M.Tigrigna.Voanews.com: ቀ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሮም እምነት ብኣባሃህላ ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን-ሓጺር ርእይቶ ኣብ'ዚ ዛዕባ'ዚ: ድጉል መርዛም ሕልሚ ዓሌታዊ ጭፍራ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ።

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 28 Feb 2016 02:38:54 +0100

ሓጺር ርእይቶ ኣብ'ዚ ዛዕባ'ዚ: ድጉል መርዛም ሕልሚ ዓሌታዊ ጭፍራ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ።

ለካቲት 21, 2008
February 28, 2016
 
ዓሌታዊ ጉጅለ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ክቃለሱ ኢሎም ንሜዳ ከወጽኡ ከሎዉ ንታዕሊም ንናብ ናይ ሽዑኡ ሕዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝበሃል ዝነበረ ውድብ ድሒሩ ድማ ካብ‘ቲ ኣብ 1977 ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤኡ ዝተቓንዔ ባይቶኡ  ናብ ሕዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝብል ስም ዝቐየረን ናቱ ሕጋዊ ሰነድ ኣጻፊፉን ኣጽዲቑን ዝወጸ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ገስጋሲ ውድብ ንናብ ሰውራ ደጀን ዝኾነት ሳሕል ሃ…………. ኢሎም ክጅምሩ ከሎዉ፣ ዓላምኦም ንምምስራት ዓባይ መንግስቲ ትግራይ  እምበር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻኣን ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ምምሕዳር ንምቛም ኣሹንኳይ ክሓስቡዎስ  ሓሊሞሞ‘ውን ኣይፈልጡን እዮም።
 
ንነጻነት ህዝቢ ኤርትራ‘ውን ንከምስሉን „ዝብእስ ስጋብ ዝጥዕሞ ይሕንክስ“ ከም ዝበሃል ንዋታውን ስነ-ፍልጠታውን ጉልበታውን ሓገዛት ካብ ውድብ ሕዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ንምርካብን ካዉኡ ሓሊፉ ንምብላጽን ደኣ እምበር ብሓቂን ብልቦምን ኣሚኖምሉ ኣይፈልጡን እያቶም።
 
እቲ ካብ ስርዓታት ኣባሓጎታቶም ዝወረስዎ መርዛምን ዓንዳሪ ሕልሞም ድማ ያኢ ዓንቲርና ኣሎና ጥራሕ ዘይኮነስ እኳ ደኣ ኣብ ዓባይ እምባ [መንግስቲ ኣሜርካ] ከም ከደምቲን ኣብ'ቲ ዞባ ተለኣኣኽትን ብምዃን ስልጣንና ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነባሪ እኳ እንተዘይኮነ ንግዚኡ ኣውሒስናዮ ኣሎና ኢሎም ብምእማን፣ ብሰረት ዘይብሉን ብሰበብ ዶብን ንኤርትራ ብሓይሊ ንምጉባጥን ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምምላስን ንክልተ ዓመታት መመላእታ ኣብ 1998 ዘበገስዎ ደማዊ ወራራት ናይ ትማሊ መሪር ታሪኻዊ ተዘክሮ እዩ። እዚ ጥራሕ‘ከ መዓስ ኮይኑ፣ ኣብ ኩሉ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ጻዕራምን ህርኩትን ሰራሕተኛን ኣስታት 80 ሽሕ ዝኸውን ክፋል ህዝቢ ኤርትራ [ቆልዓ-ሰበይቲ መንእሰያትን ሽማግለታትን ካህናትን ፈለስትን ኣካለ ስንኩላን ከይተረፉ] ንዘበናት ብረሃጹን ብስርሑን ብልሓቱን ዘጥረዮ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ንዋይን ካድረታት ወያነ ከም ሰረቕቲ ጸላም ተጎልቢቦም እኹል ክዳን ንምልባስ ዕድል ብዘይምሃብ ኩሉ ንብረቶምን ገንዘቦምን ብምዝራፍ ብምስራቕን ብዘሕፍር ኣገባብን ብዘይ ሓንቲ ሳንቲምን ንኤርትራ ሰጕጎሞም። ዝተጣየሱን ናብ በርጌሳዊ ናብራ ዝተመልሱን ኣባላት ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ስሩዓት ውድብን ኢሉ ዝሓዞም ኤርትራውያን ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ደኣ ዳጐኖም። „ፈራሕስ ክልተ በትሩ!“ እንድዩ ነገሩ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን…………….
 
እቲ መጀመርታ ዘበገስዎን ንኽልተ ዓመታት [1998-2000] ዝኸደ ዕንደራን ኣዕናዊ ወራራትን ስርዓት ወያነ ትግራይ ከም ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ኣዳዕዲዑ ናይ ድሕሪት ጎይቶቱ ኣሚኑ ዝበሎ ምሳሕና ኣብ ኣስመራ ድራርና ድማ ኣብ ምጽዋዕ ግን  ብሳላ ዘይሕለልን ጽኑዕ መኸተ ሕዝቢ ኤርትራን ብከቢድ መስዋኣቲ ጀጋኑ ደቁ ሕዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ዘፍ ኢሉን ተሓምሽሹን ናይ ሕፍረት ካባ [ጸላም መንጠሊና] ተኸዲኑ ንድሕሪት ናብ ዝመጾ ከም ዝምለስ ተገዲዱን ጥራሕ ዘይኮነስ ላዕለዎት ናይ ውግእ ራእስታቱን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ-ውግኣት ብፍሽለቶምን ስዕረቶምን ከም ቆልዓ ኣልቂሶምን ዝርንዛሕ ነቢዖምን እዮም።  እቲ መርዛም ዘይጭበጥ ሕልሞም ድማ ኣብ ዓውደ ውግእ ኣይረኸብዎን ተዋሪዶምን ፈሺሎምን፣ ብኣህጉራዊ ዶባዊ ሕጊ'ውን እንደገና ተረቲዖም እዮም።
 
ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ዝሰኣንዎ ናይ ዕቡዳት ሕልሞምን እንደገና ኣብ መጋብኣያ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተረትዑሉን ዝሓፈሩሉን ዘየዳግም ውሳኔን ብምሕሳም ኣሉ ቀጣን ብምባልን፣ እንሆ ንኣስታት 16 ዓመታት ዝኸውን ቀጻሊ'ውን ክፋል ሕጋዊ መሬት ዓደ-ቦና ብጎበጣ ሒዞም ብምቕጻል፣ እቲ ኣብ'ቲ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሕዝባን ዝኣወጁዎ ጎባጢን ዓማጽን ወራራት ስጋብ ለይተ-ሎሚ ኣየልዓልዎን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ወግሔ ጸብሔ'ውን ንኤርትራ ብሓይሊ ወሪርና ንመንግስቲ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ንሻዕውያ ክንድምስሶ ኢና“ ዝብል ዓጀውጀውን ዓበድበድን ቀጻሊ እዩ ዘሎ።
 
ስለዚ እዚ ናይ መንግስቲ ኣሜርካ ወጻኢ ልኡኽ መደቡ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ፕሮፈሶር ዳቪድ ሺን ምስ ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ወያኔ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ንፍስ ሄር ኣይተ መለስ ዜናዊ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝገበሮ ናይ ሕሹኽሹኽ መሰል  ዘተ [ጽውያ] ሕልሚ ኣውካኢኡ ንዓና ኤርትራውያን ሓድሽ ስለዘይኮነ ክገርመና የብሉን፣ ግን ታሪኻውነቱን እቲ ሓቀኛ ገጽን ባህርያትን ሕልሚ ጭፍራ ዓሌታዊ ስርዓት ወያኔን ዘንጸባርቕ ብምዃኑ ንመኸተን ንፍትሓዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን የጽንዖ ደኣምበር ከቶ ንድሕሪት ኣይክመልሶን እዩ።
 
ለባማት ኣቦታትና እንክምስሉ ኣናፍራ ዛግራ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳንይን ወይ ድማ ብናይ ወለዶ ሕዝባዊ ሰውራ ጀጋኑን ምዑታትን መንእሰያት ኤርትራ ኣበሃህላ ብሓፈሻ  ኣስማሪኖ ኸኣ ብፍላይ ንስኻ ወዲ ሹቕ እንተኾንካ ኣነ ግን ብዓቢኡ ሹቕ እየ  እዩ እሞ እንትርፎ እቶም ብሉቕምጽናን ምድንጋርን ሸቐጥን ዝነባበሩ ኣብ ውሻጠ ወያነ ዝመደብሮም ከደምትን ተበለጽትን ካብኦም ዘይፍለዩ ገለ‘ውን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ናይ ዘበንና ሸቃታትን ኣቃጠርትን ሓሰውትን ዝኾረዩን ብናይ ባዕዳውያን ዶላር-ኤውሮ ተመዊሎም ኣብ መቛየቚ ባይታ ለይትን መዓልትን ጎረሮም ስጋብ ማርማር ዘብሎም ክግዕሩ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ይበሃል ኢሎም ኣብ መርበብ ምድንጋር ኽሕንጥጡ ጸሓይ ትዓርቦም እንተዘይኮኑ ንሕዝቢ ኤርትራ ሽጣራ ወያኔ ትግራይ ሓድሽ ኣይኮነን።
 
ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ካዕቦ ማዕቦ ዕሱባት ባእታታት‘ሲ ብወገንይ እንታይ መጠመቕኩዎም መሰለኩም? ከምቲ ኣብ ግዜ ደርጊ ንውሑዳት ክፋል መንእሰያት እሕዋትናን ሽማግለታት ኣቦታትናን ብሓይሊ ኣገዲዱ ብረት ዘዕጥቖም ዝነበረ „ገረብ ብሓኽላ ምጥፋእ“! ብዝብል ኣምር ወይ ጭርሖ ተመሪሑ ንሕዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ካብ ገጽ መሬት ንምጥፋእ ዝህንደድ ዝነበረ እሞ „ምልሻ ሰርናይ“ ኢልና ንጽውዖም ዝነበርና፣ ነዞም ጉራማይለን ኣድሓርሓርትን ቀጠፍትን ብደምን መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራ ዝተሃንጸት ኣደራሽ እንዳባ ከፍርሱ ምስ ደመኛ ጸላኢ ወያነ ትግራይ ወጊኖም ጥራሕ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ኣብ ትሕቲኡ ተዓሲቦምን ከም ከዳሚት ከገልግሉ ዘይሓፍሩን ኣብ ገበላታቱ ኮነ ኣብ ቅርዓቱ እታ ወርሓዊት ምጽወታ ስጋብ ትመጾም ከምባህቑ ዝውርሑ፣ ኣነ ስጋቦይ ኢለ-„ምልሻ ቕርሺ“ ምበልኩዎም። ነዞም ገለ ኣብ ደገ ኮይኖም ሓቐኛን ፍትሓውን ሕዝባውን ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብሓሶት ዝጅልሑን ስም ጀጋኑ ተጋደልትን ሕያዎትን ርህሩሓት ኣዴታት ለባማት ኣቦታት ኤርትራ ለይትን መዓልትን ክዝልፉን ከቛናጽቡን ዝሓድሩን ዝውዕሉን ስም ሃገርና ኤርትራ ብሓሶት ከጸልሙን ጽቡቕ ምስላ ክድውኑን ዝፍትኑን ስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ ከፊቶምላ ዘሎውን ብፍቓዶም ብንዋይ ባዕዳውያን ተገዚኦም ኣሳሰይቲ ተለኣኣኽትን ናቶም ኮይኖም ከም መንከሽከሽ ናብዝን ናብትን ዝላኽዑ ወይ ድማ ስዋኣ ከም ዝጠዓመላ ወይዘሮ ዘውደኽድኹ ባእታታት ከኣ „ምልሻ ዶላር“ ወይ „ምልሻ ኤውሮ“ ምመንጠኹሎም። እንታይ ይመስለኩም፣ ሓቀይ‘ዶ?
 
ንሎሚ እዚ ወድሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!! ኣብ ቀጻሊ ግን ነዚኣ ዛዕባ እዚ‘ኣ ቁሩብ ኣስፍሕ ኣቢለ መሊኤ መላሊኤ ኣብዛ ርትዓዊትን ኤርትራዊትን ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ደሃይ ሓፋሽ ሕዝቢ ኤርትራ እንደገና ክልጥፋ ምዃነይ ቃል ይኣትወልኩም።
 
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!!
ዓወት ንሓፋሽ!!!
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

February 27, 2016

ዴቪድ ሽን

ዴቪድ ሽን

  •  
  •  
  •  

ቅድሚ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ‘ሓደ መዓልቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሓብራ’የን’ ከምዝበልዎም ኣብ’ቲ እዋን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን ገሊፆም።

‘ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ደጋጊሞም ከምዝጠቀሱሎም ዝዝክሩ ኣምባሳደር ዴቪድ ሺን፣ እዋኑ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 1996 - 99 ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ በሉ።

እቲ ክላዓል ዝኽእል ባህርያዊ ሕቶ ግና እዚ ቀ/ሚ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ኢሎምኒ ዝበልዎ ኣባሃህላ፣ እምነት ኣቶ መለስ ዜናዊ ድዩ ወይስ እምነትን ሚስጢራዊ መደብን ኢህወዴግ? ዝብል’ዩ ኢልናዮም ‘እቲ ኣባሃህላ’ቲ እምነት ናይ ገዛእ ርእሶም ይኹን ናይ ኢህወዴግ ኣይገለፁለይን ‘ኢሎም ንሶም።

‘ቀዳማይ ክፍለጥ ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሪኢቶ ዘይምሃበይ’ዩ። ኣብ’ቲ ኢሳት ዘዳለዎ መድረኽ ዝበልኩዎ ነገር ቅድሚ ኣስታት ዕስራ ዓመት ዝሰማዕኩዎ’ዩ። ካብኡ ዝሓለፈ ዝበልኩዎ ኣይነበረን። ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝትግበረሉ መንገዲ ሽዑ ስለዘይነበረ ኣደንፂዩኒ’ውን’ዩ። ኣባሃህለኦም፣ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝኸውን’ዩ ይብሉ ከምዝነበረ ኮይኑ’ዩ ሽዑ ተሰሚዑኒ። ስለዚ ናተይ እምነት ካብ’ቲ ዝተባሃለ ፈላሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ’ ኢሎም።

እንተኾነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ናይ ገዛእ ውልቆም ሪኢቶ እንታይ’ዩ? ተባሂሎም ‘እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ሪኢቶ ክህብ ኣይቦታይን። እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ዝብል ግና እቲ ዘሎ ተስፋ ኣዝዩ ዝተሓተን፣ ኣብ ርሑቅ ጊዜ’ውን እንተኾነ ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመፅእ’ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ’ ኢሎም።

ሙሉእ ቃለ-መጠይቅ (8:13)

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/02/26/61189d1b-c3c6-43ef-b29a-5ee5406b77f3.mp3?download=1

Received on Sat Feb 27 2016 - 20:38:55 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved