ገጽ-መጽሓፍ: *ገለ ኣገዳሲ ተራ ጋራጅን ሰንዓ ኣጻዋርን ምክልኻል ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 24 Jul 2016 22:20:13 +0200
 
*ገለ ኣገዳሲ ተራ ጋራጅን ሰንዓ ኣጻዋርን ምክልኻል ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ
ወርሒ ሓምለ 24, 2016
 

ብዙሕ እኳ ዘይዝረበሎም እንተኾኑ ናይ ሓምኤ ጋራጅን ስንዓ ኤምዳድን ዳርጋ ዘይሰርሕዎን ዘይሰንዕዎን ነገር የለን። ብጀካ እቲ ካብ ካላሽን ታንኪን መድፍዕን ምጽጋንን ሓሊፎም ኣብ ምስናዕን ምምሕያሽን ዓቢ ዝላ ጌሮም ኣለው። ዓንዲ ሕቆ ከቢድ ብረትን ሰራዊትን እዮም እንተተባህሉ ውን ምግናን ኣይኮነን። እዚ ናይ 120 ሚሜ መድፍዕ ኣብ ልዕሊ ታንኪ ቲ55 ከምዝስቀል ገይሮም ዝሰንዕዎ ኤርትራውያን ዝድነቁ እዮም። ቀደም ብዓበይቲ ወተሃደራውያን ዝሰሓብ ዝነበረ መድፍዕ እሞ ከኣ መኪና ዘይትኣትዎ እንተዘይኮይኑ መድፍዕ ኣይትከሎን ኔሩ። እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ታንኪ ብምውጣሕ ኣብዝኾነ ጎቦታትን ስንጭሮን ይኣቱ ማለት እዩ። ካልእ ብዙሕ ነገራትውን ሰኒዖም እዮም። ከም ቢም21/24 ከፉፊልካ ኣብ መካይን ምውጣሕ፣ ንጸረ ነፈርቲ ኣብ ፈጣን ጀላቡን መካይንን ብምውጣሕ ንኣጋር ምጥቃም። ንመድፍዕ ክልተ ተተኮስቲ ብምግጣም ኣብ ክንዲ ን30 ኪሜ ን45 ኪሜ ከምዝውንጨፍ ምግባር፣ ንፉጎት ኣብ ናይ ናይ ሰለስተ እግረን ወተሃደራውያ ሞተር ሳይክል ምውጣሕ።

 
 
 
Received on Sun Jul 24 2016 - 14:59:18 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved