Tigrigna.Voanews.com: ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ ይብሉ ነበርቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 3 Mar 2016 23:41:19 +0100

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ዞባ ቦሮና፣ኣብ ወረዳ ዱብልቅን ኣብ ዞባ ጉጂ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ዝበጽሐና ዜና ሓቢሩ።

ፋይል
ፋይል
 

ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ ዱብልቅ ነበርትን ተማሃሮን ንተቓውሞ ሰልፊ ምውጽኦም ሓድ ሽሙ ክግለጸሉ ዘይደለየ ምስክር ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ከምዚ ክብል ይገልጽ።

‘ተማሃሮ ሰዓት ክልተ ወጺኦም ኣብ ኣስፋልቲ ምስ በጽሑ እቲ ህዝቢ ተሓዊሱዎም።እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቀጺሉ።ነዚ መንግስቲ እዚ ኣይንደልዮን፡ዝተኣስሩ ሰባት ይፈትሑ፡ዝተሸጠ ንብረትን መሬትን ይመለሰልና፡ንተማሃሮና ዝቐተሉ ናብ ሕጊ ይቐረቡ ዝብል ጭርሖ የስምዑ ነይሮም።’

ብተወሳኺ ንሱ እቲ ሰልፊ ብሰላማዊ ኣገባብ ይካየድ እንተነበረ’ኳ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ማህረምቲ ከምዝኻየዱ ይገልጽ።

ካብ ሰበስልጣን እቲ ዞባ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዞባ ጉጂ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ተቓውሞ ክካየድ ከምዝወዓለን ምስዚ ተኣሳሲሩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣኼባ ከምዝጸውዑን ተሓቢሩ።ዕግርግር ተላዒሉ ኣብ ወረዳ መጋዶ ሰብ ከምዝሞተ’ውን ናይ ዓይኒ ምስክር እየ ዝበለ ካብቲ ከባቢ ገሊጹ።

ኣማሓዳሪ ከተማ ሻኪሶ ኣቶ ወዴሳ የቆ ግን ኣብቲ ከተማ ከምዚ ዝበለ ነገር ኣይነበረን ኢሎም። 

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ፣ኣብ መንገዲ ኣዳማ-ኣሰላ ትማሊን ሎሚን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝነበረ፣ ሰባት  ከምዝተወቕዑን ከምዝተኣሰሩን ነበርቲ ገሊጾም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3218548.html

Received on Thu Mar 03 2016 - 17:41:19 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved