Tigrigna.VoaNews.com: 1. "ቅልውላው ስደተኛታት ኣውሮጳ ናብ ጎነጽ ክምዕብል ይክእል’ዩ" ሕ/ሃ 2. ጀርመን፡ ምስ ምትራር ሕግታት ምሕታት ዑቕባ ስደተኛታት ባልካን ከይስጎጉ ይፈርሑ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 2 Mar 2016 11:34:10 +0100

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ኣውሮጳ ብዘጋጠማ ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ጥርዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ትርኸብ ክብል የጠንቅቅ።

 
ኣብ ትሕቲ ገረብ ዘጽለሉ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣቴንስ, ግሪክ     መጋቢት 1,2016
ኣብ ትሕቲ ገረብ ዘጽለሉ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣቴንስ, ግሪክ መጋቢት 1,2016
 
 
 

ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ትካል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግሪክ ዝርከቡ ቁጽሪ መጽለሊ ዘድልዮም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ 24,000 ክብ ኢሉ’ሎ። እዚ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ዶብ መቄዶንያ ዘለዉ 8,500 ሰባት ወሲኹ’ዩ። በተወሳኺ’ቲ ጸብጻብ እዚ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ሕጽረት መግቢ፡ መጽለሊ፡ ዝስተ ማይን ጸገም ንጽህናን የስዕብ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብቲ ትካል ስደተኛታት ተሓባባሪ ጉዳይ ስደተኛታት ኣውሮጳ ቪንሰንት ኮቸተል እዚ ጻዕቒ ምስጋር ዶብ ብፍላይ ብመንገዲ ሃገራት ባልካን ንስደተኛታትትን ፍልሰተኛታትን ተስፋ ዘቁርጽ ይከውን’ሎ ይብሉ።

ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዶባት መቆዶንያ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ጎነጽ ከምተቀየረ፡ ፖሊስ ድማ ነቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብቲ ሓጹር ኤሌትሪክ ንከርሕቑ ዘንብዕ ጋዝ ከምተጠቐሙ ክፍለጥ ተካኢሉ’ሎ።

ኣብ ዓመተ 2015 ጥራይ ኣስታት 132,000 ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ዝኾኑ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሰገሩ እዚ ድማ ካብቲ አብ ቀዳማይ ፍርቂ’ቲ ዓመት ተመሳሳሊ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝበዝሑ ምኳኖም፡ ካብኦም’ቶም ዝበዝሑ ድማ አብ ግሪክ ምእታዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3214987.html

*****************************************************************

ጀርመን፡ ምስ ምትራር ሕግታት ምሕታት ዑቕባ ስደተኛታት ባልካን ከይስጎጉ ይፈርሑ

ጀርመን፡ ምስ ምምጻእ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት አብ ዶባታ ንሕጊ ምቕባል ፍልሰተኛታት ተትርር’ላ። እዚ ነቶም ንመስርሕ ዑቕባ ዘየማልኡ ስደተኛታት ብፍላይ ንዜጋታት ሃገራት ባልካን ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ዝብል ኮይኑ እዘን ሃገራት ከም ደሕንነተን ዝተረጋገጻ ጌርካ ምስ ምርኣይ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ።

 
 
 
 
 

ኣብ መላእ ጀርመን ዘሎ ወታሃደራዊ መዓስከራት ነበር ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት 21 ክፍለ-ዘመን ከገልግል ይረኣይ። ካብ ከተማ ስቱጋርት ወጻኢ ኣብ ትርከብ ሓውሲ ከተማ ዘሎ መዓስከር ካብ 25 ሃገራት ንዝመጹ ንአስታት 200 ዑቕባ ሓተትቲ መጽለሊ ኮይኑ ‘ሎ። 

ሰበ-ስልጣን ጀርመን ኣብ ዜግነት እቶም ስደተኛታት አፈላላይ ኣየካይዱን’ዮም እቲ ዑቕባ ናይ ምቕባልን ምንጻግን አብ ኢድ እቲ ቤት ፍርዲ ምኻኑ እዮም ዝገልጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጀርመን አብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዘለዋ መርገጺ ተትርር ኣላ። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ’ውን ንዶባትን ብጹኑዕ ይሕልዋ ኣለዋ።

ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝወሃብ ኮታ ምቕባል ስደተኛታት ፖላንድ ብዘለዋ ናይ ቪቶ መሰል ተጠቒማ ከምትነጽጎ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3163759.html

Received on Wed Mar 02 2016 - 05:34:10 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved