Alenalki.com: ”ከም ኲናት ምጽዋዕ፡ ዝተሓመሰ ኲናት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ” ካብ ትረኻታት ሓደ ኢትዮጵያዊ ምሩኽ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 11 Feb 2016 23:15:55 +0100

”ከም ኲናት ምጽዋዕ፡ ዝተሓመሰ ኲናት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ” ካብ ትረኻታት ሓደ ኢትዮጵያዊ ምሩኽ

  • Sunday, 07 February 2016

ካብ መጽሓፍ፡ ’’ሞት የተፈረደባቸው፡ 17 ሽሕ የኢትዮጵያ ሰራዊት’’

”ስርሒት ፈንቅል” እቲ ንስርዓት ደርግ ኣብ ምውዳቕ ዓቢ ተራ ዝነበሮ፡ መስተንክራዊ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ብምድምሳስ እዚ ናደው ሰለው-ለው ዝኣተዎ ደርግ፡ ባጽዕ ሓራ ምስ ኮነት፡ ተጠሊዑ ”ደጊም ኣኽለ! ብጎሮርና ተታሒዝና” ዝበለሉን ጩራ መላእ ሓርነት ኤርትራ ዝተንጸባረቐሉን ኤርትራዊ ዓወት’ዩ ነይሩ። በቲ ህሞት፡ ኣብራኽ ሰራዊት ደርግ ሓንሳብን ንሓዋሩን ረሸሽ ክብለን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ዳንጋታት ህዝባዊ ሰራዊትን ህዝብን መመሊሰን ሰሰናን ፈርዘናን፣ ናዕሪተን ኣበርትዓ፣ ሓይለን ኣደልደላ፣ ”ኣጆና! ዓወት ቀሪባ!” ኣድመጻ። ብርግጽ! ብሳላ’ዞም ተበግሶታት፡ ብሉጻት ጀጋኑ መስዋእቲ ብምኽፋል፡ ስርሒት ፈንቅል ክውን ኮይኑ።

ዝንታወ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ”ስርሒት ፈንቅል” (ብምኽንያት ”ስርሒት ፈንቅል” ይጸሓፍ ስለ ዘሎ) ድማ ብፍላይ ተጀሚሩ ደኣ’ምበር፡ ኩሉ ተዘርዚሩ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። እቲ ተበጊሱ ዘሎ ስነዳ ታሪኽ ክቕጽል ለበዋና እዩ። እዚ ኮይኑ ግና፡ ኣብ ኤርትራ ብዝነበሩ ወተሃደራት ደርግ ነበር፡ ገለ ገለ መጻሕፍቲ ተሓቲሞም ይወጹ ኣለዉ። እቶም ዝሕተሙ ዘለዉ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ገለ ገለ ክፋሎም፡ ታሪኽ ክበሃሉ ዘይከእሉን፡ ንጸሓፍቶም በብዝጥዕም ይጸሓፉ ስለ ዘለዉ፡ ታሪኽ ከይጥምዘዝን ብዘይ ግቡእ ከይስነድን፡ ባህላዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ቤት ጽሕፈት ስነዳን ምርምርን፡ ምሁራት ታሪኽን ተመራመርትን፡ ኣብ ምክትታሎምን ገምጋም መልሲ ኣብ ምሃቦምን ክነጥፉ፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

Fenkel 1ሓደ ካብኦም፡ ኣብ ”ስርሒት ፈንቅል” ዝተማረኸን ”ሞት የተፈረደባቸው 17 ሺህ፡ የኢትዮጵያ ሰራዊት” (ንሞት ዝተፈርዱ፡ 17 ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ) እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ዝተባህለ እዩ። ነታ መጽሓፍ ምስ ኣንበብክዋ ትረኻኣ ኣዝዩ መሲጡኒ። ጸሓፊ ኣብ ”ስርሒት ፈንቅል” ባጽዕ ብኣካል ብምንባሩ፡ ብሓፈሻ ን’’ስርሒት ፈንቅል”፡ ስዕረት፡ ዓወት፡ ሓያል ግጥማት፡ ኣኼባታትን ርክባትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግን ሓይሊ ህዝባዊ ግንባርን እዩ ብደቓይቕ፡ ሰዓትን ዕለትን ተሪኹ። እቲ ኲናት ክሳብ ክንደይ ሓያልን ፈታንን ምንባሩ ድማ፡ ነታ መጽሓፍን ንስርሒት ፈንቅልን እትትርኽ ቪድዮ ህዝባዊ ግንባርን ምስ ተዓዘብካ፡ ብሓይሊ፡ ተዓጻጻፍነትን ጅግንነትን ህዝባዊ ግንባር፡ ትድነቕን ትሕበንን። ”ስርሒት ፈንቅል” 1 ታንክ ህዝባዊ ግንባር፡ ን2-3 ታንክታት ኢትዮጵያ ዝገጠመትሉ፣ ኣብ መንጎ ምሉእ ቀረብ ዕጥቅን-ስንቅን ዘለዎን ዕጥቂ ጸላኢኡ ብምምንዛዕ ዝገጥም ሰራዊትን፣ ኣብ ዝደለዮ ሰዓትን ቦታን ወተሃደርቱ ዘዋፍርን ሰራዊቱ ዝበቅቕን፣ ዘራይ ዘለዎ ሓይልን ዘራይ ዘይብሉን፣ ብሚጋትን ሄሊኮፕተራትን ቦምባታት ዝድርብይን ጸረ ነፈርቲ ረሻሽ ጥራይ ዝውንን. . . ብሓጺሩ ሰብን ሓጺንን ዝተራጸምሉ ደማዊ ኵናት እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነ። ምኽንያቱ፡ ማንም ካልእ ሓይሊ ክሰርሖ ዘይኽእል ትንግርታዊ ፍጻመ ብምዃኑ። ”ስርሒት ፈንቅል” ስርሒት ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን።

ጸሓፊ፡ ”ኲናት ምጽዋዕ ብ8 ለካቲት 1990 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 2:10 ተኸፍተ” ይብል። ቀጺሉ፡ ኣብ ብዙሓት ኲናት ተሳቲፉ ክነሱ፡ ነቲ በርቃዊ መጥቃዕቲ መግለጺ ብዝሰኣነሉ ኣገላልጻ፡ ”ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሰሚዕዎን ኣጋጢምዎን ዘይፈልጥ ዓቢ ሓደጋ ወረዶ። ቀይሕ ባሕሪ ብብልጭታታት ከቢድ ብረት ሻዕብያ፡ ቀትሪ መሰለ። እቲ ሃንደበታዊ ጽፍዒት፡ ኣብ ሰራዊት ደርግ ኣዘዝትን ሓያል ራዕዲ ከም ዝፈጠረ ብምግላጽ፡ ”ኣብ ሰሜን ዝርከብ መእዘዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጢዖ ክሳብ ቅሩራ ዝርከብ ሓለዋ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ኣባላት ናቫል ቤዝን፡ በዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ረዓዱን ሰንበዱን” ብምባል፡ ንሓደገኛነት’ቲ ስርሒት ብኣድናቖት ይገልጽ።

ተራኺ ኣስዒቡ፡ ”ሻዕቢያ፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሱ፡ ምስ ናይ ምጽዋዕ ዝዳረግ፡ ኲናት ኣብ ባሕሪ ኣካይዱ ኣይፈልጥን እዩ” ብምባል ምስክርነቱ ድሕሪ ምሃብ፡ ጀላቡ ሻዕቢያ፡ ኣዝየን ነኣሽቱ ምዃን ይፈልጡ ክነሶም፡ በቲ ሃንደበትነት፡ ኩሎም ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ምድርን ምሒር ከም ዝሰንበዱ ይውስኽ።

*** *** ***

ብመሰረት ትረኻ ጸሓፊ፡ ኲናት ብውዕዉዕ እናቐጸለ፡ ”መበል 29 ዘርኣይ ደረስ ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሻዕብያ መጥቃዕቲ ፈነወ። ሻዕብያ ግዜ ከይሃበ፡ መዋግኢ ቦትኡ ገዲፉ ኣስታት 3 ኪሎ ሜትር ኣዝለቐ። እንተኾነ፡ እቲ ኩነት (ሃዋህው) ብቕጽበት ተለወጠ። ሻዕብያ ዘንሰሓበ፡ መጥቃዕቲ ኣብዮታዊ ሰራዊት ልዕሊ ዓቕሙ ኮይንዎ ዘይኮነ፡ ወተሃደራዊ ስልቲ’ዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ፡ ሻዕብያ ብዝወጠኖ ስልቲ ኣኳሊሙ፡ ነቲ ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ኣብ መጻወድያኡ ኣእተዎ። ብድሕሪኡ ኮይኑ ድማ፡ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወሉ፣ መውጽኢ ከም ዝስእን ገይሩ፡ ዓገቶን ከም ዘየላቡ ገይሩ ቀተሎን” ይብል፡ ምሩኽ’ቲ ስርሒት ነበር፡ ጸሓፊ ታደሰ።

ንሱ፡ ምስ ኣዛዚ 6ይ ክፍለ ሰራዊት ጀነራል ተሾመ ተሰማ ኮይኑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ብምንባሩ፡ ምቕንጻል መበል 29 ዘርኣይ ደረስ ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ጀነራል ሑሴን ከም ዝሰምዖን ተቖጢዑ፡ ሽዑ-ንሽዑ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ክድብድባ፡ 6 ሚጋት ከም ዝኣዘዘን ይሕብር። ብህጹጽ ዝመጻ እተን ነፈርቲ ኲናት፡ ”ኣብቲ ከባቢ ብጻዕቂ ቦምባታት ኣዝነባ። ሻዕብያ ዙ-23 ጸረ-ነፈርቲ ተጠቒሙ፡ ነተን ሚጋት ኣብ ምቅዋም ዝከኣሎ ፈተነ። ነዚ ጥምጥም ኣብ ምክትታል ዝነበሩ ጀነራል ተሾመ፡ እቲ ኲናት መልክዑ ዝቐየረ ስለ ዝመሰሎም፡ ድሃይ ክገብሩ፡ ንኣዛዚ’ቲ ሜካናይዝድ ብሬድዮ ረኸብዎ። እንተኾነ፡ መልሲ’ቲ ኣዛዚ ከም እተጸበይዎ ኣይነበረን” ክብል፡ ጸሓፊ ዝሰምዖ ይትንትን።

”ዘገርምን ኣዝዩ ዘሕዝንን’ዩ! መብዛሕቱ’ቲ ብነፈርቲ ዝተደርበየ ቦምባ፡ ንኣባላት ኣብዮታዊ ሰራዊት’ዩ ኣህሊቑ! እንታይ ኣቢስና? ወረ እንታይ ጉድለት ፈጺምና ጎይታይ?!” ኢሉ እናስቆርቆረ ብምሕታት፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኲናት፡ ፍረ-ኣልቦን ናብ ወገን ሰራዊት ዝዓለመ ምንባሩ ከም ዝመለሰሉ ይምስክር።

*** *** ***

ኲናት እናተኻየደ፡ ንስፍሓትን ቅልጣፈን’ቲ መጥቃዕቲ ዝተገንዘበ ጀነራል ተሾመ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ”ኣብዚ ኲናት፡ ንሻዕብያ ብነፈርቲ ኲናት ጥራይ ኢና እንበልጾ። እንተ ኣብ ካልእ ግና፡ ሻዕብያ ካባና ሓይሉን በሊጹን ንምርኣይ’ዩ ዝፍትን ዘሎ። ብናተይ ግምት፡ ሻዕብያ በይኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተዘይተጋግየ፡ ናይ ሱዳን፡ ሊብያን ግብጽን ደገፍ ከይሃለዎ ኣይትርፍን እዩ” ክብል፡ ስዕረትካ ካብ ዘይምቕባል ዝነቐለ ትንታነ ከም ዝሃበ ኣስፊሩ።

*** *** ***

Fenkel 2መጽሓፍ፡ ”ሞት የተፈረደባቸው 17 ሺህ፡ የኢትዮጵያ ሰራዊት” ፍጻመ ነፍስ-ወከፍ ዕለትን ግዜን ስርሒት ፈንቅል’ያ ኣስፊራ። ኣብ ውሽጣ ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዝበልናዮም ኢና ጠቒስናዮም ዘለና። ቅንያት ፈንቅልን ደቂ ፈንቅልን ኣፈነቓቕላ ሰራዊት ደርግን ዝትረኸሉ፣ ንግደት ዝኽርን ሓበን ስለ ዝኾነ። ንቐጽል፣ ኣብቲ መሪርን ዘየናሕስን ወቕቲ ”ስርሒት ፈንቅል”፡ ኲናት ናብ ዞባይ ኣይተዘርግሐን ኢሉ፡ ኣብ ተዛነ ዝነበረ፡ መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ሃንደበት፡ ሰራዊቱን ንብረቱን ጠቕሊሉ፡ ካብ ከባቢ ፎሮ ናብ ባጽዕ ክግዕዝ፡ ብጀነራል ተሾመ፡ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝገለጸ ጸሓፊ፡ እቲ ሜካናይዝድ፡ ትእዛዙ ንምፍጻም ባጽዕ ከም ኣተወ ይሕብር። ብመሰረት ትንታነ ጸሓፊ፥

”መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ዶገሊ ሓራ ከውጽእ ትእዛዝ ተቐቢሉ፡ ኣጋር ተዋጋኢን ካልኦት ክፍልታትን ብታንከኛን ኣሃዱ ስለያን እናተመርሐ ተበገሰ። 2 ኪሎ ሜትር ከይቀጸለ፡ ኣሃዱ ስለያ ሻዕብያ ክከታተልዎ ጸኒሖም፡ ሃንደበትን በዚ መጸ ዘይበሃልን ቦምባታት ከበድቲ ብረት፡ ቢኤምን ዙ-23 ጸረ-ነፈርትን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሜካናይዝድ፡ ከም ሓዊ ዘነቡ። እቲ ሜካናይዝድ ብወገኑ፡ ዓጸፋ ቦምባታት እናወንጨፈ፡ ንቕድሚት ሰጎመ” ይብል፡ ብደቂቕ ክሳብ ኣሰላልፍኡ ከይተረፈ ብምትራኽ።

መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድ ብምሕያሉ፡ ኲናት ጸዓቐን ጸንከረን። ካብ ምጽዋዕ 14 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከባ ቦታ፡ ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ከም እተራኸቡን ክልቲኦም ተፋጠጥቲ ሰራዊት፡ ካብ 20 ክሳብ 100 ሜትር ኣብ ዝርሕቀቱ፡ ኣብ ጥምጥም ኲናት ክሳብ ኢድ-ብኢድ ከም ዝኣተዉ፣ ጥይት ዝወድአ ብኻራ (ሳንጃ)፡ ብቦምባ ኢድን ብዶሽካታትን ከም እተፈነጃጀሩ ብምጥቃስ፡ ዋላ’ውን፡ እቲ ብኸበድቲ ብረት ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፡ ኢድ-ብኢድ ይመስል ከም ዝነበረ ዘርዚሩ ይሕብር። ኣብ መወዳእታ፡ ”መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድ ሰሚርሉ፡ ኣብ ውሽጢ 90 ደቓይቕ ንዶገሊ ተቖጻጸራ” ይብል።

ጸሓፊ ቀጺሉ፡ ”ነዚ ብስራት ዝተሰምዑ ጀነራል ተሾመ፡ ምሒር ተሓጎሱ። ንኦፕረይተሮም ጸዎዖም፡ ን2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊትን መክት እዝን፡ ምሕራር ዶገሊ ክሕብር ኣዘዝዎ። ጸሓይ ጓህሪ መሲላ፡ ናብ ምዕራብ ገጻ ትዕዘር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኲናት ገና ከይሃድአ፡ ጀነራል ተሾመ፡ ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዶገሊ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት፡ ብክሻፋ ይዕዘቡ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብልቢ ክሕጎሱ ተራእዩ፣ ፍሽኽ-ሽኽ ከኣ፡ በሉ” ብምባል፡ ጸሓፊ፡ ነቲ ዝነበረ ህሞት፡ ብዓወትን ሓጎስን ክገልጾ ጸኒሑ፥

”እቲ ሓጎስ፡ ሰዓታት ኣይጸንሐን” ይብል’ሞ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ንዶገሊ ዝገደፋ፡ ዓቕሙ መዚኑ ምዃኑ ይገልጽ። ምስ’ዚ ኣተኣሳሲሩ፡ ”ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኮነ ግን፡ ሻዕብያ ብሜካናይዝድን ኣሃዱታት ኮማንዶን ተዓጂቡ፡ መልሰ-መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ ሓያል መጥቃዕቲ ፈነወ። ሻዕብያ፡ ብዙሓት ታንክታት፡ ድሩዓት መካይንን ቢቲኣርን ብምኽታት፡ ኣብ ኣጋር ኲናትን ኣተዃኹሳ ከቢድ ብረትን፡ ካብ ኣብዮታዊ ሰራዊት በሊጹ ዝተንጸባረቐሉ ኲናት ነበረ። ነዚ መጥቃዕቲ፡ መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድን ናይ 3ይ ሜካናይዝድ ታንከኛ ክፍለ ሰራዊትን ብሓባር ኮይነን እንተገጠመኦ’ኳ፡ ክምክትኦን ከፍሽልኦን ግን ኣይከኣላን” ኢሉ ድሕሪ ምታራኽ፥

”በቲ ዝተኻየደ ኲናት፡ ምሸት 7፡45 ሻዕብያ ዳግማይ ንዶገሊ ተቖጻጸራ። ካብ ዶገሊ ሓሊፉ’ውን፡ ንምጽዋዕ ክሳብ 20 ኪሎ ሜትር ዝተርፎ ተጸግዓ” ብምባል፡ ንብልሕን ስትራተጂን ኲናት ህዝባዊ ግንባር ይገልጽ። ”ወተሃደራት መበል 27 ሜካናይዝድ ብርጌድ፡ ዝጨበጥዎ ዓወት ተመንዚዖም፡ ምዉታትን ቁሱስላትን ኮኑ። መብዛሕቶም፡ ጠርናፊ ዘይብሎም ፋሕ-ብትን ኢሎም፡ ናብ ምጽዋዕ ሃደሙ። ሻዕብያ፡ ብዝወሰዶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፡ ሓያልነቱ ኣረጋገጸ” ኢሉ ይትንትን’ሞ፡ ጀነራል ተሾመ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ብዝረኣዮን ዝሰምዖን ፍጻመ፡ ኣዝዩ ከም ዝሰንበደን ንጀነራል ሑሴን’ውን ከም ዝሓበሮን ይጠቅስ። ባህሪ ኲናት ከምኡ ምዃኑ ዝረስዐ ጀነራል ሑሴን፡ ዝብሎን ዝሕዞን ጠፊእዎ፥

”እዚ ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ! ሕጂ-ሕጂ ’ዶገሊ ካብ ሻዕብያ ናጻ ወጺኣ’ ኢለ ክሳብ ንጓድ ፕረሲደንት መንግስቱ ሃ/ማርያም ሪፖርት ኣቕሪበ፣ 30 ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ዶገሊ ብሻዕብያ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ኢለ ሪፖርት እንተ ደኣ ሂበ፡ መን’ዩ ክኣምነኒ!? ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ! በጃኻ ስለ’ዝግሄር ጀነራል ተሾመ! ዘሎ ኩሉ ሓይልኻ ተጠቒምካ፡ ንዶገሊ ዳግማይ ኪትመልሳ ፈትን?” ክብል፡ እናለመነን እናኣንጸርጸረን ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ፡ ጸሓፊ ዝሰምዖ፡ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ ይርከብ።

*** *** ***

”ኵናት ኣብ ዶገሊ ሓይሉ፣ ብኣብዮታዊ ሰራዊት 90 ታንክታት፣ ብሻዕብያ ድማ፡ 47 ታንክታት ፊት-ንፊት ተፋጢጠን ኣብ ጽዑቕን ከቢድን ታንክ ብታንክ ኵናት ተጸሚደን ነበራ። ኣብቲ ዝተገብረ ምርብራብ፡ 16 ታንክታት ኣብዮታዊ ሰራዊት፡ ምስ መራሕተን ክነዳ ይረአያ፣ ካብ ሻዕብያ’ውን 9 ታንክታት ነደዳ። ኣብዚ ግዜ፡ 4 ነፈርቲ ኲናትን 3 ተዋጋእቲ ሄሊኮፕተራትን፡ በብእብረ እናተመላለሳ፡ ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ቦምባታት ኣዝነባ። ሻዕብያ ግን፡ ፈልከት (ነቕ) ክብል ኣይከኣለን። ነቲ ብመሬትን ሰማይን ዝወርዶ ዝነበረ ዳርባታት ቦምባ ጸይሩ፡ መእዘዚ 6ይ ነበልባል ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ፡ ፎርቶ ዝበሃል ቦታ ተቖጻጸሮ። ኣብኡ ኮይኑ፡ ናብቲ ፋሕ-ብትን ኢሉ ናብ ኣማተረ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣብዮታዊ ሰራዊት፡ ብረቱ ብምቕናዕ፡ ጠያይቲ ኣዝነበሉ። ኣብ ውሑዳት ደቒይቕ፡ ሜዳ ኣማተረ ደም ወሓዞ” ብምባል፡ ጸሓፊ፡ ንኣስካሕካሕ’ቲ ኲናት ይትርኽ።

”ከም ኲናት ምጽዋዕ፡ ዝተሓመሰ ኲናት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ” ካብ ትረኻታት ሓደ ኢትዮጵያዊ ምሩኽ

”ሻዕብያ፡ ንመዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ታሪኹ ጨቢጥዎ ዘይፈልጥ ዓወት ተጎናጸፈ”

”10 ለካቲት 1990 ሻዕብያ ሓያል ኵናት ዘካየደላ ዕለት’ያ ነይራ። ብሓቂ ንምግላጽ፡ እቲ ኵናት፡ ብዓቕሚ ሻዕብያን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኣይመስልን። ብፍላይ፡ ካብ ሰዓት 8:00-9:30 ረፋድ፡ ን90 ደቓይቕ ዝኣክል ዝተኻየደ ኵናት፡ ነቲ ብታሪኽ እንሰምዖን ብፊልም እንርእዮን፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ናዚ ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ዝተኻየደ ኵናት 2ይ ዓለም’ዩ ዝመስል’’ ብምባል፡ ፍሉይነትን ሓያልነትን ፍጻመ’ታ ዕለት ይጠቅስ።

*** *** ***

ኣብ ካልእ ገጽ፡ ጸሓፊ መስተንክር ካብ ዝበሎን ዝተረኾን ነዚ ዚስዕብ ኣስፊሩ ይርከብ። ኣብ ምጽዋዕ ሓያል ኲናት ከም እተኻየደ ብምግላጽ፡ ”4 ታንክታትን 3 ቢቲ ኣር ድሩዓትን ሻዕብያ፡ ብጥዋለት ኣቢለን ምጽዋዕ ኣተዋ። ብዝከኣለን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣብዮታዊ ሰራዊት ከቢድ ጭፍጨፋ ኣካየዳ። ብተወሳኺ፡ ምስ’ተን ታንክታት ሰሊኾም ዝኣተዉ 25 ተዋጋእቲ ሻዕብያ እናዘለሉ፣ ዶሽካ እናተኮሱ፡ ብባርዕ ነቲ ከባቢ ሓመስዎ። እንተኾነ፡ ኮለኔል በላይ ኣስጨንቄ ዝመርሖ ሰራዊት፡ መልሰ-መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ ታንክታትን ኣባላትን ሻዕብያ ሓደጋ ኣውረደ” ድሕሪ ምባል ቀጺሉ፥

”ካብ’ቶም ሰሊኾም ዝኣተዉ ተዋጋእቲ ሻዕብያ፡ ሓደ ነብሰ ቅትለት’ዩ ፈጺሙ። ንሱ፡ ንእሽቶ ሬድዮ ርክብ ዝሓዘ፡ መራሕን ኣዋጋእን’ዩ ነይሩ። ውጥኖም ምፍሻሉ ምስ ተገንዘበ፡ ነታ ሬድዮ ኣብ ክሳዱ ብምግባር፡ ብናይ ኢድ ቦምባ ነብሱ ፈንጂሩ” ይብል’ሞ ጸሓፊ፡ እቲ ኮለኔል፡ ”ከመይ ዝበለ ጨካን ተዋጋኢ’ዩ! ከመይ ኢሉ፡ ሓደ ወዲ ሰብ ንቦምብ ከም ባኒ ይኹልስ!” ከም ዝበለን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብገዛእ ቦምባኡ ዝተሰውአ ሓርበኛ፡ ፍሉይ ኣድናቖት ከም ዘርኣየን ይትርኽ።

*** *** ***

”ንግሆ ሰዓት 9፡00 እዩ ነይሩ። ነፈርቲ ኲናት ትሕት ኢለን ብምብራር፡ ኣብ ዕዳጋን ከባቢኡን ቦምባታት ኣዝነባ። ጸረ-ነፈርቲ ሻዕብያ’ውን፡ ንሰማይ ኣናወጾ። ኣብዚ ናይ ፍርቂ ሰዓት ደብዳብ፡ ብዙሕ ህይወት ሓለፈ። ኲናት፡ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 9፡00 ብምክያዱ፡ ንምጽዋሩ ዕረፍቲ ዘይህብን ከቢድን ነይሩ። ብዘይ ምቊራጽ፡ ን5 ሰዓታት ምጽንሑ፡ ቀሊል ኣይነበረን”

Fenkel 3”ሻዕብያ ብደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርቲ ኲናትን ኣይተዳህለን። ኩሉ ኣጽዋሩ ኣወሃሂዱ፡ ’ሓይሊ ባሕሪ ንምቊጽጻር ወይ ሞት!’ ኢሉ፡ ዝሰልጠኑ ኮማንዶታት ኣኽቲቱ ንቕድሚት ገስገሰ። ኣብዮታዊ ሰራዊት፡ ኣዝዩ ተሃስየ። ሻዕብያ፡ ንመዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሩ፡ ኣብ ታሪኹ ጨቢጥዎ ዘይፈልጥ ዓወት ተጎናጸፈ” ብምባል፡ ንዓወት ምጽዋዕ የበስር። ኣብቲ ብ12 ለካቲት 1990 ዝተኻየደ ኲናት፡ ብርጋዴር ጀነራል ጥላሁን ክፍሌ፡ ብርጋዴር ጀነራል ዓሊ ሓጂ፡ ካፕቴን ጸጋየ መኮነንን ካልኦት በዓል ካልእ ማዕረግን ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ (ጸሓፊ ሓደ ካብኦም እዩ)፡ ከም እተማረኹ ቃሉ ሂቡ።

*** *** ***

ከተማ ምጽዋዕ፡ ንምቊጽጻር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ድማ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ይትንትን። ”እቲ ሓደ ንምቊጽጻራ፣ እቲ ካልእ ድማ፡ ንምክልኻላ፡ እታ ከተማ ብናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ተናወጸት። ሚግ 21፡ ሚግ 23ን ኤም-24 ሄሊኮፕተራትን ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ቦምባታት ደርበያ። ንሰን ንሻዕብያ ይድብድባ፣ ሻዕብያ ድማ፡ ብዘይ ንሕስያ ንኣብዮታዊ ስራዊት ይድስቕ። ኣብቲ ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ፡ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ’ቲ ኣስካሕካሒ ኲናት፡ ከተማ ምጽዋዕ እሳተ ጎመራ ዝተፍኣ መሰለት። ብሓቂ ኣብቲ ዕለት፡ ፍጡር ዘበለ ዝተረፈ ኣይመስልን ነበረ” ክብል፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ክሳብ ክንደይ ሓያልን በዳህን ምንባሩ ጠቒሱ።

ጸሓፊ መጽሓፍ፡ ”ሞት የተፈረደባቸው 17 ሺህ፡ የኢትዮጵያ ሰራዊት” ንኣሸቊራሪ ደብዳብ ነፈርቲ ኲናት’ውን ዘርዚሩ እዩ። ”ኣብቲ ግዜ፡ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ዝመስል፡ ፋይዳ ኣልቦ ሓያል ደብዳብ ኣካየዳ። እቶም ኣብ ቀጽሪ ሓይሊ ባሕሪ፡ ዝተደርበዩ ቦምባታት፡ ናብ መሬት ምስ ዓለቡ፡ ማይ ዘፈልፈሉ ይመስሉ ነበሩ” ክብል ዝረኣዮ ምስክርነት ሂቡ።

ሻዕብያ ብዝረኸቦ ዓወት ተሰራሰረ። ብቐትሩ፡ ኣብ ቀጽሪ ሓይሊ ባሕሪ ከበሮ ሓጎስ ደሰቐ። ዕልልታ ብዕልልታ ኮነ። መብዛሕቱ ግዜ ሻዕብያ፡ ሓደ ቦታ እንተ ደኣ፡ ተቖጻጺሩ፡ ጉጅለ ባህሊ ኣምጺእካ ምርኢት (ትልሂት) ምክያድ፡ ፍሉይ ባህሪ ኣለዎ” ክብል ይጠቅስ።

*** *** ***

ኣብ ካልእ ገጽ ጸሓፊ፡ ገና ኣብ ኵናት እናሃለዉ፡ ጀነራል ተሾመ ዝመርሖ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ይትርኽ’ሞ፡ እቲ ጀነራል፡ ”ኣጋጢሙና ዘሎ ኲናት ብዓቕሚ ሻዕብያ ዝካየድ ዘሎ ኣይመስለንን፣ ናይ ደገ ኢድ (ሓገዝ) ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ከም ዝበለን፡ ካልኦት ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ኣባላት፡ ሓደ፡ ኮለኔል በላይ ኣስጨናቂ ዝተባህለ መኮነን፡ ”ኣነ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ብዙሓት ዓውደ ኲናት ተሳቲፈ እየ፣ ከም ኲናት ምጽዋዕ ዝተሓመሰ ኲናት ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ። ብናተይ ግምት፡ ሻዕብያ ብቀሊል ዝብዳህ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዘርጊሑ ዘሎ ሰራዊቱ፡ ካብ ኣብዮታዊ ሰራዊት በሊጹ ተራእዩ ኣሎ’’ ክብል ርእይትኡ ከም ዝሃበን ይገልጽ።

ካብ ተሳተፍቲ’ቲ ኣኼባ፡ ንመልእኽቲ ሻለቃ ሃይሉ ኣየለ’ውን፡ ኣሕጺሩ ብኸምዚ ኣስፊርዎ ይርከብ፥ ”ንሕና ኩሉ ዘማላእና ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ እናሃለና፡ ሻዕብያ ናብዚ ዓቢ ውርደት ምስ ኣውደቐና፡ ኣዝዩ’ዩ ሞራለይ ተተንኪዩ። ጽባሕ’ውን፡ ምጽዋዕ ንምሓዝ ፍሉይ ፈተነ ከም ዘካይድ ዘካትዕ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል ኣስዒቡ፥

”ስለዚ፡ ኩልና ካብቲ ኣብ ወደብ ተኾሚሩ ዘሎ ንረዲኤት ዝመጸ ስርናይ፡ ኣብ ክሻ ብምምላእ ድፋዕና ኣደልዲልና፡ ንሻዕብያ ምቕታልን ምድምሳስን’ዩ ዘዋጽኣና። ብዘይካ ስርናይ፡ መከላኸሊ ኪኾነና ዝኽእል ዝኾነ ካልእ ንብረት የብልናን” ከም ዝበለ ይጠቅስ።

ሓደ ኣዛዚ ብርጌድ’ውን፡ ጀነራል ተሾመ ክዛረብ ዕድል ምስ ሃቦ፡ ”ሻዕብያ ብምንታይ በሊጹ ከም ዝሰዓረና ንፈልጥ ዲና? እዚ ኩሉ ዓቕሚ ኸ ካበይ ኣምጺእዎ? ታንክታት፡ መዳፍዕ ከቢድ ብረትን ኣብ ምሃብን ደጀን ዝኾንዎን፡ ኣዕራብ፡ ሱዳናውያን ወተሃደራት ኢምፐሪያሊዝምን ከይኮኑ ኣይተርፉን” ኢሉ ንስዕረቱ ኣመኽነየ። ካልኦት’ውን ንዕኡ ብምስዓብ፡ ”ሓቁ ኣሎ፣ ተወሳኺ ኣሎኒ” ከም ዝበሉን ይገልጽ።

*** *** ***

ጸሓፊ፡ ድሕሪ ምሕራር ምጽዋዕ፡ ኣብ ምሩኻት ኣተኲሩ፡ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ገለ ካብኡ፡ ”ሻዕብያ፡ ንሕቶ ማይ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ማይ ብቦጥ ኣቕረበ። መኪና ምስ ቀረበት፡ ኩሎም ምሩኻት፡ በብተራ ማይ ከም ዝሰትዩ ተገብረ” ብምባል፡ ዝረኣዮን ዘጋጠሞን ሓልዮት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊ ምሩኻት ይገልጽ። ቀጺሉ፡ ንቊጽሪ ምሩዃት ክሕብር ከሎ፡ ”እዞም 5,680 ምሩኻት፡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥራይ ዝተማረኹ እዮም” ድሕሪ ምባል፡ ነቶም ኣብ ጋሕቴላይ፡ ሰለሙና፡ ዶገሊ፡ ከባቢ ምጽዋዕን ኣብ ቀጽሪ መዓስከር ሓይሊ ባሕርን ዝተማረኹ ከም ዘየጠቓልል ይሕብር።

ተወሳኺ. . .

ካብ ዝኽርታት መንግስቱ ሃ/ማርያም፡ ኣብ ዛዕባ ስርሒት ፈንቅል

”ካብ ምጽዋእ እንተ ወጺእና፡ ካብ ኤርትራ ምውጻእ ማለት እዩ”

መራሒ ደርግ ዝነበረ ኮለኔል መንግስቱ ሃ/ማርያም፡ መንበረ ስልጣን ካብ ዝሕዝ፡ ኩሉ ነገር ብሓይሊ ከተግብር ዝፍትን፣ ጨካንን ጨቋንን መራሒ ምንባሩ፡ ኩልና ንፈልጦ ታሪኽ እዩ። ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ ግፍዒ ኪርሳዕ ዘይክእል ስኑድ ናይ ትማሊ ታሪኽና እዩ። ኮለኔል መንግስቱ ሃ/ማርያም፡ ኣብታ ንታሪኹ እትገልጽ፡ ”የሌተና ኮለኔል መንግስቱ ሃ/ማርያም፡ ትዝታዎች” እትብል ብገነት ኣየለ ዝተጻሐፈት መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ስርሒት ፈንቅል ተሓቲቱ መልሲ ሂቡ ነይሩ።

ጸሓፊት’ታ መጽሓፍ፡ ”ብናትኩም ግምት፡ እቲ ንውድቀት ሰራዊትኩም ዓቢ ተራ ዝነበሮ እትብልዎ ፍጻመ፡ ኣበይ ቦታ ዝተፈጸመ እዩ?” ንዝብል ሕቶ፡ ብንጹር መሊሱ። ”ንውድቀት ሰራዊትና ዓቢ ተራ ዝነበሮ፡ ኣብ ምጽዋዕ ዝወረደና ስዕረት እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ቅድሚ ”ስርሒት ፈንቅል” ተሓሲቦም ወጢኖሞም ንዝነበሩ ምድላዋትን ጥንቃቐታትን ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ቀጺሉ፡ ”ኣስመራ እንተ ደኣ ተታሒዛ፡ ንምጽዋእ ምክልኻል’ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ናይ መወዳእታ ዕርድና ጌርና ዝሓጸናያ ንሳ’ያ ነይራ። ምጽዋእ እንተ ተታሒዛ ከኣ፡ ኩሉ ነገር ኣብቂዑ ማለት እዩ። ካብ ምድሪ እናሳጎጉ፡ ኣብ ባሕሪ ምስ ኣጥሓሉና፡ ትንፋስ ረኺብካ ምምላስ ዝሕሰብ ኣይነበረን” ብምባል ንኣገዳስነት ከተማ ምጽዋዕ ዝትንትን ቃል ሂቡ። ጸኒሑ፡ ”ብቕድሚኡ፡ ከቢድ ስዕረት ዝወረደና፡ ኣብ ናቕፋን ኣፍዓበትን’ዩ ነይሩ” ክብል፡ እምንትኡ ሂቡ።

ኮለኔል መንግስቱ ኣስዒቡ፡ ንሕሉፍን ቀንድን ውጥኖም ኪሕብር ከሎ፡ ”ንሕና ባሕሪ እንተ ደኣ ተቖጻጺርና፡ ዘድልየና ቀረብ፡ ካብ ማእከል ሃገር እናኣምጻእና፡ ዝተመንዛዕንዮ ዓወት ክንመልሶ ንኽእል ኢና። ካብ ምጽዋእ እንተ ወጺእና ግና፡ ጉዳይ ሞይቱ፣ ተወዲኡ፣ ካብ ኤርትራ ምውጻእ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ፈለማ ከረን፣ ግንባር ከረን እንተ ፈሪሱ፡ ኣስመራ፣ ኣስመራ እንተ ተታሒዛ፡ ንምጽዋእ ኣይክንገድፋን ኢና፡ ዝብል መደብ ከም ዝነበረና፡ ንኹሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓቢርና ኔርና” ይብል’ሞ፡ ካብ ግምቱ ወጻኢ፡ ምስ’ዚ ኣተኣሳሲሩ፡ ”እቲ ዘገርም! እታ መወዳእታ ምክልኻል ክንገብረላ ኢልና መደብ ዝሓዝናላ ምጽዋእ፡ ቅድሚ ከረንን ኣስመራን ሓራ ኮይና። ድሕሪ’ቲ ፍጻመ፡ ኩሉ ኣብኡ ኣኽቲሙ፣ ብድሕሪኡ ኩሉ ነገር ተረጊጡ” ክብል፡ ስንቅን-ዕጥቅን ሰራዊት፡ ብወተሃደራውያንን ክራይ ናይ ህዝቢ መጎዓዓዝቲ ነፈርትን ከጎዓዕዙ ከም ኣተገደዱ ሓቢሩ።

ንቕሓት’ዩ ወሳኒ!

Received on Thu Feb 11 2016 - 17:15:56 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved