Erigazette.org: ጽብቕ ስራሕ ናይ’ቲ መንግስቲ ክውሕጥ ዘይደሊ “ተቓዋሚ” ..

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 17 Feb 2016 00:57:54 +0100
 February 16, 2016
ኣቶ በረኸት ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክዝርጉሕልካ ክትምሕጸኖም ክትሓፍር ነይሩካ። ከም ዝኾነ ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክርእይ ወይ nakfa100ኢኻ ነዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባ ለውጢ ክትውሕጥ ዘጸግመካ ዘሎ። “ናቕፋ ተኣሲሩ” ኢልካ ዘረባ እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ካልእ ዓለም ዘይተራእየ፣ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ዘደንጹ ነገር ጸኒሑ’ዩ። ሓደ ሰብ ሓደ ቪላ ንኽዕድግ ዕስራ ሚልዮን ናቕፋ ብኻሻ ጸይሩ ናብ ዓዳጋይ ይኸይድ’ሞ እቲ ዕድጊ ይፍጸም። ገዝኡ ዝሸጠ ድማ ዝተቐበሎ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ መሬት ይሽጉጦ። ናይ መካይንን ናይ ካልእ ዕድግታት ከይትረፈ ብኸምዚ ኣገባብ ክፍጸም ስለ ዝጸንሐ፣ ናቕፋና ካብ ክቕመጠሎ ዝግበኦ ባንክ ሓኪሉ ጸኒሑ። ሕጂ “ይኣክል ናብ መደቀሲኡ ምለስዎ” ኢሉና መንግስቲ። ማንም ኣብ ባንኪ ዘቐመጠ ግለሰብ፣ ኣብ ዝደለዮ እዋን ገንዘብ ናብ ዝደለዮ መዓላ ከውዕል መሰሉ ሕሉው ኢዩ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ ብናይ ባንክ ኣሰራርሓ ወይ ብችክ ክትጥቀም ዘገድድ ብሙዃኑ ኢዩ። ገዛ ይኹን ማኪና ወይ ካልእ ነገር ክገዝእ ዝደሊ ቸክ ተጠቂሙ ክሽምት ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝስረሓሉ ናይ ቁጠባ ሕጊ ኢዩ። ኣነ ርግጸኛ’የ ኣቶ በረኸት ኣብ ትነብረሉ ሃገር ክሳብ ክንደይ ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ኣብ ገዛኻ ከተቐምጥ ከም ዝፍቀደካ ዘገድድ ሕጊ ኣሎ። ፌስታል ወይ ተረንሽዋ ጼርካ ገዛ ክትዕድግ ከም ዘይትኽእል’ውን ርጉጽ ነገር’ዩ።


ሓደ ማንም “ተቓዋሚ” ክግንዘቦ ዘለዎ ሓቂ ኣሎ፣ ኣብ ኤርትራ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብዕጽፊ ነክዩ ምህላዉ ኢዩ። ኣብ ቀረባ መጻኢ’ውን እቲ ንዳርጋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ምዝመዛ ገይሩ ዘሎ ጉዳይ ገዛ ኽራይ መግትኢ ክግበረሉ ኢዩ። ዋጋታት ሃለኽቲ ስለምንታይ ነክዩ፣ ናቱ ምኽንያታት ኣለዎ። ገንዘብ ኣብ ምንቅስቓስ ስለ ዘየለ ድዩ? ሓደ ሰብ ካብ ባንክ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ ሽሕ እንተ ኣውጺኡ፣ እሞ ድማ ዋጋ ሃለኽቲ ብፍርቂ እንተ ጎዲሉ፣ ንቐለቡ ይኣኽሎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣይውድኦን’ውን ኢዩ። ስለ’ዚ እቲ ጸገም ኣብ’ዞም “ተቓወምቲ” እምበር ኣብ’ቲ ሰሪሑ ድዩ ሓሪሱ ዝነብር ህዝብናስ ሓጎስ’ዩ ፈጢሩ ዘሎ።ልዕሊ ኹሉ ድማ መንግስቲ ኤርትራ “ዋጋ ሃለኽቲ ከም ዝንኪ ገይረ ኣለኹ” ኢሉ ኣይፈከረን።፣ እኳ ደኣ “ከይተሃወኽና እዚ ምዕብናለታት ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ምዕዛብ ከድልየና’ዩ” ኢዩ ዝበለ። ልዕሊ 90% ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሕጂ ዘሎ ደሞዝ ዝናበር ስለ ዝኾነ ቸክ ናይ ምጥቃም ግዴታ ኣይከረኻኽበሉን ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ብቸክ ናይ ምጥቃም ዘገድድ ሕጊ “ካብ ሰለስተ ሽሕ ናቕፋ” ንምዕዳግ ንዝጥቀሙ ዝገድድ ኢዩ። ሕዚ ሕጊ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓጎስ ክፈጥረሉ ኩሎ፣ ነቶም ብጭውያን ኩላሊት ናይ ሰባት እንዳ ሽጡ ክናበሩ ዝጸንሑ ገበነኛታት ድማ መርዘን ርእሲ’ዩ። ብኣማኢት እሽሓት ጉቦ ክሓቱ ዝጸንሑ ጎሓላሉ’ውን ኣዲዮ! ተባሂሎም ኣለዉ። ደም ሰብ ክመጽዩ ዝጸንሑ ኣካረይቲ ድማ፣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝመዝመዝዎ ገንዘብ ህዝቢ ሞግስዕ እንዳ መለሱ ይንበሩ። ጥራይ ቀጻሊ ይግበረልና!!!

Received on Tue Feb 16 2016 - 18:57:54 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved