Erigazette.org: ኣብ Y-PFDJ ተወዲብካ ምስራሕ፥ ንነብስኻ ብቕንዕና ምምራሕ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 13 Feb 2016 11:52:00 +0100

    ብ በርሀ በራኺ

February 13, 2016
 
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፕረፈሰር  ሚርያም ፋን ራይስ ሆላንዳዊት ንመስረት ባህልቢ ኣክቲቭ ዝኾነ ኣባል ናይ Y-PFDJ እዩ በዚ መኽንያት ነቶም ኤርትራውያን ኣብዚ መጺኦም ዕቑባ ዝሓቱ፥ ነቲ ዝህብዎ ቃል ናብ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ዘመሓላልፎ ክትብል ንዕኡን ንኻልኦትን ካብ ስርሖም ከምዝሰናኸሉ ገይራ ኔራ በዚ መኽንያት መሰረትን ብጾቱን ኣብ Y-PFdJ ተወዲቦም ንነብሶም ካብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣብ ልዕሊ ካልኦትን ናይ ምጽንጻን ናይ ካልእ ግብረ ሸበራን ስራሕ ከምዘይ ገብር፥ እቲ ዝበለቶ ምስቲ ካልእ ኣንጻር ሀገረ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራ ተዓጢቓ እተካይዶ ዘላ ኣጸላሚ ስራሕ ከተተሓሕዞ ስለ ዝደለየት’ያ።
ኣቶ መሰረት ድማ 27 ጥሪ 2016  ኣብ ቤት ፍርዲ ከቕርባ ምዃኑ ሓቢርና ኔርና። ከሳሲ ኣቶ መሰረት ባህልቢ ነቲ ኣባል ናይ ማሕበር መንእሰይ Y-PFDJ ከምዝኾነን ሰላዪ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኾነን ብረድዮ ገይራ ኣጸሊማቶ ንዝነበረት ንኽትምልስ ብዝተሓተተት፥ ነሳን ጠበቐኣን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘቕረበላ ክሲ መልሲ ትህብ፥ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምክፋእ ጥራሕ’ያ ሃተፍተፍ ትብል ኔራ።
 
ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእስያት ግዜ የንውሓሎም ኣሎ ክትብል ከላ፥ መጀመርታ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንዋሕ እዚ ሳዕበን’ዩ። እቲ ናይዚ ጠንቂ ድማ ናይ ኣልጅርስ ናይ ዶብ ኮምሽን ውዕልን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝተነጽገን ኢትዮጵያ ገና ሰራዊታ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣስፊራ ካብቲ ቦታ ውን ገና ንውሽጢ መሬት ኤርትራ ንምውራር ክንደይ ግዜ ሰራዊታ ኣንቀሳቒሳ።
ሳላ’ቲ ምጥያስ ተሓሪሙዎ ዝበሃል ዘሎ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ እንዳተጸፍዐ ንድሕሪት ይምለስ ኣሎ። ነዞም ናይ ኣገልግሎት ሰራዊት ዋርሳይ ኣጣይስዎም እባ፥ እንዳተባህለ ዝጥራዕ ዘሎ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንኽወርር ዕድል ንኽረክብ ኢለን’የን ምዕራባውያን ሃገራት፥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝተናወሐ፥ መሰል ዋርሳይ ከም ዝተጋህሰ ገይርን ዝገልጻ ዘለዋ። ብዓቢኡ ኸ’ቲ ብውሳኔ ኣባላት ዶብ ኮምሽን፥ ዶብ ተሓንጺጹ፥ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ድማ ሰላምን ምትእምማንን ክመጽእ ዝብለ ዝነበረ ውዕል ኣልጀርስ ስለምንታይ ዘይተተግበረ ኢለን ስለምንታይ ዘይሓተታ?።
 
ድሕሪ ዶብ ምሕንጻጽ እኮ ኤርትራ ምእንቲ ረብሓኣ ኢላ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ 18 ወርሒ ኣይመሕለፈቶን ኔራ። ብሰንኪ ኣብያ   ወያነ ግን፥ ውዕል ኣልጀርስ ክትግበር ኣይከኣለን፥ መንግስቲ  ኤርትራ በዚ መኽንያት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ከናውሖ ይግደድ ኣሎ።
ኤርትራ ካብዘይ ምቕሳን ኩነታት ሰራዊታ ኣብ ግዚኡ ከተጣይስ ዘይምኽኣላ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እንዳፈለጣ፥ ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ዝገብራ፥ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ዝገብራ ዘለዋ? እምበር’ዶ እዚ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቕንዕና’የን ሒዘንኦ ዘለዋ ምዕራባውያን ህገራት?።
 
እቲ ጠበቓ ናይ ሚርያን ፋን ራይስ፥ ኣብ ናይ መሰረት ሕቶን ክሲን ኣትዩ ዝሃቦ ብሩህ መልሲ ድማ ኣይነበረን፥ እቲ ጠበቓ ናይታ ፈላጢት ኤርትራ እትበሃል ጓል ኣዲስ ኣበባ።
 
እተንተ’ቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ተሓቢሮም ምስ መጹ፥ እቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ቃል ድማ ብግብሪ ሪኢናዮ።
 
ኤርትራውያን እቶም ናይ ሓባር ጸላእቲ ዘለዉና ኣብ ሰላም ዝሰፈና ኤርትራ ሓደ ዓይነት ረብሓ ዘለና ከነስና፥ ተፈላሊና ነንበይንና ገለና ኣብ ጎድኒ’ታ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንኽጸንዕ እትጽዕር ዘላ ሰበይቲ፥ ንዕኣ ንምሕጋዝ ምስኣ ኮፍ ኢሎም ኔሮም።
እቶም ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክፍታሕ ኣለዎ እንብል ድማ፥ ኣብ ጎድኒ መሰረት ባህልቢ  ኔርና። ኩልና ኤርትራውያን ስለ ዝነበርና ድማ፥ ብኤርትራዊ መንፈስ ኣብቲ ኮሪዶር ክንትሓላለፍ ከሎና ውን ሰላምታ ንለዋውጥን ሓቢርና ነዕልልን ኔርና። እቶም ቤት ፍርዲ ግን  ክበኣሱን ክትሃራረሙን እዮም ኢሎም አክስትራ ፖላይስ ቀሪቦም ኔሮም። እንተ ንሕና ኤርትራውያን ግን ኩልና ንከይንብኣስ ብኤርትራን ብስዉኣትን ኢልና ሚሒልና ዝመጻእና ኢና ንመስል ኔርና።
 
ከምቲ’ቶም ፈላሊኻ ግዛእ ዝኣመሎም ተመንየሞ ዝነበሩስ ኣይኮነሎምን ብጣዕሚ ዘሕጉስ’ዩ ኔሩ።
መሰረትን ካልኦት ኤርትራውያን እንሕግዞ መንግስቲ ከምዞም ልዕል ኢሎም ዝተገልጹ፥ መራሕትና ሰየጥን ከምዝኾነ’ሞ ንሕና ድማ ከምኦም ሰየጥን ከምዝኾንና ሰማዒ ምእንቲ ክኣምን’ዩ’ቲ ብ ሚዲያ ሆላንድ ኣቢሎም ከመሓላልፍዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ መልእኽቲ። ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኽና ምህራምን ምቕታልን ከምንፍጽም ኣምሲሎም’ዮም ብዓልክብሮም ዳፍላን ካልኦትን ዝገልጹ ዝነበሩ። እንተ’ተን ናይ ሆላንድ ሚዲያ’ሞ፥ ዝምድና ኤርትራን ሆላንድን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ንቡር ምስ ተመልሰ፥ ነቲ ብዛዕባ ሓቅነት መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢን ዝፈልጥኦ   ዝነበራ፥ ጽባሕ ባዕለን ክገልጽኦ’የን። እቲ ናይ ሎሚ ግዝያዊ ጸገም እዩ። ኣብ መንጎ 2 መንግስታት ዲፕሎማስያዊን ንግዳዊን ዝምድና ዘይምህላው’ዩ። ኩሉ ወያነ’ዩ ገቢቱዎ ዘሎ። እዚ ግን ግዝያዊ ከይኮነ ኣይክተርፍን’ዩ።
 
ብዛዕባ Y-PFDJ  ድማ እዚ ማሕበር መንእስያት’ዚ  ሃልዩ ንመንእስያት ኤርትራውያን ጠርኒፉ በቲ መንፈስን መትከል ህዝባዊ ግንባር ኣስተምህሮ እንተዘይህብ ኔሩ፡ ሎሚ መንእስያት ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ዘለዉ ናይ ዝተፈላለዩ ግብረ-ሸበራ ጉጅለታት ተኸተልቲን መሳርሒን ኮይኖም፥ ምሃለዉ ኔሮም። ከምኡን ውን ኣብ ሓሽሽን መስተን ስርቂን ኮይኖም ንዝነብሩለን ሃገራትን ንጎረባብቶምን ክርብሹን ከርዕዱን ምነበሩ ኔሮም።
 
ሳላ መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኾነ ኤርትራዊ ብማሕበር መንእሰይ ኣምበሳደራትን ኣቢሉ መንእስያት ኤርትራውያን፥ ኣብ ገበን ዘእቱን ዘጸይፍን ዘርዕድን ተግባራትን ዘይሕጋዊ ስራሕ ከይንፍጽም ዝመክርን ዘጠንቅቕን ዝመርሕን ማሕበር መንእስያት’ዩ።
ናይ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታት ኣብ ሆላንድን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብሩ ከምዚ ናይ ኤርትራውያን ዕድል ስለ ዘይረኸቡ መሳርሒ ናይ ግብረ-ሸበራን ካልእ ገበናዊ ስራሓትን ክዋፈሩ ይርኣዩ’ለው። ኤርትራውያን ግን ካብ’ቶም ብገንዘብን ብሃይማኖትን ኣታሊሎም ኣብ ግብረሸበራ  ስራሕ ዘዋፍሩ ጉጅለታት ነጻ ኮይኖም ብሰላም ይነብሩ’ለዉ። በዚ ድማ መንግስቲ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ን Y-PFDJን ንመንግስቲ ኤርትራን ከመስግኖም’ዩ ዘለዎ። መሰረት ድማ ናይ’ዚ ማሕበር መንእሰይ ኣባላል ብምዃኑ ናይ ዝኾነ ካልእ ኣብ ዓለምና ዘለዉ ጉጅለታት ግበረሸበራ ተኸታሊ ብዘይምዃኑ ኩልና ኣዕሩኽቱን ስድራኡን ኩሩዓትን ቅሱናት ኢና ሓውናን ወድናን መሰረት ኣብ Y-PFDJ ተወዲቡ ስለ ዝሰርሐ።
 
ዓወት ንሓፋሽ!!
 
Received on Sat Feb 13 2016 - 05:52:01 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved