ድምጺ ኤርትራ ራድዮ ሃሊፋክስ:ንመደብ ዓውደ ዘተዶ ወይስ:ንምቅጣብ ዓውደ ክርፍስ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 26 Feb 2016 13:21:41 +0100

Naz Yemane/Voice of Eritrea under Heavy Fire!!

ንትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕትት ባልኹም ስምዕዎ።
https://www.youtube.com/watch?v=qNmhlN2eD14

ነዚ ጽሑፍ እዚ ዝጽሕፍ ዘለኹ ጸሓፊ: ዋላ ‘ኳ በቲ ኣሸጋሪ ናይ ጉዕዞ መንገዲ ጎላጉል ሰሃራን: ባሕሪ ሜዲትራንያን ሰንጢቐ ናብ ሃገረ ሆላንድ ካብ ዝኣቱ ድሮ ሳልሳይ ዓመተይ ዘቕጸርኩ እንተኾንኩ: ጌና ካብ ዓደይ ኣትሒዘ ህልዊ ኩነታት ብዝግባእ ካብ ዝከታተሉ መንእሰያት ሓደ ኢየ ይብላ ንነብሰይ:: ንሎሚ መበገሲ ዝኾነኒ ድማ: እቲ ብመርበብ ሓበሬታ መስከረም ተደጊፉ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርጋሕ: ብራድዮ ሃሊፋክስ ዝጽዋዕ: ብናዝ የማነ ዝፍኖ መደብ ራድዮ: ኣብ ናይ ዕለት 21-02-2016 መደቡ: ምስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ: ንጉዳይ ናይ’ቲ ኣብ ሃገረ ነዘርላንድ ከተማ ሮተርዳም ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ኣጋጢሙ ናይ ዝተባህለ ጸለመ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ምጽራይ ብምክያድ: ነቲ ጭቡጥ ሓቂ ናብ ህዝቢ ምስ ዝዘርገሐ ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ድየ ክብሎ: ዋላ ቃለ-ቕልስ: ኣብ’ቲ ኣብ ዕለት 22-02-2016 ዝተዘርገሐ ቅዳሕ ተኸታቲለ ሰሚዐዮስ: ነታ መደበር ድምጺ ኤርትራ ራድዮ ሃሊፋክስን: ከም ጋዜጤኛ መሲሉ ነቲ ዝርርብ ዝመርሐን ዘካየደን ናዝ የማነን: ብልቢ ኣዝየ ሓፊረሎምን ሓዚነሎምን: ስለ ዝኾነ ኢየ ኸኣ: ናብ ዝርዝር ናይ’ቲ ዝሓፈርክሎምን ዝሓዘንክሎምን ምኽንያት ክገልጽ ዝመረጽኩ:: እንተ ንዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስን ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኣቶ ኣለም ጎይትኦም (ወዲ ጀነራል)ን ዘለኒ ኣድናቖት እንዳገለጽኩ: ብፍላይ ንዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ: ስለ’ቲ ሓቂ ንምውጻእን ምቅላዕን ክብል: ጉልበቱን ኣእምሮኡን ገንዘቡን ከይበቐቐ: ነዚ ቅዱስ ሰናይ ስራሕ ምስርሑ: ብልቢ የመስግኖ:: ኣገናዕ! ኣገናዕ! ኣገናዕ! ከኣ ይብሎ::

ብምቕጻል ናብ ዝርዝር ሓሳበይ ክምለስ:: ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ በቲ ዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ቀሪቡ:: ሓታታይ ናዝ የማነ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ ኢዩ ብቐጥታ: ነቲ ኣብ ማዕሙቕ ውሽጢ ልቡ ዝህውጾ ዝነበረ ዝኸርጠጠ ጽልኢ ክተፍኦ ጀሚሩ:: ናዝ የማነ ድሕሪ እቲ ዘቕረቦ ናይ ደሓን ዝመስል ሰላምታ: ባጫ ብዝተሓወሶ ቃና: ዶክተር ጸገዘኣብ ወብሳይት ከኣ ከፊትካ ኢሎሙኻ? ክብል ኢዩ: ካብ ሓደ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ጋዜጤኛ መሲሉ ክሰርሕ: ወይ ክዋሳእ ዝደሊ ሰብ ኮይኑ ዝቐረበ::

ንምዃኑ ኣቶ ናዝ የማነ: ስነ-ምግባር ጋዜጤኝነት ብዝግባእ ዝተረደኦ ኣይመስልን:: ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ንዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ: ወብሳይት ከኣ ከፊትካ ኢሎሙኻ ክብል: ብመልክዕ ናይ ሓደ ዕዋላ! ወይ ላምፐን! ኣቀራርባ ክሓቶ ዝኸኣለ:: ኣብ’ቲ ናይ ኣደማምጻ ቅኒቱ ኸኣ: ንስኻ ኸኣ በጺሕካዮ ዘስምዕ ኣሽካዕላል ነይሩ:: እቲ ቃና ኣወዳድቓ ቓላቱ ብምቕጻል ኸኣ: ኣብ ሞንጎ ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስን ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኣቶ ኣለም ጎይትኦምን ቁልዒ ጋግ ንምፍጣርን: ነቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ሓባር ስራሕ ንምብታንን ይመስል: እዛ ከፊትካያ ዘለኻ ወብሳይት ዕብየታ ጥርዚ ምስ በጽሐት: ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ከም ተጻራሪቱ ኢዩ ክርእያ ምባሉስ: ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ካብ ኣቦታትና ዝጸንሐ ተኸባቢርካን ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዝብል እምነት ዝኸሓደ ይመስል ጥራይ ዘይኮነ: ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ብዝግባእ ዘጽንዐ ኣይመስልን:: ምኽንያቱ ኩሉ ኣቀራርባ ዘረብኡ ውጹእ ናይ ጽርግያ ኢዩ ነይሩ:: ኣቶ ናዝ የማነ ንኣፍልጦኻ ሓደ ዛንታ ከዘንትወልካ:: “እቲ ግዜ ኣብ ሓምሳታት ኢዩ:: ማሕበር ሰራሕተኛታት ክምስረት እንከሎ: እቶም ናይ’ቲ እዋን ዝነበሩ መንእሰያት ክምስርትዎ እንከለዉ: ንሓርበኛ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ይውከስዎም እሞ: መአከቢ ዝኸውን ቦታ ኸኣ ኣቦና ጎናፍር ይህብዎም:: ኣብ’ቲ ናይ ዕድመ ቦታ ኸኣ በዓል መን ተዓዲሞም ይመስለካ ኣቶ ናዝ የማነ: በዓል ኣቦና ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ ተዓዲሞም ይቐርቡ እሞ: ነቲ ዕላማታት ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ከኣ: ኣብ’ዚ ዳሕራይ እዋን ሓያል ጠበቓ ምንባሩ ዝዝረበሉ ተጋዳላይ ጸጋይ ኢያሱ ኢዩ ኣንቢብዎ:: ነቲ ዝተነበበ ዕላማታት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ብጽሞና ተኸታቲሎም ዝሰምዑ: ናይ’ቲ እዋን እቲ ኣቦታት ከም በዓል ኣቦና ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ እንታይ ኢሎም ምላሽ ሂቦም ይመስለካ: እዞም ኣብ’ዚ ተኣኪብኩም ዘለኹም ደቅና: እዚ እትምስርትዎ ዘለኹም ማሕበር ሰራሕተኛታት: ዘይሩ-ዘይሩ ንሕና ከም ኣስራሕትን ወነንቲ ሃብትን መጠን: ኣንጻርና ንኽትሟጎትሉን ክትስለፍሉን ኢኹም እትምስርትዎ ዘለኹም:: ይኹን ድኣ ‘ምበር: ንስኻትኩም ካብ ኣብራኽና ዝወጻእኩም ደቅና ክሳብ ዝኾንኩም: እትርፎስ ንጽቡቕ መዓላ ኣውዕልዎ ‘ምበር: ነዚ መዲብኩሞ ዘለኹም መደብ ስራሕ መበገሲ ዝኾነኩም ገንዘብ ከነወፍየልኩምን: ቤት ጽሕፈት ዝኾነኩም ክፍሊ ‘ውን ከነዳልወልኩም ቅሩባት ኢና::” ኢሎሞም:: መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ? እንዲዩ: ኣስተብህል እሞ ኣቶ ናዝ የማነ: ነቶም ኣንጻሮም ኣብ ሕጊ ደው ከብልዎም ኢሎም ዝምስረቱ ዘለዉ ማሕበር ሰራሕተኛታትሲ: ብዓይኒ ቐረድ ከይረኣዩ: ብንዋትን ሞራልን ሓሳብን ደጊፎሞም እቶም ናይ ቀደም ኣቦታት: ፍልልይኩም ምሳኻ ኣሞ ረኣዮም! ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስን ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኣቶ ኣለም ጎይትኦምን ከኣ: ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ኢዮም ተወሊዶም:: ክንዲ ዝኾነ ኢዮም ከኣ: ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስን ኣቶ ኣለም ጎይትኦም (ወዲ ጀነራል)ን ተመላላእቲ ድኣ ‘ምበር: ተወዳደርቲ ዘይምዃኖም: ካብ’ቲ ካብ ኣቦታቶም ዝወረስዎ ሰናይ ተግባር ተሞርኪሶም ብግብሪ ዘርእዩና ዘለዉ:: እንተ ንስኻ ኣቶ ናዝ የማነ ግን: በዚ መልክዕ እዝስ ኣተዓባብያ ዝሃሰየካ ኢኻ እትመስል:: ምኽንያቱ: ንኹሉ ብኣሉታዊ ጎድኑ ክትርእዮ ኢዩ ዝቐለካ ዘሎ::

ቀጺልካ ኣቶ ናዝ የማነ: ንዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ: ነቲ ኩዋ (COA) ዘጋውሕዎ ንጎኒ ጎሲኻ: እንታይ ኢልካ ሓቲትካዮ ይመስለካ? ሓደ ጋዜጤኛ ባዕሉ ሚሂዙ ወረ ኣይሰርሕን ኢዩ:: ግን ከጋንን ይኽእል ኢዩ:: ስለ’ዚ እዞም ጋዜጤኛታት እዚ ጉዳይ ሓሶት እንተድኣ ኮይኑ: ካበይ ኣምጺኦሞ ትብል ኢልካ ሓቲትካ:: ኣቶ ናዝ የማነ: ከም’ዚ ናትካ ስነ-ምግባር ጋዜጤኝነት ዘይክተልን: ዘይፈልጥን ሰብ እኮ ብዙሕ ኢዩ:: ጋዜጤኛ ድኣ ብዙሕ ወረ ሚሂዙ ይፍብርክ ‘ምበር: ከመይ ዘይፍብርክ! ኣብነት ዶ ክገልጸልካ:- ኤርትራ ናብ ሶማል 2000 ሰራዊት ሰዲዳ:: ሃየ!! 4 ግዜ ኸኣ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ናብ ባይደዋ ሊኢኻ:: ኢዶ!!! ብናይ ምዕራብ ማዕከናት ዜና ዝተቓልሐ ኢዩ እዚ ወረ:: መንከ ፈብሪክዎ? ጋዜጤኛታት:: ኣብ ደሴታት ዳህላክ ወትሃደራዊ መዓስከር እስራኤልን ኣሎ:: ዋእ እንታይ ትብል ኣንታ! ጽንሕ ኢሉ ኸኣ: ኣይፋል ወትሃደራዊ መዓስከር ኢራን ኣሎ:: ዶ! ትብለኒ:: ኖኖ ኣብ ወደብ ዓሰብ ናይ ሱዑድያ ቐጠርን ኢማራት ዓረብን ወትሃደራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣትዩ ኣሎ:: እምቧእ! ወደብ ዓሰብ ካብ 30-50 ዓመት ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ተኻርዩ:: እህምም! እዚ ብማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕን: ማዕከናት ዜና ምዕራብን ዝተጋውሐ ኢዩ:: ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ!!! ዋይ ኣንታ እንታይ ትብል??? ብራድዮ ኣሰናን: መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ዝተጋማድሐ ዝተፈብረከ ወረ:: ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብህይወት የለን:: ኣቐዲሙ ከም ዝሓመመ 100% ኣረጋጊጽናስ: ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ባደን ዝርከብ ሆስፒታል ብሕቡእ ክሕከም ጸኒሑ:: እዚ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2016 ዝተኻየደ ቃለ-መሕትት: ብምስሊ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድኣ ተኻይዱ ‘ምበር: ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅስ ኣብ እስራኤል ኢዩ ዘሎ:: ዋላ እታ ቃለ-መሕትት ዝገበረላ ስቱድዮ ረኣዩዋ: ኮኾብ ኣላታ:: ናይ ሞሳድ ምልክት ኢያ:: ኪር-ኪርርርር! ብመርበብ ሓበሬታ ደቀ-ባት ተፈብሪኩ ዝተላኽዐ ወረ:: ኣብ’ዛ ባዕልኻ እትውንና ድምጺ ኤርትራውያን ራድዮ ሃሊፋክስ ከኣ: ኣቶ ናዝ የማነ ኣብ ዘየለ ነገር ኣቲኻ እንታይ ከም ዘጋዋሕካ ኸ ይርደኣካ ዶ? በል ሓዘኒ! ሓዘኒ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ: ሓዘኒ! ክዝርዝረልካ ኢየ ናትካ ኸኣ: ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ስለምንታይ ኢኻ ነተን ዝተዓመጻ 20 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዘይረኸብካየን ኢልካ ቱታ ኢልካ:: ክዕመጻ እንከለዋ ተሓዚ ዲኻ ነይርካ? ዋላ መብራህቲ ኢካ ተጥፍእ ነይርካ? መልሲ ናባኻ ይገድፎ::

እቲ ዝገርም ሓንቲ ቖዮቛ ዝናፈቐት ትመስል ነጨ በረር: ንነብሳ መብራት ኢየ ኢላ ድሕሪ ምልላያ: ሪኢቶ ስለ ዘለኒ ሪኢቶይ ዶ ክህብ ኢላ ሓሳባ ኣቕሪባ:: ኣብ’ቲ ሓሳባ ከም’ዚ ኢያ ዝበለት: “እቲ ናይ ዓመጽ ጉዳይ ብጣዕሚ ሰንሰቲቭ ነገር ኢዩ:: ኣሽንዃይዶ ኣብ’ዚ ናትና መዓት ናይ ሃይማኖትን ናይ ድሕረትን ጓል-ኣንስተይቲ ተጸቒጣ ትኸደሉ ግዜ: ዋላ ኣብ’ቲ ምዕቡል እንብሎ ዘለና እንነብረሉ ሃገራት: ተዓሚጽና ኢለን ካብ ዝዛረባ: ዘይዛረባ ይብዝሓ:: ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ክመጻ ወይ ክዛረባ ኣይፈቐዳን እንተተባህለ: ንዓይ ሳርፕራይዝ ኣይገብረንን ኢዩ:: ምኽንያቱ: ካብ’ቲ ዝተዓመጸኦ ንላዕሊ: ኣብ’ቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ በደል ይበዝሕ:: ኣብ ቃልሲ ‘ውን የጋጥመና ነይሩ ኢዩ:: ንሕና ኤርትራውያን ከምኡ ኣይንገብርን ኢና ምባል ቅቡል ኣይኮነን:: ሓንቲ ካብዘን ተዓሚጸን ዝበሃላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣይ ውሽ ወጺኣ እንተትዛረብ:: ክንደይ እኮ ግዜ ምስ ሓለፎ ዝዛረባን: ብሰሪ እቲ ዘጋጠመን ዓመጽ ኣብ ዘይተደልየ ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገማትን: ነብሰ ቅትለትን ዝበጽሓ ኣለዋ:: ኣነ ኣብ ስረሐይ ኢዩ ዘጋጥመኒ:: ኣብ’ዚ ኣብ ሎንዶን ስረሐይ ኣብ ናይ ሳይካትሪስት ምኽሪ ምሃብ ኢየ ዝሰርሕ:: ስለ’ዚ ምስ’ዚ ኹሉ ጸገማት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጸገማት ኣይተገብረን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና:: ብሰሪ ዝወርደን ጸቕጢ ከይተዛረባ ክተርፋ ይኽእላ ኢየን:: ምስ በለት: ጋዜጤኛ ኢየ በሃሊ ኣቶ ናዝ የማነ እንታዩ ዝገበረ: ዘሕፍር!!! ክቡር ሰብ ዓዲምካ: ናብ ህዝቢ ሓደ ዓቢ ግዙፍ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ እንዳተበገስካስ: ከም ወዮ ሓደ ሃርጋፍ ዝብኢ ገይሩዎ ዝተባህለ: “ኣያ ዝብኢ: ንብላዕ ዶ? ንጽናሕ?” ኢሎም ምስ ሓተትዎ:: “ንብላዕ እንተበልኩም: ንብላዕ! ንጽናሕ እንተበልኩም ከኣ: ንብላዕ!” በለ ይበሃል:: ኣቶ ናዝ የማነ ኸኣ ህዝቢ ኣኪብካ: ሓደ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ኣልዒልካ እንዳተዛተኻ እንከለኻስ: ናይ እንዳማትካ ሰበይቲ ክትሃድን: መደብ ኣቛሪጽካ እንታይ ኢኻ ዝገበርካ? “ጓል ደረስ ዲኺ? ሎሚ ተረኺብኪ ኣይ ላቭ ዩ!” ንሳን ከኣ ክብሪ ባህሊ ኣዴታታ ከይዓቀበት: ኣብ ማእከል ጎልጎል: “ስልክኻ እዚኣ ድያ? ሃበኒ::” ኣንቱም ሰባት ከመይ ዝበለ ነውራም ስራሕ ኢኹም ትሰርሑ ዘለኹም? ክልተ ጸግሪ ዘብቆልኩም: ክልተ ሰላሳ ሓንፊፍኩመን ዝሓለፍኩም ወለዲሲ: ከም ኮቴቴ ጸሓይ ብራቕ: ህዝቢ ዝጽበዮ መድርኽ ዘተ ረጊጥኩም: ናብ ዳግማይ ሕሉፍ ምቅጣብኩም ከተድህቡ:: ዓገብ! ዓገብ! ምስ ዕድሜኹም ዝኸይድ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ: መብራት ደረስ ከም’ቲ ዝበልክዮ: ናይ ብሓቂ ኣብ ናይ ሳይካትሪስት ምኽሪ ወሃቢት ሰራሕተኛ እንተድኣ ኮይንኪ: ኣቐዲምኪ በቲ ዝገበርክዮ ተግባር ኣቀራርባ: ህዝቢ እንታይ ክስመዖ ከም ዝኽእል ዘይምፍላጥኪ: ነተን ምኽሪ ይህበን ኢየ እትብልየን ደቂ ኣንስትዮ: ከም ዝመስለኒ ትጎድእየን ድኣ ‘ምበር: ተድሕንየንሲ ኣይመስለንን:: ምኽንያቱ እዛ ዓይነት ኣቀራርባኺ: ብህየታ ኣቀራርባ ናይ ኣብሪረ ኢያ:: ኣብሪረ ጥራይ ኢያ ስምዒት ህዝብን ሕብረተ-ሰብን ግዲ ከይገበረት: ውራይ ሃድና እተካይድ:: እንተ ኣቶ ናዝ የማነ ግን: ነቲ መደብ ዓውደ ዘተ: ናብ መደብ ዓውደ ምቅጣብ ኢኻ ቀይርካዮ:: ግርም ሃዳናይ ጋዜጤኛ:: ቀጺልካ ናትካ ሕቶ ወሲኽካ ኢኻ ዶርስ.ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ክምልስ የሕሊፍካዮ::

ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ‘ውን: ኣብ መልሱ እዚ ጉዳይ ፍልይ ዝበለ ኢዩ:: በዚ እዛ ሓብትና ተቕርቦ ዘላ ሕቶ ኮ: እተን ደቂ-ኣንስትዮ ስለ ዘይተዛረባ ‘ምበር: እቲ ጉዳይሲ: ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን እቲ ዓመጽ ተፈጺሙ ኢዩ:: ኢያ ትብል ዘላ:: ኣነ ገሪሙኒ ዘሎ: እዛ ሓብትና ከመይ ኢላ ናብ ከም’ዚ ዓይነት ሕቶ ከተቕርብ ኪኢላ? ምስ በለ:: ሃዳናይ ጋዜጤኛ ኣቶ ናዝ የመነ: ርግቢተይ ኣብ ጋብያ የእትዋ ስለ ዘለኹ: ኣይተህድመለይ ብዝዓይነቱ ኣቀራርባ: ዶክተር ጸገዘኣብ: ሓንሳብ እሞ! ናብ ኮንክልጅን ኣይትእቶ:: ኣሳምሽን ምግባር ይጽንሓልካ:: ኣሳምሽን ኣይትግበር:: ክትምልስ እንተኺልካ ንሳ ትብል ዘላ: እዛ ገዲም ተጋዳሊት ሓብትና ጓል ደረስ: እተን ዝተዓመጻ ክዛረባ ስለ ዘከኣላ: እቲ ጉዳይ ተገይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: ነዚ ኣፍልጦ እንተለካ መልሰላ:: ዶርስ. ጸገዘኣብ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ: ሓው ናዝ ንሳ ኢያ ኣሳምሽን ትገብር ዘላ ምስበለካ: ዝሃብካዮ ምላሽ እሞ ኸኣ: ርግቢትካ ዘንፈረልካ ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ተራእዩኒ:: ስማዕ ዶክተር ጸገዘኣብ በልካ ሃዳናይ ጋዜጤኛ ኣቶ ናዝ የማነ: ስማዕ ዶክተር ጸገዘኣብ: እወ! ኣብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ማለትካ እንድ’ዩ: እወ ክፍጸም ይከኣል ኢዩ:: ንስኻ እኮ ዘጻረኻዮ ነገር የለን:: ብቐጥታ ነተን ተዓሚጽና ዝበላ ደቂ-ኣንስትዮ ኣይረኸብካየንን: ኢሎምኒ! ኢሎሞ! ኢኻ ትብለና ዘለኻ:: እንታይዶ ዘረጋገጽካዮ? ወይ ዝሰራሕካዮ ኣለካ ኢዩ? ምስበልካ: ወያ ብመልስኻ ኸተኽመስምስ ዝጸንሐት ዝጸመዋ ርግቢት: ጭራኣ ነስ-ነስ እንዳበለት: እወ ክፍጸም ይከኣል ኢዩ:: እንካ በለት ከይሓነኸት!!!

መጀመርያ ተጋዳሊት መብራት ደረስ: ከም ዝተረደኣኒ ኣብ እዋን ገድሊ ‘ውን ዓመጽ ይፍጸም ነይሩ ኢኺ ትብልና ዘለኺ:: ኣበየናይ ውድብ ኢዩ ዓመጽ ዝፍጸም ነይሩ? ኣብ ህዝባዊ ግምባር? ዋላ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ? ንህዝባ ሓራ ክትገብር ኢላ ጠበንጃ ዓጢቓ ዝወጸት ተጋዳሊት: እሞ ኸኣ ምስ ምሉእ ዕጥቃ:: ይዕመጻ ነይረን: ወይ ተዓሚጸን ትብሊ እንተሊኺ: እንድዒ ናይ ካልእ: ኣነ እሞ ኣይኣምነክን ኣይቅበለክን ከኣ: እዚ ኣበሃህላኺ እዚ: ነቲ ኣዴታትና ደቂ_ኣንስትዮ ኤርትራ ዝሓለፈኦ ናይ ኣግእዞ ድርብ ቃልሲ ምድዋን ኢዩ:: ዋላ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ‘ውን ዓማጽን ተዓማጺትን እትፈልጥዮ እንተልዩኪ። ወይ ድማ ኣብ ነብስኺ ዝበጽሐ እንተኾይኑ ኣቃሊዕዮ! ህልው ይኹን ስዉእ: ኣብ ስደት ይሃሉ ኣብ ዓዲ: ኣብ ምድጋፍ ይሃሉ ኣብ ምቅዋም: ስሙ ይጠቐስ:: እንተዘይኮይኑ እዚ ብደፈና ዝግበር ጠቐነ: ካብቲ ናይ COI መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ዝገብሮ ዘሎ ሃየ ተለየ ዝፍለ ኣይኮነን:: እዚ ኣበሃህላኺ ናብ’ቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ክምለስ:: ኣብ’ዚ ኣቶ ናዝ የማነ ይኹን: መብራት ደረስ ዝሰሓትኩሞ ጉዳይ ኣሎ:: ኣብ ፍልስፍና ሕጊ ከም’ዚ ዝብል ኣምር ኣሎ:: “ሕጊ ነዊሑ ኢልካ ኣይተሕጽረሉ: ሓጺሩ ኢልካ ኣይትልቅበሉ::” ስለ ዝኾነ ዶስር. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ እቶም ናይ ፓልቶክ ብጾቱ ብዘንበሩሉ ሓላፍነትን: ናይ ባዕሉ ተወሳኺ ተበግሶን: ነዚ ጉዳይ ንኸጻሪ ኢሉ ናብ ሆላንድ ዝኣክል ተጓዒዙ ምስ መጸ: ኣብ’ቲ ጉዕዞ ምጽራዩ ንዝተኽስተ ክስተት ብዝርዝርን ብብሩህን መንገዲ ኣቕሪብዎ ኣሎ:: ብዓይኒ ሕጊ ክረአ እንከሎ ኸኣ  ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ::

እቲ ኩዋ (COA) ዝብሃል ትካል: ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሕ ኒዶስ NIDOS ዝብሃል ንኡስ ትካል: ካብ 21 ክሳብ 22 ዝኾና ትሕቲ ዕድመ ዝርከበአን ደቂ ኣንስትዮ: ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ክሳለማ ኢለን ምስ ከዳ: ኣቡኡ ስለ ዝተዓመጻ: ዘይተደልየ ጥንሲ ሒዘን ዝብል ጸብጻብ ምስ በጽሖ ኢዩ: ኩዋ (COA) ናብ ኩለን ጨናፍራቱ: ኤርትራውያን ናብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ክሳለማ ኢለን ከይከዳ ዝብል ውሽጣዊ መምርሒ ዘሕለፈ:: ኣብ’ዚ መጀመርያ ኩዋ (COA) ከጻርዮ ዝነበሮ: እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሕ ብስም ኒዶስ NIDOS ዝጽዋዕ ትካል: ነዚ ሓበሬታ ካበይ ረኺብዎ? ካልእሲ ይትረፍ ንጹር ናይ ኣሃዛት ቁጽሪ:- ካብ 21 ክሳብ 22 ኢሉ ምሓዙ: ኣስማት: ዕድመ: ኣድራሻ ናይተን ሰባት: ኣብ ኢዱ ክህሉ ነይሩዎ:: እዚ ምጽራይ እዚ ከይተገብረ እንከሎ ግን: ኩዋ (COA) ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ ክርስትያነነ ከይከዳ ኢዩ ጥብቂ መምርሒ ሂቡ:: ድሕሪ እዚ መምርሒ እዚ ሃይማኖታዊት ጋዜጣ ዳግ-ብላደት ከኣ ኣብ ዓምድታታ: ኩዋ (COA): ኣብ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም: ካብ 21 ክሳብ 22 ዝኾና ትሕቲ ዕድመ ዝርከበአን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝተዓመጻ: ናብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ምንቅስቓስ ከልኪሉዎ ክትብል ዘርጊሓ:: ነዚ ወረ እዚ ዝተቐባበላሉ ካልኦት ጋዜጣታት ከኣ: እቲ ናይ ዓመጽ ጉጅለ ብዝተወደበ መንገዲ: ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ኢዩ ናብ ሆላንድ ኣትዩ ዘሎ ክብላ: ነቲ ብCOI መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ: ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ተፈጺሙ ኢሉ ንዝዓሎቖ ጸብጻብ ብምስናይ ኣቕሪበነኦ:: ኣብ’ቲ ብዶርስ. ጸገዘኣብ ዝወሃብ ዝነበረ ጸብጻብ ትነብዎ እንተነይርኩም ከኣ: ኣብ’ቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሮተርዳም ንዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ ኣካቲቱ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ: ካብ መላእ ሆላንድ ዝርከባ ናይ ዩኒቨርስቲ ማእከላት: እንኮ ቲል-ብሩክ ዩኒቨርስቲ (Tilburg University) ኣብ’ቲ ኣኼባ ተሳቲፉ:: ስለምንታይ ቲል-ብሩክ ዩኒቨርስቲ (Tilburg University) ንበይኑ ተሳቲፉ? ፕሮፌሰር ምርያም ቫን ራይዘን: ኣብ’ዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኢያ ተማሂራ:: ስለ’ዚ እቲ ናይ ምትእስሳር ጉዳይ ብሩህ ይመስለኒ::

ኣብ’ዚ ነጥቢ እዚ: ፖሊስ ዘረባ ክጋዋሕ ኢዩ ዝሰምዕ ዘሎ ‘ምበር: ከሳሲ ብኣካል ንዝበጽሖ በደል ኣመልኪቱ ክሲ ከቕርበሉ ኣረኣየን:: ፈጻሚ ገበን ‘ውን: ገበኑ ከሰላስል ብትሕዞ ኣብ ጭብጢ ተመርኪሱ ኣይረጋገጸን:: ”ነቲ ሓንካስ ዘውረዮ: ፈረሰኛ ነይመልሶ!”” ዝኾነ ወረ ንምግታእ ከኣ: እቲ ስሙ ዝጽልም ዘሎ ኣካል: ወይ ነቲ ጉዳይ ዘጻሪ: ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ ኣካል ክቐርብ ነይሩዎ:: ቅድሚ እዚ ግን: ኩዋ (COA) ኣብ ልዕሊ ካብ 21 ክሳብ 22 ዝኾና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ: ኣብ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ተዓሚጸን ስለ ዘለዋ: ክጻረየልና ብማለት ናብ ፖሊስ ሮተርዳም ጸብጻብና የሕሊፍና ኣለና ኢሉ:: ኣብዚ ዝቐርብ ሕቶ:-

  1. እተን ካብ 21 ክሳብ 22 ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ: ኣስማተንን ኣድራሸአን ብመዝገብ ተታሒዙ ድዩ?
  2. እቲ ዘቕረበኦ ጥርዓን: ብጽሑፍ ድዩ ቀሪቡ? ዋላ ብድምጺ?
  3. ናይተን ትሕቲ ዕድመ ዝበሃላ ዘለዋ: ኩዋ (COA) ናይ ሞግዚት ሓላፍነት ክስከም ባህርያዊ ኢዩ:: ሕጊ ኸኣ ይፈቕደሉ ኢዩ:: ናይተን ልዕሊ ዕድመ ዝኾና ወኪሉ ክዛረብ ግን: ሕጊ ኣይፈቕደሉን ኢዩ:: ባዕለን ናብ ኣደባባይ: ወይ ናይ ሕጊ ቦታ ከይደን ጥራይ ኢየ ክኸሳ ዘለወን::

ስለ ዝኾነ: ካብ’ዚ ናይ ሕጊ መሳልል እዚ ብምብጋስ:-

ሀ. ብመሰረት ናብ ፖሊስ ቀሪቡ ዝተባህለ ጸብጻብ ኩዋ (COA):-

ሀ/1. ኣብ ልዕሊ እቲ ዝበሃል ዘሎ ፍጻሜ: ዝተኻየደ መቕድም መርመራ ኣሎ ዶ?

ሀ/2. ድሕሪ መቕድም መርመራ ተኸቲሉ ዝመጽእ ውስጠ መርመራ ኸ ነይሩ ዶ? ውጺኢቱ ኸ እንታይ ነይሩ?

ሀ/3. ብመሰረት ዝተኻየደ ደምዳሚ መርመራ: ንፍጻሜ ገበን ዝእንፍት ውጺኢት መርመራ ተረኺቡስ: እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ንኽቐርብ: ቁጽሪ ገበናዊ መዝገብ ተዋሂብዎስ ናብ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ተመሓላሊፉ ዶ?

ሀ/4. ነቲ ውጺኢት መርመራ ኣኽባር ሕጊ ብዝሃቦ መዝገብ ክስን: ነቲ ገበን ዝምልከት መቕጽዒ ዓንቀጽን ኣሰንዩ: ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብዎ ዶ? ወይ ከኣ: እቲ ክሲ መርትዖ የብሉን ብማለት ዝግባእ ዓንቀጽ ንኽሲ ውድቂ ዝገብሮ መስመር ኣትሒዙ: ናብ ዝቐረበሉ መደበር ፖሊስ መሊስዎ ዶ?

ዶርስ. ጸገዘባ ገበረገርግስ ነዚ ኹሉ መሳልል ድሕሪ ምሕላፉን ምጽራዩን ኢዩ: ናይ መንግስቲ ሆላንድ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን: ሚኒስትሪ ፍትሕን: ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ሮተረዳም ዝርከብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ: ዘደን (zeden) ዝበሃሉ ፍሉያት ኣካላት ፖሊስ ረኺቦም: ነቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ብኣውድዮን ቪድዮን ምስ ቀድሕዎ: ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ደብረ ገነት ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም: ዝኾነ ዓይነት ክግበር ዝግባእ መርመራ ከም ዘየለን: ዝኾነ ዓይነት ናይ ክሲ መዝገብ ከም ዘይክፈትን: ወግዓዊ መግለጺ ኣብ ጋዜጣታት ሆላንድ ዝዘርግሑ::

ስለ’ዚ ኣቶ ናዝ የማነን ተጋዳሊት ነበር መብራት ደረስን: ውጺኢት መርመራ ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ ኣብ ክንዲ ዘሐጉሰኩም: ከም በዓል ቆለ እምቢሕሕሕሕ! እምቢሕሕሕሕ! እምቢሕሕሕሕ!!! ኣቢሉ ዘንብሓኩም ዝነበረሲ: እቲ ውጺኢት ከም ኩሎም ጸረ ኤርትራን ህዝባን: ዓቢ ነጥቢ ተቖጺሩ: እታ ብስም COI መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት እትጽዋዕ ዓሏቒት ጉጅለ ስለ ዘይተጠቕመትሉ ድዩ: ጸር-ጸር ዘብለኩም ዝነበረ? ካልእ እቲ ዝገረመኒ ጉዳይ ናይ ናዝ የማነን መብራት ደረስን ድራማ ኢዩ:: ድምጺ ኤርትራ ራድዮ ሃሊፋክስ ብቐጥታ ትመሓላለፍ ስለ ዘይነበረት: ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ሰማዕታ ክንከታተላ ኣይከኣልናን:: ብፍሉይነት ተጋዳሊት ነበር መብራት ደርስ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ግን: ከመይ ገይራ በይና ክትሰምዓ ኪኢላ: ምናልባት ዶኾን ሃዳናይ ጋዜጤኛ ኣቶ ናዝ የማነ ብስካይፒ የስምዓ ነይሩ ይኸውን? ሃንደብት ብልጭ ዝበልኒ ሕቶ ኢዩ:: ምኽንያቱ ኣቶ ናዝ የማነ ኩሉ ኣጋውለኡ ንዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ: ኣብ ኩርናዕ ኣኾርኒዑ ከቐጥቅጦ መደብ ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል ኣቀራርባኡ:: ስለ ዝኾነ ኸኣ: ምስ መብራት ደረስ ከም ሻዓ ዝተራኸቡ መሲሎም ኢዮም ድራማ ዝሰርሑ ዝነበሩ: እንተዘይኮይኑ በየናይ ምትሃት ኢያ በይና መብራት ደረስ ነታ ራድዮ ክትሰምዓ ዝኸኣለት: እቲ ምኽንያት ናብ ኣቶ ናዝ እገድፎ:: ካልእ ኣቶ ኣለም ጎይቶም ንዘቕረቦ ሃናጺ ሪኢቶ ብምጉሳይ ኣቶ ናዝ የማነ: ንወያነ ክጣበቐሎም ኢዩ ተራእዩ:: ስለምንታይ? ኢና: ወያነ! ወያነ! እንብል? ንሕና እኮ ህዝቢ ኢና:: መንግስቲ ኣለና:: ሓንጎል ኣለና ክብል: ምስሉይ ዝኾነ ንወያነ ኣይትተንክፍዎም ናብ ዘብል ዘይምኽንያታዊ: ናይ ውዱቓት ዘረባ ወሪዱ:: ኣቶ ናዝ የማነ እዚ ጉዳይ ንናይ ቲል-ብሩክ ዩኒቨርስቲ (Tilburg University) እንታይ ይምልከቶ: ብድሕሪ እዚ መጽናዕቲ ተባሂሉ ዝቐርብ ጽሑፋት በዓል መን ከም ዘለዉ ትፈልጥ ዲኻ? ዋላ ነዛ ብዕድል ዝረኸብካያ ራድዮ ሃሊፋኪስ መውጠይጠዩ ሕማማትካ መውጽኢ ኢኻ ክትጥቀምላ ትደሊ ዘለኻ? ኣብ መወዳእታ ሕውነታዊ ምኽረይ ክልግሰልካ ኣቶ ናዝ የማነ: ነዛ ራድዮ ገዲፍካ: ሓይልኻ ኣብ ምህዳንን ምቅጣብ ካብ ኮነ: ቡና ቤት ከፊትካ ምስራሕ ይሕሽካ:: ሰራሕተኛታት ከኣ ኣይትስእንን ኢኻ:: ድሮ ‘ኳ ኣብ መደብ ፈነወ ራድዮኻ እንከለኻ ዝረኸብካ:: እንተዘይኮይኑ ታክሲ ገይረ ክሰደልካ:: ኣይፍለጥን ከኣ: ታክሲስታ ኮይንካ ከይትጸንሓኒ ድኣ “ምበር::

ዳኒኤል ኣስመላሽ ሆላንድ

Received on Fri Feb 26 2016 - 07:21:42 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved