Tigrigna.Voanews.com: ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተአሲሮም ይብል ሂማን ራይትስ ዎች

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 23 Feb 2016 11:09:10 +0100

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 12 ጀሚሩ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተኣሲሮም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ሌዝሊ ሌፍኮው ምክትል ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ
ሌዝሊ ሌፍኮው ምክትል ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ
 
ምንያ ኣፈወርቂሳሌም ሰሎሞን

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካብ መጠን ዝሓለፈ ሓይሊ ምጥቃሞም ደው ክብሉ፣ብዝፈቐደ ዝተኣስሩ ኩሎም ክፍትሑ ኣለዎም፤ከምኡ’ውን ቅትለትን ካልኦትን መጥቓዕትታትን ሓይሊ ጸጥታ ብገለልተኛ ኣካል ክጻረ ኣለዎ ክብል እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ገሊጹ’ሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግቡእ ሕቶ ሓቲቶም ብጌጋ ግንዛበ ዝተሳተፉ ክፍትሑ እዮም፣ናይ ምፍታሕ መስርሕ እውን ተጀሚሩ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም ኣለው።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተአሲሮም ይብል ሂማን ራይትስ ዎች

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3202154.html

 
Received on Tue Feb 23 2016 - 05:09:11 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved