Tigrigna.Voanews.com: 1. 'ብድሕሪ ጨወያ ኣብ ምእራይ ወርቂ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን መንግስቲ ኤርትራ ኣሎ' ትብል ኢትዮጵያ 2. `ጠቐነ ጌታቸው ረዳ፡ ኣንፈት ህዝባዊ ናዕቢ ንምስሓት ዝግበር ፈተነ`ዩ` ተቓወምቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 27 Feb 2016 12:51:38 +0100
ኣቶ ጌታቸው ረዳ
ኣቶ ጌታቸው ረዳ
 
 
 
 

ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ኣብ ዝተወለዐ ህውከት ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ ገሊኦም ካብ ኣስመራ ዝመፁ ንምዃኖም ዝሕብር መርተዖ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ወርቂ ይለቅሙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ገሊኦም ብደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ከምዝተጨወዩ’ውን ሚንስትር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ገሊፆም።

‘ኩሎም ዓይነት ሸፋቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋፈሩ’ዮም። ሓሓሊፉ ብድምሒትን ካልኦት ጉጅለታትን’ዩ ዝፍፅሞ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ግብሪ ምፍፃሙ ዘገርም ኣይኮነን፣ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ንከታተሎ ኣለና። ስጉምታት እናወሰድና መፂና ኣለና። ሎሚ’ውን ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና’ ኢሎም ንሶም።

ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን ኣብ ምዕራብ ሽዋን ገለ ክፋላት ወለጋን ንማስተር ፕላን ኣዲሳበባ ንምቅዋም ዝተፀውዑ ሰልፊታት፣ ሕጋዊን ግቡኡን ሕቶታት ዘበገሱ’ዮም፣ ኣብ ኣሩሲ ዝተላዕለ ህውከት ግና ንነባራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምዝራግ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ ኢሎም።

‘መንግስቲ ኤርትራ ምስ’ቶም ኣብ ኤርትራ ተሓፂሮም ተሪፎም ዘለው መሪሕነት ኦነግ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ 7 ግንቦትን መሰልቱን ተሓባቢሩ ይሰርሕ’ዩ’ውን’ ኢሎም።

ሙሉእ ሪፖርት
 
 
*******************************************************************************

`ጠቐነ ጌታቸው ረዳ፡ ኣንፈት ህዝባዊ ናዕቢ ንምስሓት ዝግበር ፈተነ`ዩ` ተቓወምቲ

በቲ ናዕቢ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

 
 
 
 

ኣብ ኢትዮጵያ ከባብታት ኦሮሚያ ዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ  3ተ ወርሑ ዘሕለፈ ክኸውን ከሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዝተራእየ ብተኹሲ ዝተዓጀበ ግጭት ግን ዝሓየለ ምንባሩ ኩሎም ወገናት ይገልጹ። ኣብ`ቲ ግጭት 7ተ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ክገልጽ ከሎ፡ ብወገን ምንቅስቓስ ተቓውሞ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጹ።

ብዛዕብኡ መግለጺ ዝሃቡ ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ጌታቸው ረዳ፡ ካብ ኣስመራ ዝተላእኩ ኣባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣርበኞች -ግንቦት 7ተ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ዝቃለስ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ኣብ ምልዕዓል`ቲ ናዕቢ ኢድ ከምዘለዎም ከሲሶም።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶለራ ኣደባ፡ “ ቅድሚ ሎሚ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ከጋጥም ከሎ ከምኡ ስለዝብሉ፡ ክሳብ ሎም ስለምንታይ ከምዝደንጎዩ`ውን ኣይተረደኣናን “ ድሕሪ ምባል ፡ ስበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ሕቶ መሰል ዝህብዎ ምላሽ እናለዋወጥዎ ከምዝጸንሑን፡ ሎሚ ግን ህዝቢ ነቲ በደል ክሽከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ምስ ከደ ናብ ኦነግን ምስ ካልኦትን የሳብብዎ`ለዉ ኢሉ።

ኣብ`ቲ ክሲ ዝተጠቕሰ ግንቦት 7ተ ብወገኑ ብሓላፊ ጉዳይ ወጻኢኡ ኣቶ ንኣምን ዘለቀ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ እቲ ዝተለምደ ናይ ወያነ ባህርይ `ዩ “ ብምባል “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መንግስታዊ ሽበራ የውርድ ኣሎ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ኣርበኞች ግንቦት 7 ፡ “ነዚ ስርዓት ንምውጋድ፡ ኣብ ጎኒ ኦሮሞ ህዝብና ኾይኑ ክቃለስ`ዩ” ኢሉ።

በቲ ናዕቢ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ተወሳኺ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

ምላሽ ተቓወምቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ
 
 
Received on Sat Feb 27 2016 - 06:51:38 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved