M.Tigrigna.Voanews.com/: ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ሕቶ መንነትን ምምሕዳርን ሰጊሩ ይብሉ በዓልስልጣን ተቓወምቲ ፓርቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 21 Feb 2016 00:27:14 +0100
February 20, 2016
 

ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ኸባቢ ሻሸመኔ ህዝቢ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ምፍጣጥ ኣትዩ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ። ሰራዊት 'ኣግኣዚ' ኣብቲ ኸባቢ ከምዘሎ'ውን ሓቢሮም።

'ትማሊ ንሓደ ወያ ዝብሃል መምህር 'ንስኻ ዲኻ ትገብሮ ዘለኻ' ኢሎም ቀቲሎሞ፡ ኣስከሬኑ ርእየዮ' ይብል ሓደ ሽሙ ክነግር ዘይደለየ ነባሪ።

ብኻልእ ወገን ፡ ህዝቢ ብዘይመረጽናዮ መንግስቲ ክንመሓደር ኣይንደልን ኢና ኢሉ ይቃወም ከምዘሎ ሓደ በዓል-ስልጣን ተቓወምቲ ገሊጹ። ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገመሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ “ደቅና ክሳብ ዝቐተልኩምልና ንዓና ክትመርሑና ኣይትኽእሉን ኢኹም ይብሉ ኣለው" ኢሉ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/02/18/003a5d39-aa77-44ee-a030-6d0109dee360.mp3?download=1

Received on Sat Feb 20 2016 - 18:27:14 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved