: Tigrigna.Voanews.com: መንግስቲ ኢትዮጵያ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 23 Feb 2016 23:17:44 +0100
ፋይል - ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፋይል - ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
 
መለስካቸው ኣምሃ

 ‘ኣብ ክልል ኦሮሚያ ይርአ ንዘሎ ህውከት የንቀሳቕስዎ ኣለው ኣብ ልዕሊ ዝበሉዎም ሓይልታት፣ ሕጋዊን ዘየደጋምን ስጉምቲ ክወስድ እዩ’ ኢሎም ቀዳማይ ምንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

እቶም ቀ/ሚ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ልዒሊ ሃገርን ቁጠባን ዝለዓለ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሖም ዘየዳግም ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ንፁር ኮይኑሉ’ሎ’ ኢሎም።                     

‘ንሕቶ ህዝቢ ተጎልቢቦም ሃንደበት ናብቲ ኩነታት ዝኣተው ዝተፈላለዩ ሓይልታት ጥፍኣት ኣብዚ ሕዚ እዋን ተወዲቦም፣ ከምኡ እውን ናይ ወፃኢ ሓይልታት እናሓገዝዎምን ይንቀሳቀሱ ዘለው ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና’ውን ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።                     

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ድርቂ ንዝተጀመረ ጉዕዞ ህዳሴ ብዘየተኣጓጉል መንገዲ ንምቁፅፃር ዝግበር ፃዕሪ እውን ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለው።

'መንግስቲ ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ህውከት የንቀሳቕስዎ ኣለው ኣብ ልዕሊ ዝበሉዎም ሓይልታት ሕጋዊን ዘየደጋምን ስጉምቲ ክወስድ'ዩ' ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ
http://tigrigna.voanews.com/audio/3203816.html
Received on Tue Feb 23 2016 - 17:17:44 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved