Tigrigna.Voanews.com: አብ ክልል ኦሮምያ ዝኻየድ ተቃውሞ ሕጂ’ውን ይቅጽል’ሎ ይብሉ ነበርቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 23 Feb 2016 23:12:40 +0100

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ተቃውሞ ኣብ ገለገለ ከባቢታት ከምዝቀጸለ ነበርቲ ይገልጹ’ለው።

ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ
ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ
ምንያ ኣፈወርቂ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ወረዳ ጉራዋ ኢፍባቴ ዝተባህለ ከባቢን ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ዳባን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱን ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ንተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ከምዝበተኑ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ይገልጹ።

ኣብ ወለጋ ከተማ ነቀምቴ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዘይምርግጋእ ከምዝነበረ፡ሓይልታት ጸጥታ ድማ ንሰባት ከምዝቀጥቀጡ ሓደ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ወለጋ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ከተማ ኢልቦ ተማሃሮ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። ሰለስተ ተማሃሮ ተአሲሮም ናብ ሻምቦ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተወሰዱ ዝገለጹ ነበርቲ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብተማሃሮ’ቲ ዞባ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ብሰላም ከምዘብቅዓ ገሊጾም’ለው።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ከተማ ማችራ’ውን ትማሊ ሰልፊ ምክያዱ እቲ ሰልፊ ብተማሃሮ ተጀሚሩ ደሓር ግን’ቲ ሕብረተሰብ ከምተጸንበሮ  ዝገለጹ ሓደ ነባሪ ናይ አካልን ህይወትን ጉድአት ከምዘጋጠመን’ውን ሓቢሮም ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ሓበሬታ ገና የጻርይ’ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሎ ኸሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባርዕ ሓዊ ነዲዱ ኣብ ዝተባህለ ዓብይን አሽሓት እሱራት ኔሮም ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ኣምቦ ናይ ዝሞቱ  ሰባት ሬሳ ንስድራ ቤቶም ከምዝተዋህበ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ሬሳ ሽዱሽተ ሰባት ነፍሲ ወከፍ ስድራ 2 ሽሕ ብር እንዳኸፈለ ከምዝወሰዱ ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንጋዜጣ ሪፖርተር መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ብባርዕ ሓዊ ከምዝነደደ ኣሚኖም ግን ዝሞተ ኮነ ዘምለጠ እሱር የለን፡  ኩነታት’ቲ ባርዕ ሓዊ ኸአ ይጻረ ኣሎ ምባሎም ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3203749.html

Received on Tue Feb 23 2016 - 17:12:41 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved