M.Tigrigna.Voanews.com: ‘ጉጅለ ማዕቀብ ኤርትራን ሶማልን ናብ ዘይምልከቶ ይኣቱ`ሎ’ ኣቦ መንበር ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 24 Feb 2016 14:27:31 +0100

February 24, 2016

ፋይል- ኣቦ-መንበር ጉዳይ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ራሚረዝ

ፋይል- ኣቦ-መንበር ጉዳይ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ራሚረዝ

ኣቦ-መንበር ጉዳይ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ራሚረዝ ዝሓለፈ ሓሙስ ፡ ነቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ዝወጸ መንፍቓዊ ሪፖርት ብኸፊል ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪቦም ኔሮም።

እቲ ሪፖርት “ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ዘርኢ መርትዖ ኣይተረኽበን” ከም ዝብል ሓቢሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕጡቓት ግን ትድግፍ ኣላ ይብል እቲ ሪፖርት።

ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን

ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን

ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክልዓል እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ክተሓባበር ኣለዋ፡ እቲ ጉጅለ ድማ፡ ናብ ኤርትራ ንኽኣቱ ክተፍቅደሉ ኣለዋ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንኣልሸባብ ኣይትድግፍን ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ከምዘሓጎሶ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ፡ ኣብ የመን ሰራዊታ ኣሰሊፋ`ላ ዝብል ጠቐነ ግን፡ ንዕኡ ዝምልከቶ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።

ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኾይነን፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ዝምልከት መረገጺ ሃገራተን ዘስምዓሉ፡ ፕሮግራም ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://m.tigrigna.voanews.com/pp/3203837/ppt0.html

Received on Wed Feb 24 2016 - 08:27:32 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved