Tigrigna.VoaNews.com: ኣብ ምብራቕ ሸዋን ምብራቕ ወለጋን ብዝቐጸለ ተቓውሞ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 2 Mar 2016 11:55:39 +0100
ፋይል
ፋይል
 
 

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ጀልዱ ወረዳ ከተማ ሹኩቴ፡ ወተሃደራት መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ፡ንሓደ `ቦጃ ቃበታ` ዝብሃል ውልቀ-ሰብ ቀቲሎም ንሓዉ `ወርቁ ቃበታ` ከምዘቑሰሉ ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነበርቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣዛዚ ፖሊስ`ቲ ኸባቢ ኣጻርየ መልሲ ክህብ`የ ብምባል መሊሱ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምብራቕ ወለጋ ጁማ-ኣርጆ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምሸት ናብ ገዛውቲ ሓረስቶት ሰይሮም ብምእታው፡ ንሰለስተ ሓረስቶት ከምዝቐተሉ ሓደ ነባሪ`ቲ ኸባቢ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3215016.html

ኣብ ምብራቕ ሸዋን ምብራቕ ወለጋን ብዝቐጸለ ተቓውሞ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም
Received on Wed Mar 02 2016 - 05:55:39 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved