ን 4 ዓመታት ዝዓንደርናሉ ቻምፒዮን ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምክሳርና እንሆ ሎሚ ናብቲ ዓወት ተመሊስና ተስፎም ዑቅባማርያም ቻምፒዮን ኣፍሪቃ 2016!!!

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 26 Feb 2016 18:38:52 +0000 (UTC)

26 ለካቲት 2016

ን 4 ዓመታት ዝዓንደርናሉ ቻምፒዮን ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምክሳርና እንሆ ሎሚ ናብቲ ዓወት ተመሊስና ተስፎም ዑቅባማርያም ቻምፒዮን ኣፍሪቃ 2016!!!

ሎሚ ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየደ ውድድር ቻምፒዮን ኣፍሪቃ ብቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝተዛዘመሉ ኤረትራዊ ተስፎም ዑቅባማርያም ን ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ኣልጀርያዊ ዮሱፍ ኣርጌጊ በሊጹ ነታ ዝሓለፈ ግዜ ካብታ ክለብ ዘሰናበተቶ ኣፍሪቃዊት ጋንታ እንባሕ ኢልዋ።

መዓስ እዚ ጥራይ መኽሰብ ደበሳይ ውን ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ነታ ውድድር ክጅምር ዓሰርተ ምዓልታት ክተርፎ ዮናስ ዘካርያስ ዝተቀበላ ሃገራዊት ጋንታ ኤረትራ ድርዒ ኮይንዋ።

ኣባል ክለብ ኣስቤኮ ብሙኻን ዓበይቲ ዓወታት ዘምጽአ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር ውን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዕውት ብሙኻኑ ነቲ ወርቂ ናፊቁ ዝነበረ ኣፍቃሪ ቅድድም ብሽክለታ ኣለና ኣሰር ኣሕዋትና ኣለና ኢሉ።

እዚ ባ እዚ ባ እዚ ባ ሓንሳብ እስኪ እዋእ ወይለይ ረሲዐልኩም ይቅረታ ናይ ሓጎስ እዩ መስለኒ ሕውስውስ ኢሉኒ እቲ ብሉጽ መንእሰይ ኣብ ናይ ዓበይቲ ውን ን ፕሮፈሽናላትን ዓበይትን በሊጹ 5ይ ተርታ ሒዙ እዩ መን እስከ ኣማኑኤል እወ ሮታ ናቱ ሒዞም ውን ኢልያስን መትለልን ኣትዮም ይበል ይበል ይበል ዘብል ውጽኢት ክሳብ 10ይ ኣብ ዘሎ ሲ ኤረትራ 5 ተቀዳደምታ ኣእትያ ማለት ዩ።

ናብ ጸወታ ምስ ንምለስ እሞ መግለጺ ኣይተረኸባን ሃገርና ኤረትራ ንሙሉእ ጸወታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ኣእትያ እያ ክትከናኸኖ ውዒላ። ያ ጀምዓ ኣነ ምግላጽ ኣቢኒ ኣሎ እዚ ናይ ሎሚ ስለዚ ጽባሕ ጽቡቅ ጌርና ከነቅርበልኩም ኢና ን ዮናስ ዘካርያስ ን ተጻወቲ ንኩሉኹም ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ድማ እንቃዕ ሓጎሰና ንብል

Result

Date: 26th February 2016
Avg. speed winner: 43.766 km/u
Race category: Men Elite
Start/finish: Benslimane › Benslimane

http://www.procyclingstats.com/race.php?id=166004

U23 Results

http://www.procyclingstats.com/race.php?id=166788
_________

Credit: Eritrean-Cycling
Received on Fri Feb 26 2016 - 13:38:52 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved