋ ምሸት ኣላ፡ ብሕጂ እያ ነቲ ናይ ጸልማት ጉዕዞ ክትጅምሮ፡
ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም።

ወዲ ስብሓት ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ከምዚ ምስ በለ፣ እሞ ከኣ ወለሓንቲ ነገር ኣብ ኢትዮጵያ ብግልጺ ዘይረኣየሉ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ብዙሓት ተጣበቅቲ ወያነ ኢሎም፡ ኤርትራ ክትወድቅ እያ ክንዲትብል`ሲ እታ 11ሚኢታዊት ትዓቢ ዘላ ዓዲ ወያነ ብምባል ከባጭው ተሰሚዖም። ሕጂ ግና ኢትዮጵያ ነቲ ጸልማት ጽቡቅ ጌራ እያ ኣትያቶ ዘላ። እቲ ንሓገዝ ኣሜርካ ኣሚኑ መን ከማይ ብምባል ንኢትዮጵያ ረጊጸያ እየ ሕጂ ከኣ ንኤርትራ ብምርጋጽ ኣብዚ ዞባ ርእሰ ሓያል ክኸውን እየ ኢሉ ዝዕንድር ዝነበረ ወያነ፣ ኤርትራ ኢላቶ ሰላም ሃበና እንተ እቲ ጎብለል ናይዚ ዞባ ትብሎ ዘለኻ ግና "ለማኒን ጎብለልን ክትከውን ስለ ዘይከኣል ኢድኩም ጥራሕ ኣኩብልና" ኣይሰምዑን ሰላምና ንምዝራግ ላዕልን ታሕትን ኢሎም። ሓንሳብን ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብሉ ን18 ዓመት ኣጽሚሞምና። መለስ ከምኣ እንዳበለ ተቃቢጹ፣ እዚ ናይ ሕጂ በይኑ ጽርግያ ሰጊሩ ዘይክእል ሃይለማርያም ከኣ ነቲ ንውግእ ከም ኣጻብዕቱ ዝፈልጣ ህዝብን ሃገርን ኢዱ ከዋጣውጥ ተራእዩ። ንሕና ግና ስራሕና ኢና ንሰርሕ እምበር ክንወርር ወይ ንኢትዮጵያ ክንወግእ ኢና ትብል ቃል ከማን ተዛሪብና ኣይንፈልጥን። ወያነ ንህዝቡ እኳ እንተኣታለለ ሓይልን ብቅዓትን ሻዕብያ ጽቡቅ ጌሮም እዮም ዝፈልጥዎ። ብኡ ምኽንያት እዩ እገዳ ንሰራዊት ኤርትራ ይገበረልና ብምባል ናብ ጎይቶቶም ዝጠርዑ። ይፈልጡ እዮም ንሕና ኣብ ኣጽዋር ኣሚንና ከምዘይንፈልጥ እምበር ሳላ ተንኮሎምን ወራሮምን ንሕና ዓጡቅናዮ ዘለና ኣጽዋር ንብሕጂ 100 ዓመት ከዋግኣና ከምዝክእል፣ ሳላ ሓላል ወያነ ከኣ 22 ቲ 72 ታንክታትን 15 ቢኤምን 3 ሄልኮፕተርን ሓንቲ MI24 ክልተ MI35፡ 4ተ ናይ ውግእ ነፈርትን ተረኪብና። ከምቲ ሓደ ዝሓረቀ ናይ ወያነ ሓላፊ ቅድሚ ሕጂ ብዝበሎ ዘረባይ ክዓጹ፣ ንሱ ይብል ናትና ወተሃደራትን ፓይሎትን ኣጽዋርናን ሄልኮፕተራትን ሒዞም ንኤርትራ ይሰግሩ ናይ ኤርትራ ግና ነታ ካላሽን ከማን ኣይማልእዋን እዮም። ወላ ነቲ ስርዓት ገዲፎም እንዳመጹ ጃኬት ንከይማልኡ ካናቴራ ጥራሕ እዮም ጌሮም ዝመጹ። ስለዚ ንኤርትራውያን ኣይትእመንዎም ኩሎም ሻዕብያ እዮም። ዶንግዩ ተረዲእኩም እምበር እቲ ሓቂ ተዛሪብኩም ዋላ እቶም ምሳኹም ኮይኖም ኣንጻርና ዝዛረቡ ዘለው ናትና እዩም።

 
Received on Mon Aug 01 2016 - 17:08:55 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved