Shabait.com: ሕጋውነት፡ ሰረት ውሑስ ዕብየት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 2 Mar 2016 21:44:42 +0100

logohadaseritreaራእይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ማዕረ’ቲ ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ፡ ጻማኡ ዝሓፍሰላን ዝሕበነላን፡ ብምዕሩይነት ዝረብሓላ፡ ኣጸደ ማሕበራዊ ፍትሒን ቀጻሊ ዕብየትን ዝኾነት ሃገር ምፍጣር’ዩ። ናብዚ ራእይ’ዚ ንምብጻሕ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ብድሩት ጸጋታት፡ ተወፋይነት ኣዕሪጎም ክጽዕቱ ጸኒሖም ኣለው። ከም ውጽኢቱ፡ ቁጠባ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ዝተወርሰ ናይ ድሕረ-ኲናት ሕላገታቱ፡ ንምርማሱ ዜንቀደ ከቢድን ማእለያ ዘይብሉን ጸቕጢን ሽርሒታትን ሰጊሩ፡ ናብ ዘተኣማምን ባይታ ይሰጋገር ኣሎ።

እዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ መድረኽ፡ ብብቕዓትን ኣድማዕነትን ኣብ ረብሓ መላእ ህዝቢ ንምውዓሉ እምበኣር፡ ብትካላት መንግስቲን ህዝቢን ክማልኡን ክመዓራረዩን ዝግብኦም ሃጓፋትን ሕጽረታትን ኣለዉ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ከም ኣካል ሰፊሕ ሃገራዊ መደብ ምሕያል ቁጠባ፡ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ወረቐታዊ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ተተኪኡ ኣሎ። እዚ ውሳነ’ዚ ፋልማይ ስጒሚ ናይቲ ቀጻሊ መስርሕ ኮይኑ፡ ዝስዕብዎ ስጉምቲታት ክህልዉ እዮም። ምስ ምቕያር ባጤራ ተኣሳሲሩ፡ ምንቅስቓስ ጥረ ገንዘብ ንምድራት ኮነ፡ ኩሎም ብጥረ ገንዘብ ይኹን ብሰነዳት ዝካየዱ ትውጊታት ሕጋዊን መንግስታዊን ግዴታታት ዘማልኡ ከምዝኾኑ ንምግባር፡ ዝወጸ ቅጥዒን ኣሰራርሓን እውን ንህዝቢ ተሓቢሩ ኣሎ።

ዕላማ ናይዚ ስጉምቲታት’ዚ፡ ብመሰረቱ ሕጋዊ ኣገባባት ከም ባህሊ ምምዕባልን ሃገራዊ ቁጠባ ዘሐይል ባይታ ምፍጣርን ድኣ’ምበር፡ ውልቃዊ ይኹን ንግዳዊ ንጥፈት፡ ወይ ተበግሶ ዜጋታት ንምዕንቃጽ ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ፡ ብጥረ ገንዘብ ዝካየድ ደረት ዘይብሉ ትውጊት፡ ኣብ ስራሕ ባንክታት ዝፈጥሮ ጸቕጢ ገዲፍካ፡ ንተገልጋሊ እውን ኣሳልጦን ምቹእነትን ዘለዎ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ እውን ብግብሪ ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ትውጊት ብጥረ ገንዘብ፡ ምስ ዕብየት ቁጠባ ክኸይድ ዘይክእል፡ ግዜኡ ዝሓለፎ ዘይስሉጥ ኣገባብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤኑ፡ ግብሪን ቀረጽን ዘይክፈሎ ኮንትሮባንድ ንግድ ብምትብባዕ፡ ንብልሽውናን ካልእ ገበናዊ ተግባራትን ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ፡ ንህዝቢን ሃገርን ዘርብሕ ኣይኮነን።

መንግስቲ ቁጠባዊ ዕብየት ዘሳልጥ ባይታ እናመድመደ፡ ጎኒ ጎኑ፡ ሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈት ኬረጋግጽ ከምዝግባእ፡ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ማእከል ቁጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ እዩ። ዝዓበየ ጸጋ ሃገር ከምኡ’ውን ዝለዓለ ድራኸ ንቁጠባዊ ዕብየት፡ ተበግሶን ንጥፈትን ዜጋታት ስለዝኾነ። የግዳስ፡ ንግዳዊን ቁጠባዊን ንጥፈት፡ ነቲ ዝድለ ዕላማ ብምውቃዕ፡ ኣብ ዕብየት ቁጠባን ዓይነት መነባብሮን ሱር-በተኽ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምስዝኽተል ጥራይ እዩ። ዝኾነ ኣብ ንግድን ኣገልግሎታትን ካልእ ዝተፈላለየ ዕማማትን ዝነጥፍ ውልቀሰብ ይኹን ትካል፡ መንግስታዊ ግዴታታት እናማልአ ብሕጋዊ መገዲ ክሰርሕ እንከሎ፡ ዕብየቱ ውሑስ ይኸውን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገራዊ ግምጃ ኣብ ምህብታም እውን ዘበርክቶ ግደ ቀሊል ኣይኮነን። ምህብታም ሃገራዊ ግምጃ ድማ፡ ተመላሲ ረብሓታቱ ንዕኡን ንመላእ ህዝቢን ሃገርን እዩ።

እዚ ምስ ምቕያር ባጤራ ተኣሳሲሩ ዝተኣታቶ ዘሎ ቅጥዒን ኣገባባትን እምበኣር፡ ኣብ ሕቚፊ ሕመረት ሃገራዊ ፖሊሲታት ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ምስቲ ዝጸንሐ ፍኑው ኣከያይዳ ብምንጽጻር፡ ንግዜኡ ክፈጥሮ ዝኽእል ዘይቅድውነት ርዱእ ኮይኑ፡ ምስ ግዜ ግን ዝስተኻኸልን ዝልመድን እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ቀንዲ ዕላማኡን ዝዓበየ ረብሓኡን፡ ንጥቕሚ ነፍሲ ወከፍና ምዃኑ ብዕምቈት ብምግንዛብ፡ ከም ዜጋታት ኣብ ኩሉ ዓይነት ንጥፈት፡ ሕጊን መንግስታዊ ግዴታን እናማላእና ክንሰርሕ፡ ሓላፍነታውያን ክንከውን የድሊ።

Received on Wed Mar 02 2016 - 15:44:42 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved