(ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ) እቲ ብኩዋ : ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ዝፍለጥ ናይ እምነት ቦታ ዝተሰንዘረ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክሲ: ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ: ኣረጋጊጸ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 9 Feb 2016 12:16:58 +0000 (UTC)

እቲ ብኩዋ (COA): ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ዝተሰንዘረ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክሲ: ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ:ምድረ-ባሕሪ ብዘየዳግም ኣረጋጊጹ!!!

ብ ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ

ኩሉኻትኩም ተኸታተልቲ ምድረ ባሕሪ ከም እትፈልጥዎ: ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚረ ክሳብ ሕጂ: እቲ ብኩዋ (COA) ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ዝቐረበ ክሲ መሰረት ብምግባር: ካብ ዝኾነ ጸግዒ ነጻ ዝኾነ መርመራ ከካይድ ጸኒሐ ኢየ::

ከም’ቲ ብማዕከናት ዜና ሆላንድን ጋዜጣታትን ክቐርብ ዝጸንሐ: እተን ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ተዓሚጸን ዝብሃላ ትሕቲ ዕድመ ዝርከበአን: ልዕሊ 20 ዝኾና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ: ካብ’ቲ ዝወረደን ጾታዊ ዓመጽ ጥንሲ ከምዝሓዛ ‘ውን: ክዝረበሉ ጸኒሑ ኢዩ:: እምበኣር እዚ ክሳብ ሕጂ ከካይዶ ዝጸናሕኩ ነጻ ዝኾነ መርመራ ናይዚ ክውንነት እዚ: ሓቂ ንምርካብ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ መርመራ ኢዩ::

ነዚ ብጋዜጣታት ሆላንድ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ጉዳይ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት መርመራ ከካይድ እንከለኹ: ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡለን መዓስከር ስደተኛታት በጺሐ: ምስ ብዙሓት ናይ ኤርትራ ማሕበረ-ሰብ ኣባላትን መራሕተንን: ብደረጃ ኣኼባን ውልቅን ተመያይጠን ተራኺበን ኢየ:: እዚ ዝተኸተልክዎ ኣገባብ ከኣ: ሓፈሻዊ ተረድኦ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዚ ተፈጺሙ ዝተባህለ ኣጸያፊ ዝኾነ ጾታዊ ዓመጽ: ሓበሬታ ንምእካብን ኣመለኻኽታኦም ኣብ’ዚ ዛዕባ ንምምዛንን ኢዩ ነይሩ::

ከምኡ ‘ውን ክልተ ግዜ: ነቶም ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ሮተርዳም ዝርከቡ: ናይ ገበን ወንጀል መርመራ ሓለፍቲ ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ተራኺበ: ዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ኣካይደን: ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ገይረ ኢየ:: እቲ ግዜ ኸኣ: ነዚ ንምግባር ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዘካየድክዎ ርክብ ኣስታት ክልተ ሰዓት ግዜ ወሲዱለይ ኢዩ:: እቲ ኹሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ዘካየድክዎ ምይይጥን ዝርርብን ከኣ: ብኣውድዮ ሪኮርድ (ድምጺ ተቐሪጹ) ተቐዲሑ: ብስርዓት ተሰኒዱ ዘሎ ኢዩ:: ብዘይካ እዚ ‘ውን: ምስቶም ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ራይስ ቫይክ ዝርከቡ: ናይ ኩዋ (COA) ወከልቲ: ንኽልተ ግዜ ረኺበዮም ኢየ:: ሽሕኳ ምሳይ ተራኺቦም: ካብ ልቢ ዝነቐለ ድልየት ስለ እቲ ዘምጸኣኒ ጉዳይ ክዘራረቡ ቅሩባት እንተዘይነበሩ: ኣነ ግን ደፋፊአ: ስለ’ቲ ጉዳይ ሕቶታት ኣቕሪበ: ዓሚቕን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ክትዕን ኣካይደ ኢየ::

ኣብ’ቲ ብስም ኦራንየ ዝጽዋዕ መዓስከር ስደተኛታትን: ኣብ’ታ ኦራንየ ተባሂላ እትጽዋዕ ቁሸት: ንኽልተ ግዜ በጺሐ ኢየ:: ነተን ኣብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝርከባ: ብትሕቲ ዕድመ ዝተገልጻ: ናይ’ቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ኢየን ዝተባህላ ደቂ-ኣንስትዮ: በብሓደን: ብሓባርን ንነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሕትትን: ብዕላል መልክዕን ዝርርብ ኣካይደ ኢየ::

ብተመሳሳሊ መንገዲ ‘ውን: ማለት:- በብውልቅን ብሓባርን: ነቶም መንእሰያት ደቂ-ተባዕትዮ: ኣብ’ቲ እተን ተዓሚጸን ዝበሃላ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባሉ ቦታ ዝቕመጡ: በቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዓመጽ ንዝህልዎም ሪኢቶን ሓሳባትን ንምፍላጥ: ካብ ኣስታት ሓደ ሰዓት ዘይውሕድ ግዜ ብምውሳድ ዝርርብ ኣካይደ ኢየ::

ነታ ብጋዜጣታት ሆላንድን: ብኩዋን (COA) ማእከል ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመላ ተባሂላ ዝተጠቕሰት: ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ‘ውን: ካብ ኣርባዕተ ግዜ ዘይውሕድ ጉዕዞ ብምክያድ: ብኣካል ከይደ በጺሐ: ውሽጣውን ግዳማውን ኣቛውማኣ ዘይረ ተዓዚበ ኢየ:: ሓደ ሰንበት ከኣ: ኣብ’ታ ቤተ-ክርስትያን ዝካየድ ቅዳሴ ተኻፊለ ኢየ:: ምስቶም ቀንዲ ኣካየድቲ ናይ’ታ ቤተ-ክርስትያንን: ከምኡ ‘ውን ምስቶም ዋና ቀሺ ዝርርብ ኣካይደ ኢየ:: እቲ ዝተዘርበ ዝርርብ ከኣ: ሕብእ-ብእ ዘይብሉን: ቀጥታውን ኮይኑ: ነቲ ግሉጽ ሓቂ ንምርካብ: ንኹሉ ዘቕረብኩሎም ሕቶታት ‘ውን: ብኣገባብን ብዘዕግብን መንገዲ መሊሶምለይ ኢዮም::

እምበኣርከስ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ: ድሕሪ’ቲ ካብ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ርክባትን ዘካየድክዎ ኣገዳስን ወሳንን ዝኾነ ሓበሬታታት: ማለት:- ዝተፈላለየ ኣገባባት ናይ ምርምርን: ክፉትን ብዝእመንን መንገዲ ገይረ ድሕሪ ምእካበይ ኢየ: ውጺኢት ናይ’ዚ ነጻ ዝኾነ ዘካየድክዎ ምርምር: እነሆ ብ”ጋዜጣዊ መግለጺ!!!” መልክዕ ገይረ ሎሚ ዘቕርቦ ዘለኹ::

እምበኣር: እቲ ሓቂ ረኺበዮ ዘለኹ ካብተን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ: ዝኾነት ትሕቲ ዕድመ ተባሂላ ዝተመዝገበት የላን:: ካብተን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ‘ውን: ዝኾነ ዓመጽ ዘጋጠማ ይኹን: ካብ ሓዳራ ወጻኢ ጥንሲ ዝሓዘት ጓል-ኣንስተይቲ ብፍጹም የላን::

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መደምደምታ ክበጽሓሉ ዝኸኣልኩ ኸኣ: ነተን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝነብራ: እዚ ዝስዕብ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ወሳኒ ሕቶ ምስ ኣቕረብኩለን: ካብ’ቲ ዝሃባኒ ወሳኒ ምላሽ ብምግብጋስ ኢዩ:: እቲ ዘቕረብኩለን ሕቶ ኸኣ: ከም’ዚ ዝስዕብ ዝብል ኢዩ ነይሩ:-

ክንደይ ካባኻትክን ኢየን: ኣብ’ዚ መዓስከር ስደተኛታት: ብመዝገብ ትሕቲ ዕድመ ዝነብራ? ክንደይ ካባኻትክን ከ: ጾታዊ ዓመጽ: ኣብ’ቲ ብስም ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ዝፍለጥ ናይ እምነት ቦታ: ኣብ ልዕሌኽን ተፈጺሙክን? ወይ ኣጋጢሙክን? ዝብል ነበረ::

እቲ ቀጥታውን ኣገዳስን ወሳንን ዝኾነ: ካብተን ቃለ-ምልልስ ዘካየድኩለን: ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ: ዝኾነት ካብኣተን ትሕቲ ዕድመ ተባሂላ እትቕመጥ ከም ዘይብለንን: እቲ ቦታ መንበሪ ናይ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ስደተኛታት ምዃኑን: ካብኣተን ይኹን: ካብ ካልእ መዓስከራት ስደተኛታት ከኣ: ዝኾነ ናይ ጾታዊ ዓመጽ በደል: ወይ ገበን ዝተፈጸመላን: ዘጋጠማን ጓል-ኣንስተይቲ ከም ዘየላን: ብዘየወላውል መንገዲ ብንጹር መሊሰናለይ:: እዚ ኸኣ: ብቐጥታ ምስ’ቲ ብኩዋን (COA): ብናይ ነዘርላንድ ጋዜጣታትን ክዝርጋሕ ዝጸንሐ: ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኮሰ ወረታት ከም ዝገራጮ ኢዩ ዘረድእ::

ኣብ’ዚ ኣጥቢቐ ከስምረሉን ክገልጾን ዝደሊ ወሳኒ ነጥቢ ኣሎ:: እዚ ማለት ከኣ:- ኣብ’ቲ ኣብ ዕለት:- 03-02-2016: ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ሮተርዳም: ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ ፖሊስ ዘካየድክዎ ርክብ: ነዚ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ: ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ተፈጺሙ ዝተባህለ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ጉዳይ: እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ ፖሊስ ሮተርዳም ከም ዝሓበሩኒ: ንሳቶም ይጠቕሱ:: ”ንሕና ኣባላት ፖሊስ ገበን ወንጀል መርመራ ሮተርዳምን: ናይ ሮተርዳም ናይ ኣኽባር-ሕጊ ክፍልን: ነቲ ኣብ ጋዜጣታት ነዘርላንድ ዝተናፈሰ ወረ ምርኩስ ብምግባር: ሓቂ ንምርካብን: ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ኢልና: ኣፈናዊ መርመራ ኣካይድና ኢና::” ዝብል ሓበሬታ ኣተንቢሆምለይ ኢዮም::

ይኹን ድኣ ‘ምበር: እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ ገበን ወንጀል መርመራ ሮተርዳም: ሓበሬታኦም ብምቕጻል ከም ዘብርሁለይ: ”ክሳብ ሕጂ ብዝገበርናዮ ኣፈናዊ መርመራ: ተዓሚጸ!!! እትብል: ብግሊ ዝቐረበት ጓል-ኣንስተይቲ ትኹን: ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ: ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ተዓሚጸን!!! ዝብል ትካል ይኹን: ቤት-ጽሕፈት: ክሲ ዘቕረበልና ኣካል ክሳብ ሕጂ የለን:: ኣብ’ቲ ተፈጺሙሉ ዝተባህለ ቦታ ‘ውን እንተኾነ: ነቲ ፍጻሜ ዝምልከት ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ይኹን ኣሰር ኣይረኸብናን::” ክብሉ ኢዮም ኣነጺሮምለይ:: ”ኣብ ከም’ዚ ኩነታት: እንታይ ሒዝና ኢና መርመራ ከነካይድ? እንታይ መሰረት ብምግባር ኢና ኸ? ብዘይተመስረተ ሕጋዊ ክሲ: ሰባት ክንቅይድ ወይ ክንኣስር?” ኢዮም ኢሎምኒ::

ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ ፖሊስ ሮተርዳም ከም ዘረጋገጽክዎ ከኣ: ኣብ ጥሪ 14-2016: ሓደ ዓቢዩ ኣኼባ ተኻይዱ ከም ዝነበረ ኢዩ:: እዚ ንናይ ነዘርላንድ ኪኢላታት ማለት:- ወከልቲ ናይ ኩዋ (COA): ወከልቲ ኒዶስ NIDOS: (እዚ ኒዶስ ዝብሃል ትካል’ዚ: ንትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ዑቕባ ዝሓተቱ መንእሰያት ዝከላኸልን: ዝሕሉን ኢዩ::) ወከልቲ ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን: ወከልቲ ቤት ጽሕፈት: ዋና ኣኽባሪ ሕጊ: ወከልቲ ሃገራዊ ፖሊስ ነዘርላንድ: ወከልቲ ናይ ሮተርዳም ፖሊስ: ወከልቲ ሓለፍቲ ኪኢላታት: ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት: ወከልቲ ተጸዋዒ ስደተኛታት ነዘርላንድ: ከምኡ ‘ውን: ወከልቲ ሓለፍቲ ናይ ቲብሩክ ዩኒቨርስትን: ኣመሓደርቲ ከተማ ሮተርዳምን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ኣኼባ ኢዩ ነይሩ::

እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ትካላትን: ሰብ-መዝን: ኣብ’ቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝተኻየደ ሰፊሕ ኣኼባ: ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽን ንዑኡ ዝመሳሰል ዛዕባታትን ኣልዒለን: ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ከም ዘካየዳ: ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ተፈጺሙ ተባሂሉ ዝተዘርበ ጉዳይ ብዝምልከት ግን: ካብ’ቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ ፖሊስ ሮተርዳም ዝሃቡኒ መግለጺ ዝፍለ መረዳእታን: ሓሳብን ከም ዘይኮነ ብዘየማትእ ሓቢሮምኒ::

ካብ’ዚ ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ፍልይ ዝበለ ጉዳይ ዘረጋገጽክዎ ሓቂ ግን ኣሎ:: ንሱ ኸኣ:- እተን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ቃለ-ምልልስ ዘካየድኩለን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዘብርሃለይ: ”ሓደ ምሸት ንሓንቲ መንእሰይ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ: ኣብ’ቲ ኦራንየ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓስከር ስደተኛታት: ሓቢራ ምሰአን እትነብር: ኣብ’ቲ እትነብረሉ ገዛ: ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘጋጠማ” ኢየን ገሊጸናለይ::

ከም’ቲ መግለጺ ናይተን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን: እታ ግዳይ ዓመጽ ዝኾነት ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ: ከም’ቲ ኩሉ ግዜ እትገብሮ: ካብ ገዝኣ ወጺኣ: ምሕዳራ ናብ ቤታ ምስ ኣተወት: ንኽትድቅስ ክዳውንታ ኣውጺኣ: ናይ ለይቲ ክዳና (ብጃማ) ተኸዲና: መብራህቲ ኣጥፊኣ ንኽትድቅስ ናብ ዓራታ ምስ ወደቐት: ሓደ ገጹ ከተለልዮ ዘይከኣለት ሰብ: ካብ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ትሕቲ ዓራታ ዝወጸ ወዲ ተባዕታይ መጺኡ ከም ዝጎበጣን: ኣፋ ዓቢሱ ከም ዝዓመጻን: ከም ሳዕቤኑ ኸኣ: ዘይተደልየ ጥንሲ ከም ዝሓዘትን: ነዚ ዘጋጠማ ዘይተደልየ ጥንስን ኩነታት ዓመጽን ኣመልኪታ: ነቶም ኣብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝርከቡ ሓለፍቲ ኩዋ ድሕሪ ምሕባራ: ነቲ ብዓመጽ ዝሓዘቶ ድቂ ዘይተደልየ ጥንሲ ‘ኳ እንተተነጸለላ: ነቲ ጉዳይ ንዝፈጸመ ገበነኛ ንምርካብ ዝተኻየደ ፖሊሳዊ መርመራ ይኹን: ቁጽጽርን ሕጋዊ መስርሕን ከምዘይተኻየደ ኢየ ክፈልጥ ኪኢለ:: እዚ ከም ዓቢ ሚስጢር ብሓለፍቲ ኩዋ (COA) ዝተታሕዘ ፍጻሜ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኸኣ: እታ ኣብ እዋን ጥንሲ ምንጻል ዝተርጎመትላ ጓል-ኣንስተይቲ: ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪታ ንኻልኦት ሰባት ስለ ዝተዛረበት: እቲ ኩዋ (COA) ብሚስጢር ዝሓዞ ናብ ግዳም ብምልሓኹ ኢዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ::

ሽሕ ‘ኳ ናይ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ኣመሓደርቲ: ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾነት ጓል -ኣንስተይቲ: ነቲ ዘጋጠማ ዘይተደላዩ ጥንሲ ንኽትንጽሎ እንተተሓጋገዝዋ: ከም ዝተነግረኒ እዚ ዓቢ ገበን: እሞ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዝተፈጸመ ገበን: ናብ ዝኾነ ይኹን መደበር ፖሊስ ንኽጻረ ኢሎም ኣየሕለፍዎን:: ንባዕላቶም ‘ውን ጽንኩርን: ብሰነድ ዝተታሕዘ መርመራ ኣየካየዱን:: እዚ ፍጻሜ እዚ ብዘየማትእ መንገዲ ዘርእየና: ናይ ኩዋ (COA) ሓለፍቲ ምምሕዳር: ብሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳን: ብሕጊ ዘሕትትን መንገዲ ዝሰርሑ ምዃኖም ኢዩ:: እዚ ኸኣ: ሕጋዊ ተሓታትነት ዘኸትል ገበናዊ ፍጻሜ ኢዩ::

በቲ ሓደ ወገን ከኣ: ዝኾነ ቅንጣብ መረጋገጺ ዘየለ እንከሎ: ካብ’ቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት: ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምወን ዝበልወን ደቂ-ኣንስትዮ ዝዘርግሕዎ ወረ: ንቐንዲ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ኢሎም: ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ከም ዝበሉሉ: ኣብ’ቲ ዝተዘርገሐ ወረ ተዓዚብና ኢና::

እምበኣርከስ: ድሕሪ እዚ ኹሉ ንጹር መብርሂ ምሃበይ: እቲ ኣንጻር ኦርቶዶክሳዊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም ዝተወርየ ወረ: ኣብ ዘየጠራጥር ሓሶት ዝተሞርኮሰን: ዝተኣልመን ምዃኑን: እቲ ዕላምኡ ኸኣ ንሓደ ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምስሳይ ኮይኑ: ካብ’ቲ እገዳ ኣንጻር ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሓሶት ዝተሞርኮሰ: ንሃገረ ኤርትራ ስማ ኣጥፊእካ: ብቁጠባዊ ማሕንቆ ክሳዳ ሓኒቕካ ንምድኻማ ዝካየድ ዘሎ ስዉር ተልእኾ: ዝተፈልየ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን::

ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣብ’ዚ ዘካየድክዎ ናይ መርመራ ስራሕ: ብዘየማትእን ብዘየወላውን መንገዲ: ኦርቶዶክሳዊ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም: ካብ’ዚ ብጋዜጣታት ነዘርላንድን: ኩዋን (COA): ኣብ ሓሶት ዝተሞርኮሰ ጸለመን ክስን: ዝኾነ ክንዲ ፍረ ኣድሪ!!! ‘ውን ትኹን: ዝተመራስሐ ኢድ ከም ዘይብሉ: ምሉእ ብምሉእ ንጽህናኡ ዝሓለወ: ነጻ ምዃኑ ኢየ ኣረጋጊጸ::

እቲ ሓቂ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ካብ ኮነ: ኩዋ (COA) ይኹን: ናይ ነዘርላንድ ጋዜጣታት: ከምኡ ‘ውን: ኩሎም ናይ ነዘርላንድ መንግስታዊ ትካላት: ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መንገድን: ንኦርቶዶክሳዊት ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም: ኣብ ምጽላምን ምንዋርን ዝተኻፈሉ: ብዘይ ውዕል ሕድር: እቲ ሓቂ ብጋዜጣዊ መግለጺ ክፉት ዝኾነ ይቕሬታ: ንኦርቶዶክሳዊት ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳምን: መራሕታን ኣካየድታን: ኣብ ውሽጣ ዝቕድሱ ኣቕሽሽትን ድያቆናትን: ከምኡ ‘ውን: ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ሆላንድ ተዓቒቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት: በዚ ጉዳይ ንዝተተንከፉን ዝተጎድኡን ኩሎም: ይቕረታ!!! ክሓትዎምን: ብሕጋዊ መንገዲ ኸኣ: ክኽሕስዎምን ይግባእ!! ክብል ምድረ ባሕሪ ጻዊዒቱ የመሓላልፍ::

ዝርዝራዊ ሰፊሕ መግለጺ: ብመልክዕ ጸብጻብ ክቐርብ ስለ ዝኾነ: ኣብ ዝመጽእ ተኸታተሉ:-
Received on Tue Feb 09 2016 - 07:16:59 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved