Facebook.com: ጸበል ናቅፋ ንጸጉለይ!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 23 Jul 2016 12:43:46 +0200
ጸበል ናቅፋ ንጸጉለይ

ጸበል ናቅፋ ንጸጉለይ
ብኣኺ ከይብላ ነፍሰይ፡
ብባህግታት ንዓይ ንዓይ ከይከብባ
ምስ ረብሓታት በይነይ ከይረብባ፡
ነቶም ድፍእ ዝበሉ
ንባህጊ ሓፉሽ ዝተመንጠሉ
ሞባእ ዝተከፍሉ
ረሲዐ ከይሻድን መንጉደ ከይትዕነን፡

ጸበል ናቅፋ ንጸጉለይ!
ኣበሳ ክንዲ ዝእርም
ሰብ ገበሮ ሕድረይ ከይጠልም
ሰብ ገበሮ ንሃነፍነፍ ከይሃርፋ
ንሕድረይ ድሕረይ ከይገድፋ
ጸበል ንጸጉለይ ካብቲ ሓመድ ናቅፋ
ካብቲ ራኢይ
ናይ ዕላማ
ካብቲ ናይ እምነት
ናይ ብጻይነት፡
ካብቲ ናይ መብጽዓ
ኣንጻር ወጽዓ፡
ካብቲ ንዓይ ንዓይ ነውሪ
ምቅድዳም ንመስዋእቲ
ዝረኣየ ሓመድ፡
ንጸጉለይ ፈይ ፈይ ኣብሉለይ
ካብቲ ዓጽመ ስጎኦም ዝኸስከሰ
ብደሞም ዝተርከሰ
ካብቲ መንፈሶም ዝወረሰ
ሕልሞም ዝተተርኣሰ፡
ካብቲ ልዋም ድቃሶም ዝወሰደ
ታሪኽ ዝወለደ፡
ንጸጉለይ ካብቲ ሓመድ ናቅፋ
ነዛ ሕልናይ ከዕርፉ፡
በዚ እንተዘይሰሚዐ
እዝነይ ዓቢሰ ሕድረይ ንተዘንጊዐ
ኣህነፍኒፈ ሕሉፈይ ንተረስዐ
ኣብ ናቅፋ!
ኣብ ድፍዓት ጽንዓታ
ውሽጡ ውሽጢ ውሻጥኣ
ዜርኩም....
ዕጦንኒ ካብ ኣቁጽልታ!
ካብቲ ታሕቲ ታሕቲ ዝዛሪማይ
ኣጀብጂበ ከሓድሳ ንነፍሰይ
ክጸንዕ ኣብ መትከል ቃልሰይ
ማይ ጸሎት ሕድሪ ኣቁምለይ፡
ምስ ሕልናይ ዊዒሉ ሓዲረ
ሰብ ውዕሎ ጸብጺበ ዘኪረ
ኣብ ደምበ ውፍያት ክምዕቆብ
ካብ ጸበላ ሸውዓተታ ክሕጸብ።

 
 
Received on Sat Jul 23 2016 - 05:22:51 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved