Erigazette.org: ተጋራጫዊ ውሳኔ ቤት ፍርድን ምዝንጣል ስድራ ቤትታትን ኣብ ሆላንድ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 5 Mar 2016 14:50:57 +0100

ብ ተስፋይ ሃብተ ሆላንድ

Mar 05, 2016

kangarooindex.8እዚ ጽሑፍዚ ከጽሕፍ ዝደፋፋኣኒ፥ ኣብዘን ዝሓለፋ እዋናት ኣብ ሃገረ-ሆላንድ ኣብ ናይ ምስትርጓም ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን ዘጓነፎም ዘይርትዓዊ-ውንጅልናን ዘይፍትሓዊ-ውሳኔ ቤትፍርድን፥ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ስድራቤታት ገጹ ዝዛዘወ ምዝንጣልን ምክፋእን ኣብ ሶሽያል-ሜድያ ከም ብዓል FACEBOOK ዝኣመሰለ ምስ ተኸታተልኩ’ዩ።
ነቶም ስድራ ድማ ብቀረባ’የ ዝፈልጥም። ብዛዕባ’ዚ ታሪኽ’ዚ ሕቶታት እንተሎ ድማ እዞም ስድራ ንኽምልስዎ ድልዋት ሙኻኖም ገሊጾምለይ።

ግን ስለምንታይ’ዩ እዚ ኩሉ ውንጅልና?

እቲ ኣብ ፋይስቡክ ዝተጻህፈ ባዛዕባ’ዞም ስድራ ናይቶም ኣስተርጎምቲ፥ ካብ ኤርትራ ብኸመይ መገዲ ከምዝወጹን መነባብሮ-ህይወቶም አብ ኤርትራ ከለዉ ከመይ ከምዝነበረን፤ አቆናጺቡ ክገልጾ ፈቲኑ’ሎ እቲ ጽሓፊ። ብዝኾነ እቶም ስድራ ዘኹርዕ ታሪኽ’ዩ ዘለዎም። ብድኽነት ምሕላፍ ማለትድማ ናይ ጭዋነት መለለዪ እዩ። እቲ ቅንዲ መምህር ናይ ህይወት ድማ ድኽነት’ዩ።

-እቲ መጀመሪ ናይዚ ጉዳይ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፥

መን እሰይ ወዶቦይ ባህልቢ፥ መሰረት ባህልቢ ሞያ ናቱ ጸሓፋይ ኮይኑ፤አብቲ ናይ መንእሰያት- ህግደፍ ሆላንድ ድማ ከም አቦወንበር ኮይኑ ክነጥፍ ጸኒሑ። እዚ ድማ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ንሃገሩን ህዝቡን አበርክትኡ ንምግባር’ዩ ነይሩ። ከምቲ ዝድለ ድማ ብዙሓት መንእሰያት ሓጊዙ’ዩ። ኩሉ ብወለንታ’ዩ ኔሩ። እቲ ናይ ስለያ-ወዲ-ስለያ ዝባሃል ኩሉ ሃለውለው’ዩ። ወዮ’ኳድኣ ንብዙሓት መንእሰያት ኤትራውያን ብሃይማኖትን ብገንዘብን ተታሊሎም ኣንፈቶም ከይስሕቱ ሓጊዙ፥ ከም ኡ ኽኣ ባህሎምን ልምዶምን ታሪኾምን ክፈልጡን ክዕቅቡን ኣበርክቶ ጌሩ’ዩ።

ክልተ የሕዋቱ ከም አስተርጎምቲ ኮይኖም ፤አብቲ ናይ ስደተኛታት ሞዕቆቢ ምዓስከር አብ ሃገረ-ሆላንድ ይሰርሑ ኔሮም። ሰሪሖም ድማ ነናብርኦም ይገብሩ- ሄሂወቶም ድማ ይመርሑ። ስደተኛታት የሕዋቶም (ደቂ ዓዶም) ናይ ምሕጋዝ ባህርያቶም ድማ እቶም ዝተሓገዙ ክምስክርዎ ዝኽእሉ ሓቂ’ዩ። ንኣብነት ካብቲ ናይ ላምፐዱሳ (LAMPEDUSA) ሓደጋ-መርከብ ውጻእ-ምዓት ንዝኾኑ ሰባት ዝገበሩዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ህያው ምስክር’ዩ። ይቕሬታ ሕጂውን፤ ጌርና ምባል አይባህልናን!! “ንስደተኛታት የሕዋትና ካባና ንላዕሊ ይሕለቐሎም’የ ዝብል እንተሎ ኮንት-ሞንቶ ጥራሕ ኢና ንብሎ” ይብሉ እቶም ስድራ።

አብ ሓንቲ አብ ሆላንድ እትሕተም መጽሄት (one world) እትብሃል፡”ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ሰባት ከም አስቶርጎምቲ ይሰርሑ’ለዉ” ዝብል ጽሑፍ አስፊራ። እታ መጽሄት አብ ጽሑፋ ትብል “ካብ ገለ ናይ ተቓወምቲ ጉጅለ’ዩ ሓበሬታ ተዘርጊሑ”። እቶም ነዚ ሓሶት ሓበሬታ ዝሃቡ ድማ ሽሞም ምጥቃስ ንግዚኡ አገዳሲ አይኮነን። እቶም ወሃብቲ ስራሕ ናይ ምስትርጓም (ናይ ኢመግሬሽን) ዘድሊ መርመራታት አካይዶም- ዳርጋ 4 ግዝየ። ነቶም አስተርጎምቲ የሕዋት ግን፤ዝኾነ ይኹን ዝረኸቡሎም ገበናት አይነበረን። ስርሖም ብጽፈት የካይዱ ከምዝነበሩ ድማ በቶም ውሃብቲ ስራሕ ተነጊሩዎም።

ፕሮፌሶር ሚርያም ቫን ራይሰን ድማ አብቲ መጽሄትን (one world) አብ ሓደ ናይ ራድዮ ፈነወን አብ ዝገበረቶ ቃለ-ምልልስን ትብል፡ “የሕዋቱ ነዚ ናይ መንእሰያት-ህግደፍ ሆላንድ አቦወንበር፡ ከም አስተርጎምቲ ኮይኖም ክሰርሑ አይግቦምንዩ። ሓበሬታ ብዛዕባ ስደተኛታት ንሓዎም ክህቡዎ ዮም፡ ንሱ ድማ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከመሓላልፍ ይኽእልዩ። ናይ ምሉእ አውሮጳ ናይ ስለያ-መርበብ-ሓበሬታ ናይ ኤርትራ አብ ሃገረ-ሆላንድ’ዩ ዝርከብ፥ ናቱ ቀንዲ ሓላፊ ድማ ሓዎም ነዞም አስተርጎምቲ’ዩ”። እዚ ኹሉ ብግምት’ያ ትብሎ ዘላ።

-ፕሮፌሶር ሚርያም ቫን ራይሰን፡ ከም ፕሮፌሶር አብ ሓደ ዩኒቨርስት ትሰርሕ፣አማኻሪት መንግስቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ኮይና፤ ፈላጥ ናይ አገረ-ኤርትራ ተባሂላ ድማ ትፍለጥ። ከምኡኸአ ናታ ዘይመንግስታዊ ትካል (NGO) ትውንን።-

አቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ኢመግርሽን ይብል “ሓዎም ነዞም አስተርጎምቲ፥ ናይ መንእሰያት-ህግደፍ አባል (አቦወንበር) ስለዝኾነ እዞ ኣሕዋቱ አብዚ ናይ ስደተኛታት ናይ ምስትርጓም ስራሕ ክሰርሑ አይነፍቅድን ኢና” ኢሎም ካብ ስራሕ ጠጠው አቢሎሞም። አቱም ሰባት ዝገርምዩ።

ብድሕርዚ መሰረት ባህልቢ ከም ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ መጠን ፤ን ፕሮፌሶር ቫን ራይሰን ብሕጊ ክኸሳ ወሲኑ። ምኽንያቱ ጭብጢ ዘይብላ “ናይ ስለያ ሓላፊ” ስለዝበለቶ።

ናይ ሕጊ ነገር አጸቢቑ ንዝፈልጥ አካል፡ መሰረት ረቲዑዋ እዩ በቲ ኽሲ። አብቲ ናይ ፍርዲ ውሳነ ይብል “እታ መሰረት ባህልቢ ናይ ስለያ እዩ ኢላ ዝተዛረበታ ዘረባ ጭብጢ አይተረኽባን” ጭብጢ ከተናዲ ክንደይ ሓርኮትኮት ኢላ’ያ። ስጋብ መሰኻኽር ውን አቕሪባ’ያ። እዞም መሰኻኽር ኤርትራውያን ፤ዝሃብዎ ምስክርነት እንተትርእይዎ ምገረመኩም ነይሩ። ይዓጅብ’ዩ!።

ዋላ ሓንቲ ነጥቢ’ውን ትኹን መሰረት ባህልቢ ናይ ስለያ’ዩ ትብል ጭብጢ ክረኽቡ አይከአሉን። ሓደ ካብቶም ነታ ሰበይቲ ዝመስከሩላ’ሲ ኢንታይ’ሉ መስኪሩ መስለኩም፡ አብ ናቕፋ ዝወሃብ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት (Social Science) ትምህርቲ፥ “ናይ ወተሃደራዊ ታዕሊም እዩ ኔሩ” ክብል ብሓሶት መስኪሩ። ይአይ አብ ናቕፋ እምብአር መደበር ታዕሊም አሎዩ? እዚ ብሓሶት ዝመስከረን ንስድራ ቤት ባህልቢ ከናሹ ዝፈተንነን ሰብ፡ ስድራ ቤቱን ስድራቤት ባህልቢን፥ ብቐረባ ይፋለጡ ብምዃኖም፥ በቲ ብሓሶት ዝመስከሮ፥ ስድራ ቤት ባህልቢ ብጣዕሚ ሓዚኖም። መኽንያቱ እቶም ስድራ ቤት መስካራይ፥ ጥዑያት ስድራ እንከለዉ፥ ውላዶም ብሓሶት ከምዝመስከረ ምስ ሰምዑ እሶም ውን ብጣዕሚ ክሓዝኑ’ዮም። ግን “ኣብ መንጎ ስርናይ ክርዳት ኣይሰኣንን’ዩ” ከምዝበሃል’ዩ ነገሩ። ምስላ ኣቦታትና ድማ ንኾንቱ ኣይኮነን ተመሲሉ።

ካልእ ሓደ ካብቶም መስከርቲ አንጻር መሰረት ባህልቢ፤ አብ ራድዮ አሰና ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፡ መሰረት አብ ደይ-ዓዱ መጺኡ ንሓንቲ ፕሮፌሶር ጻዕዳ ክንሳ፥ ከሲሱዋ” ወዘተረፈ።

ከምዚ ጌርካ ነብስኻ ባይታ አዝቢጥካ’ስ ይአይ ፈላጥ’የ ምባል። ቀጺሉ ይብል’ዚ መስካራይ፥ ”እዞም መንእስያት ናይ ህግደፍ፥ ጂሃዲስት’ዮም ክብል ውን ተዛሪቡ( መስኪሩ) ብዝኾነ፤ እቲ ፍርዲ ነታ ፕሮፌሶር ከም ዝረትዔት ተወሲኑ። መሰረት ናይ ስለያ ከምዝኾነ ጭብጢ የለን ግን ረቲዕኪ’ለኺ ኢሎማ። ግርም’ባ!! እታ መኽሰሲት ነጥቢ ድማ እዚአ ጥራሕ’ያ ኔራ። ምስ ሓያል ብ ሕጊ ምክታዕ አየዋጽእን’ዩ። ክትረትዖ ዘበት’ዩ ዋላ እኹል መርቶዖ ወንን። ካብ ኩሉ ዝሕዝን ድማ እቲ መጋባእያ አንፈቱ ክስሕት ምርኣይ’ዩ። ከሳስን ተኸሳስን ቃሎም ከፍስሱ ኸለዉ፤ ከሳሲ መሰረት ባህልቢ ቃሉ ምሰ’ፍሰሰ፤ ቃል ተኸሳሲት ብምሉኡ ብዛዕባ መንግቲ ኤርትራ’ዩ ነሩ። ኮነ ኢልካ ነቲ ክሲ ምጥምዛዝ’ዩ ኔሩ’ቲ ዕላማ። መአዝኑ አስሒትካ አብ ጥቕሚ’ታ ሰበይቲ ምውዓል ዩ ኔሩ። ዓገብ! መሰረት’ዩ እምበር ምዓስ መንግስቲ ኤርትራ ከሲሱዋ!

ድሓር ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ምስ መንግስቲ ዝሰርሕ ዝነበረ፤ ወላ’ቶም አንጻር መሰረት ዝመስከሩ ንመንግስቲ ኤርትራ ን 20-30 ዓመታት ዘገልገልዎ ፡ናይ ስለያ’ዮም ኔሮም ዲና ክንብል ወላንታይ? እሞ ኸምዚ እንተኾይኑ ድኣ ንሶም’ውን ገበነኛታት’ዮም፡ ዲና ኽንብል? ኣስደሚሙና’ክዋ ።

እቶም አስተርጎምቲ የሕዋት ካብ ስራሕ ጠጠው ምስ በሉ፤ እቲ መስጎጒኦም ምኽንያት ብንጹር አይተነግሮምን። ግን ከምዚ ዝስዕብ ኢሎሞም፡ “ጌጋ አይረኸብናልኩምን ስራሕኩም ብጽፈት ኢኹም ሰሪሕኩም። ግን ሓውኩም ናይ መንእሰያት-ህግደፍ አባል ወይ አቦወንበር ስለዝኾነ (ዝነበረ)። አባል ከምዝኾነን (ምንባሩን) ስለዘየመልከትኩም። ፖለቲካዊ ምርጫኹም ድማ ናይቲ መንግስቲ ይመስል። ቀንዲ-ቐንዲ ድማ፡ እዚ ጉዳይኩም ብብዝሒ አብ መራኸቢ ብዙሃን ስለዝተቓልሐ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ሕቶታት ክበዝሓና’ዩ እዚድማ አይደለናዮን” ኢሎም መሊሶሙሎም።

በዚ ዘይረብሕ ምኽንያት ካብ ስራሕ ደው ከብልዎም ከለዉ፤ ጭብጢ-አልቦ ስጉምቲ’ዩ ኔሩ።
እዚ ከይአክል ድማ፡ እቲ ዋና አካያዲ ስራሕ ናይታ ትካል ኢሚግረሽን አብ ዝገበሮ ናይ ራድዮ ቃለ-ምልልስ “ክልተ ኤርትራውያን አስተርጎምቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ስለዘለዎም ካብ ስራሕ ደው አቢልኩሞም” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “እወ ልክዕ ዘሕዝን’ዩ” ኢሉ መለሰ። ብድሕርዚ አብ ምሉእ መራኸቢ-ብዙሃን ይኹን ሶሽያል-መድያ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ብሰንክ’ቲ ቃለ-ምልልስ ድማ ሓደ ካብዞም አስተርጎምቲ ካብቲ አብ ካልእ ዘስተርጉሞሉ ዘነበረ ስራሕ-ውን ደው አቢሎሞ። ነቲ ካልአይ አስተርጓሚ ድማ ናብዛ ካልአይቲ ስራሕ ንምእታው ተነፊጉ። ዓገብ ዝብል ግን የለን!።

ክሲ ናይቶም ክልተ የሕዋት አስተርጎምቲ’ምብኣር ካብዚ’ዩ ዝጅምር። ብዘይረብሕ ምኽንያት ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ክንሶም፡ አብ መራኸቢ ብዙሃን ድማ ካልእ ዘየለ ጌጋ መረዳእታ ምሃብ መን ይቕበሎ? እቶም የሕዋት መጀመርታ ምስቲ ትካል ኢሚግረሽን ርክብ ጌሮም እቲ ዝተባህለ “ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ አለዎም” ዝብል ክእረመሎም ሓቲቶም፤ ነዚ ግን እቶም ወሃብቲ ስራሕ (ኢሚግረሽን) ክእርምዎ ፍቃደኛታት አይነበሩን። “እወ ጌጋዩ እቲ ዝተባህለ ግን አይንእርሞን ኢና” ኢሎም መለሱ። መንሞ ዓገብ ክብሎም። “ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ’ዩ”!

እቶም አስተርጎምቲ ድማ አብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክምስርቱ ተገዲዶም። ፈራዳይ ድማ ነቲ ፍርዲ ከምዚ ኽብል ፈረዶ “እቲ ትካል ኢሚግረሽን ፍትሓዊ አይነበረን ግን እቲ እዞም አስተርጎምቲ ሓቲቶሞ ዘለዉ ሕቶ፤ እቲ ትካል ኢሚግረሽን አይሕተተሉን ዩ” ክብል መሊሱ። ኣብዚ ውን “ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ።” ከምዝበሃልዩ ሎሚ-ውን-ከም-ትማሊ። ረቲዕካ’ለኻ ግን አይረታዕካን! አብዚለኻ ዘረባ።

ከምዚ እንዳፈረዱስ-ይአይ ሕግን ፍትሕን ክምህሩ! ዘስደምም’ዩ። ሓንቲ’ላ አብዛ ጽሕፍተይ ዘይዳህሰስኩዋ፥ “አብቲ ኢመግሬሽን ከም አስቶርጓሚ ክትሰርሕ እንድሕሪ ኮይንካ፤ ሎሚ-ይኹን-ቀደም፤ ወይ ንስኻ ወይ ድማ አዝማድካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ እንተለኩም ወይ ውን እንተኔይርኩም ኣይፍቀደኩምን’ዩ”። ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ እቲ ሕጎም ደአ’ሞ ዳርጋ ወላ ሓደ ኤርትራዊ ከስተርጉም አይክፍቀዶን’ዩ ማለት’ዩ። ስግንጢር ዝኾነ ሕጊ።

ምኽንያቱ፤ ሎም-ይኹን-ቀደም ኩሉ ኤርትራዊ ወይ በዛ ውልቁ ወይድማ ብቤተሰቡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ የብሉን/አይነበሮን ክትብል አዝዩ አጸጋሚ’ዩ። “ወደህ ጠልተህ” ይብሉ አምሓሩ፤ ፈቲና-ረዲና ርክብ አለና ወይ ነይሩና። ነዞም ክልተ አስተርጎምቲ ካብቶም ካልኦት አስተርጎምቲ ዝፈልዮም ነገር ዳኣሞ እንታ’ዩ?

ካልእ አገዳሲት ነገር ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ፡ አብተን መራኸቢ-ብዙሃን ናይ ሆላንድ ይኹን ካብኡ ወጻኢ “አብ ሀገረ ሆላንድ ናይ ቤት ፍርዲ ክስታት ገርጊሩ-ሎ፡እዚ ድማ ብ ኢደ-ዙር ናይ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ዝካየድ ዘሎ” እንዳተባህለ ሕሱር ዝኾነ ወረ ይንዛሕ አሎ። ን መረዳእታ ክኾነና፤

1-ቀዳመይቲ ኽሲ ብ መሰረት ባህልቢ አንጻር ፕሮፌሶር ቫን ራይሰን ናይ ግሉ ክሲ’ያ።
2-ካልኣይቲ ክሲ በቶም ክልተ አስተርጎምቲ አሕዋት መሰረት፤ አንጻር’ቲ ናይ ኢሚግረሽን ትካል፡ ምኽንያቱ ብዘይ ገበን ስለዝወንጀሉዎም።
3- ሳልሰይቲ ብ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይ-ኤርትራዊ ዜጋ፤ምኽንያቱ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ አለካ ስለዝተባህለ። ምስ መሰረት ጽቡቕ ሌላ ስለዘለዎ ጥራሕ። ጋዜጠኛ ምዃኑ ድማ ኣይንስሓት።

ካልእ፡ ክሲ ካብቲ ናይ ሮተርዳም ተዋህዶ-ቤተክርስትያን ብዛዕባ’ቲ ጥንሲ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን አብቲ ቤተክርስትያን ተፈጺሙ ዝተባህለ። መንግስቲ ኤርትራ አብዚ ክስታት ዘእቱ እንታይ ኣለዎ?።
ገለ ዘይሓላፍነታውያን ጋዜጠኛታት አብ ጽሑፎም እቲ ክፍሊት ናይ ጠበቓ “መንግስቲ ህግደፍ’ዩ ከፊሉሎም” ኢሎም ንህዝቢ አደናጋሪ ሓበሬታ ክህቡ ይስምዑ’ለዉ። ሓሶትን-ገዜጠኛነትን’ሲ ክሳነያ አይነበረንን ግን “ሜድስፕያቺ” ።

እዞም ስድራ እንዳ ባህልቢ ደአ’ሞ እንታይ አቢሶም’ዮም አብ ፈይስቡክ (facebook) ናይ አእምሮኦም ዝሰሓቱ ሰባት መዋራዘዪ ኮይኖም ዘለዉ? እዞም ስድራ እዚኦም-እኮ ዉሕሉል ዝኾነ ታሪኽ ዘለዎም ስድራ ቤት’ዮም። ምእንቲ ናጽነት ቦኽሪ ውላዶም ዝኸፈሉ ብ “ቢንያም ባህልቢ” ዝፍለጥ ጅግና ዝወፈዩ ስድራ’ዮም። ካልእ-ውን ወዶም ኤልያስ ባህልቢ ካብ 1997-2012 ን15 ዓመት ዝአክል ከም ኩሉ ኤርትራዊ፥ ሃገራዊ አገልግሎት ግብኡ ፈጺሙ’ዩ። ገለ ዛይሓላፍነታውያን ስለዝተንከዩና’ምበር ከምዚ ጌረ ምባል አይባህልናን ይብሉ ዞም ስድራ ቤት።

ካብ ተንከዩና’ሲ . . . . . .

ግዚኡ ድሕሪ ናጽነት’ዩ ኔሩ አብ 1993 አብ መበቆል ዓዶም ዝኾነት ሽንድዋ (ከባቢ ዓዲ-ተከሌዛን) ናይ ሱዉአት ዝንገረሉ ዝነበረ ጽንኩር እዋን’ዩ ኔሩ። ሽንድዋ ልክዕ ከምተን ካልኦት ዓድታት ኤርትራ፤ ስለ ናጽነት እጃማ አበርኪታ’ያ። እቶም ደቆም ዝተሰውኡዎም ስድራቤታት ብ ትብዓት ተቐቢሎሞ-ዮም ነቲ መስዋእቲ። ብዝሒ ሱዉአት ኣብታ ዓዲ ድማ ብርክት ዝበለ’ዩ ኔሩ። ሽንድዋ አብቲ ግዝየ-ቲ አብ ሞንጎ ተጋደልትን ሰራዊት ደርግን ተዶኲና ትርከብ ገጠር ብምንባራ፥ ብ ሰራዊት ደርግ ብዙሕ ግፍዕታት ዝወርዳ ዝነበረት ዓዲ’ያ። ሓወብኦም ዝኾኖም ነዞም ስድራ ውን አብቲ ግዝየ’ቲ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ካልኦት ብዙሓትደቂ’ቲ ዓዲን ተሓሪዶም’ዮም። ቢንያም ወዲ ባህልቢ ውን ካብዛ መበቆል ዓደ-ቡኡ ዝኾነት ሽንድዋ’ዩ ንሜዳ ተሰሊፉ። ከም ህዝቡን ብጾቱን ድማ ስለዛ ሃገር ተሰዊኡ። ደድሕሪ ምንጋር ሱዉአት፤ እንዳቦይ ባህልቢ ነቶም ደቆም ዝተሰውእዎም ስድራቤታት ናይታ ዓዲ አብ’ቲ “ባይቶ” ተባሂሉ ዝስመ ብርኽ ዝበለ ክፋል ሽንድዋ፤ ነቶም ሰባት ብምእካብ፤ አስማት ሱዉአት መዝጊቦም አስማቶም በብሓደ እንዳጸውዑ መደበሲ ገንዘብ ወፈዩሎም። ወላኳ እቲ ገንዘብ ቁሩብ-ቁራቦት ይኹን’እምበር፤ እቲ ሰናይ ተግባር እንዳቦይ ባህልቢ እኹል’ዩ።

ናይ መስዋእቲ ወዶም ደኣሞ ንዕኦምከ መን ክድብሶም’ዩ?

አደ ናይዞም ስድራ ድማ አብ ግዜ ቃልሲ አብ ቀጽሪ ገዝኣ ተቐቢሩ ዝነበረ ተጋዳላይ መቓብሩ እንዳተኸናኸነት ስጋብ ግዜ ናጽነት ጸኒሓ። ስጋብ ነዚ ታሪኽ’ዚ እውን አብ ፈይስቡክ ከንአእስዎ ክጸርፉን ፈቲኖም’ዮም። ግን እንታይ’ሞ ንሳ ኾይና ዓቕሞም። እምበር ኣደ ስዉእዶ ትጽረፍ! አዚ ድማ ንኹሉ ኤርትራዊ ይምልከት።

እምብአርከስ ከምዚ ይመስል ታሪኽ ናይዞም ስድራ ቤት። ልክዕ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ህገሮምን ህዝቦምን ይፈትዉ’ዮም። ነዞም አብዘይ ፈልጥዎ አትዮም፤ አብ ፈይስቡክ ይኹን ፓል-ቶክ ታሪኽ-ሰብ፣ ታሪኽ-ስድራ፣ ታሪኽ-ወለዲ፣ ታሪኽ-ተጋደልቲ፣ ታሪኽ-ዋርሳይ፥ ታሪኽ-ስዉአት፣ ታሪኽ-ስንኩላን፤ ብዓቢኡ ድማ ታሪኽ-ሃገር ከበላሽዉ ኢሎም ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ይርዳእኩም ንብሎም “ዓለላህ”!።

እዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ አዞም ስድራቤት ብዘይውዓሉዎ ገበን ክውንጀሉ ምስራኣኹ’የ ክጽሕፍ ተበጊሰ። ነቲ ጉዳይ ድማ ብቀረባ’የ ዝከታተሎ ቀንየን ዘለኹን።

ብ ተስፋይ ሃብተ ሆላንድ

04-03-2016
***************************************የቐንየለይ*************************************

Received on Sat Mar 05 2016 - 08:50:58 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved