ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ : ምቕያር ባጤራን ምድራት ምንቅስቓስ ጥረ ገንዘብን

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 10 Feb 2016 18:25:42 +0000 (UTC)

ረቡዕ 10 ለካቲት 2016

ምቕያር ባጤራን ምድራት ምንቅስቓስ ጥረ ገንዘብን


1- ቀንዲ ዕላማታት ምቕያር ባጤራን ምድራት ምንቅስቓስ ጥረ ገንዘብን፦

1.1 ብጥረ ገንዘብ ዚግበር ወጻኢታት ምጉዳልን ትውጊታት ብባንካዊ መሳለጥያታት ከምዝኸውን ምግባርን፡ እቲ ዕላማ ብጥረ ገንዘብ ዝግበር ትውጊታት ንምድራት’ምበር፡ ንግዳዊ ይኹን ውልቃዊ ንጥፈታት ንምድራት ኣይኮነን። ብቸክን ካልእ ባንካዊ መሳለጥያታትን ዝግበር ትውጊታት ዝኾነ ገደብ የብሉን።

1.2 ኩሎም ብጥረ ገንዘብ ይኹን ብሰነዳት ዚግበሩ ትውጊታት፡ ሕጋውን መንግስታውን ግዴታታት ዘማልኡ ምዃኖም ምርግጋጽ።

2.ብቸክን ባንካዊ መሳለጥያታትን (ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ምስግጋር) ዝግበሩ ትውጊታት፦

2.1 ቅድሚ ሕጂ’ውን ከምዝተሓበረ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ትውጊታትብቸክን ካልእ ባንካዊ መሳለጥያታትን ክፍጸም’ዩ።

2.2 ዝኾነ ክፍሊት ብቸክ ክግበር ሕጋዊ’ዩ። ዝኾነ ትካል ወይ ውልቀሰብ ዝኾነ መጠን ገንዘብ ብቸክ ክኸፍል መሰሉ’ዩ።

2.3 ዝኾነ ካብ ናቕፋ 3 ሽሕ ንላዕሊ ዝግበር ትውጊት ብቸክ ወይ ብባንክ ጥራይ ይኸውን።

2.4 እዞም ዝስዕቡ ብመንግስታዊ ትካላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ቀረባትን ብቸክ ወይ ብባንካዊ ምስግጋር ዝፍጸሙ ይኾኑ፦

• ሚኒስትሪ ፋይናንስ - ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ክፍሊ ጉምሩክን

• ቴለኮሙኒከሽን፡

• ቀረብ ኤለክትሪክ፡

• ቀረብ ማይ፡

• ኢንሹራንስ

• ክራይ ገዛ

• ድኳናት ሕድሪ

• ካልኦት ብሚኒስትሪታትን ኣካላት መንግስትን ንዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ቀረባትን ዝግበር ክፍሊታት።

3. ብቸክ ንምስራሕ ዝግበር ምዕንቃፍ ዘኸትሎ ሓያል ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ፦

• ክፍሊት ብቸክ ምቕባል ዝኣበየ፡

• ንሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ብቸክን ብጥረን ነንበይኑ ዋጋ ዝሃበ፡

• ኣብ ባንክ ሕሳቡ ሚዛን ዘይብሉ ቸክ ጽሒፉ ዝሃበ፡ብመንግስትን ባንክታትን ተሪር ስጉምትታት - ከቢድ ገንዘባውን ክሳብ ማእሰርትን ምስራዝ ናይ ንግዲ ፍቓድን ዝበጽሕ - መቕጻዕቲ የስዕብ።

4. ከም ንቡር፡ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት፡ኩሉ ገንዘባዊ ኣታዊታት ኣብ ባንክ ብምእታው፡ ዘድልየካ ከኣ ካብ ባንክ ብምስሓብ ክካየድ’ዩ ዝግባእ። እዚ ስለዝኾነ፡ ካብ ባንክታት ወጻኢ፡ ትካላት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ዘይምኽኑይ ብዝሒ ጥረ-ገንዘብ ሒዞም ምስ ዝርከቡ ብሕጊ ተሓተትቲ’ዮም።

5. ኩሉ ምሽርራፍ ባጤራ ወጻኢ ናብ ናቕፋ ብሕጋውያን ፊናንስያውያን ትካላት ጥራይ ይፍጸም። ካብዚ ወጻኢ ዝካየድ ምሽርራፍ ብሕጊ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ’ዩ።

ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ

10-02-2016
Received on Wed Feb 10 2016 - 13:25:46 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved