ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልቲ:ዘካየድክዎ ምንቅስቓሳት!!

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 6 Feb 2016 20:16:52 +0000 (UTC)

ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልቲ:ዘካየድክዎ ምንቅስቓሳት!!

ብ ዶርስ. ጸገዘኣብ ገብረገርግስ

ውጺኢት ጸብጻብ ናይ’ዚ ክልተ መዓልቲ ዘካየድክዎ ምንቅስቓሳት ብቕደም ተኸተል: ብኸም’ዚ ዝስዕብ ገይረ ከቕርቦ ኢየ:-

1.ብዛዕባ ዳግመ ጉዕዞይ ናብ ቁሸት ኦራንየ (Oranje) ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት:-

2.ብዛዕባ ኩዋን (COA): እቲ ዘይንቡርን ዘይቅቡሉን ናይ ምምሕዳር ኣሰራርሓኡን: መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝኽተሎ ኣገባብን ብዝምልከት:-

3.ምስ ሰበ ስልጣን ሓለፍቲ ፖሊስ ገበን ወንጀል መርመራ ሮተርዳም ዘካየድክዎ ርክብን: ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥን:-

1. ብዛዕባ ዳግመ ጉዕዞይ ናብ ቁሸት ኦራንየ (Oranje) ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት:-

ብዕለት 02-02-2016 ዳግመ ምጽራይ ንኽገብር: ናብ’ታ ቅድሚ ሕጂ በጺሐያ ዝነበርኩ ብኦራንየ እትፍለጥ ቁሸት ንምብጻሕ: ካብ ፑርመረንድ ዝብሃል ዓሪፈሉ ዘለኹ ቦታ ተበጊሰ:: እቲ ዝተበገስክሉ እዋን ከኣ: ልክዕ ሰዓት 08:30 ቅድሚ ቐትሪ ኢዩ ነይሩ:: ኩነታት ኣየር ዝዘንብ ዝናብ ይኹን በረድ ‘ኳ እንተዘይነበረ: ደበና ዘንጠጠዮ ብቐዝሒ ዝተዓብለለ ቆራሪ ግዜ ኢዩ ነይሩ::

እምበኣርከስ:- እዛ ብዙሕ ከተዛርብ ዝቐነየት ብኦራንየ እትፍለጥ ንእሽቶ ቁሸት: ኣብ መላእ ሃገረ ነዘርላንድስ ይትረፍ: ኣብ’ቲ ቀረባ ከባቢኣ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት: ከም በዓል ክሮኒንገን: ዝቮለ: ዝቕመጡ ሆላንዳውያን ‘ውን ፍልጥቲ ኣይኮነትን:: ንነዊሕ ብሃይወይ ድሕሪ ዝኽየድ ጉዕዞ: ንኦራንየ ዝሕብር ናይ ሰሌዳ ሓበሬታ ጽሑፍ ኣይትረክብን ኢኻ:: እቲ እትረኽቦ ናይ ሰሌዳ ሓበሬታ: ካብ መስመር ጉዕዞ ሃይወይ ምስ ወጻእካ: ናብ ኦራንየ ክትኣቱ ናይ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ጉዕዞ ክተርፈካ እንከሎ ኢኻ: ነቲ ናይ ሰሌዳ ሓበሬታ እትረኽቦ:: (ንሓበሬታ ስእሊ ተመልከት):-

ይኹን ድኣ ‘ምበር: ነቲ ዝፈለምክዎ ጉዕዞ ዝዓናቕፍ ኩነታት ብዘይምንባሩ: ናብ’ታ ዝመደብክዋ መዓስከር ስደተኛታት ቁሸት ኦራንየ: ሰዓት 11:30 ቅድሚ ቐትሪ ኢየ በጺሐ:: ኣብ ጉዕዞይ ምሳይ ዝተጓዕዘ ሰብ ኣይነበረን:: እቲ ጉዕዞ ብምሉኡ በይነይ ኢየ ዓሚመዮ:: ይኹን ድኣ ‘ምበር ከም ሓሳብሲ ምሳይ ከተጓዕዘኒ ብማለት ጥራይ ዘይኮነ: ነዚ ብቐንዱ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነ መሰረታዊ ነጥቢ: ምሳይ እትጓዓዝ ጓለንስተይቲ ኣድላዩነት ኣለዎ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ: ንሓንቲ ኣብ ናይ ፓል-ቶክ ሱታፌኣ ፍልጥቲ ዝኾነት ጓለ-ኣንስተይቲ ምሳይ ንኽትጓዓዝ ብማለት: ቅድሚ ጉዕዞ ምፍላመይ ዝነበረ ክልተ መዓልቲ ሓቲተያ ነይረ: ብወገና ግን ግዜ ከም ዘይብላን ከም ዘይጥዕማን ስለ ዝሓበረትኒ: ናብ’ቲ ጉዕዞ በይነይ ኢየ መሪሸ:: እቶም ካብ ሃገረ ጀርመን ክተሓባበሩኒ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበረ ግን: ብኣካል ክሳተፉስ ይትረፍ: ንዘይመምጺኢኦም ኣመልኪቶም ይኹን: ወይ ‘ውን ይጥዕሞም ዶ ኣይጥዕሞምን ንዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም ኣይሓበሩንን ጥራይ ዘይኮነ: እቲ ዘካይዶ ዘለኹ ስርሓት ከመይ ይሰላሰል ከም ዘሎ ንምፍላጥን ‘ውን: ብስልኪ ደዊሎም: ወይ ኢ-መይል ጽሒፎም ዝተወከሱኒ ኩነት ‘ውን የለን:: ኮይኑ ግን ሓው ዓንደብርሃን: ኣብ ፓል-ቶክ ብ(ex_fbi_1) ዝፍለጥ ብስካይ-ፒ ደዊሉ ነቲ ኹነታት: ኣብ ከመይ ከም ዝበጽሐን: ዝኸዶ ዘለኹ መስርሕ ጽንኩር ብምዃኑ: ኣብ መደብ ስረሐይ ንዝህልወኒ ናይ ኣሰራርሓ ኩነት ብምትብባዕ: ደሃይ ከም ዝገበረ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይደልን:: ኮይኑ ግን ኣብ መርበብ ምድረ-ባሕሪ ናብ ህዝቢ ብዝዘርጋሕክዎ ጻዊዒት መሰረት ብምግባር: ብዙሓት ወለንተኛታትን: ናይ ህዝቢ ደገፍን: ሓገዝን: ምትሕብባርን ስለ ዝረኸብኩ ኢዩ: ኣብ ስረሐይ ኣሳልጦ ክረክብ ዝኸኣልኩ::

እዚ ብምባል ናብ ቁሸት ኦራንየ ክምለስ:: ቁሸት ኦራንየ: ሓንቲ ኦራንየ ተባሂላ እትጽዋዕ መንገድን: (ስእሊ ተመልከት):-ኦራንየ:ዝተሰምየት ዓባይ ህንጻን (ስእሊ ተመልከት):-ብኦራንየ ዝፍለጥ መዓስከር ስደተኛታትን ኢዮም ዘለዉዋ:: (ስእሊ ተመልከት):-

ቁሸት ኦራንየ 140 ቀወምቲ ተቐመጥቲ ጥራይ ኢዮም ዘለዉዋ:: እታ መዓስከር ስደተኛታት ግን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ: ኣስታት 500 (ሓሙሽተ ሚእቲ) ዝበጽሑ ስደተኛታት ኢያ ሓቒፋ ዘላ:: ሪኢቶ ናይቶም ቀወምቲ ነበርቲ ቁሸት ኦራንየ ኣብ ጉዳይ ህላዌ እቶም ስደተኛታት ኣመልኪቶም ንዝህልዎም ኣመለካኽታን: ኣጠማምታን ንምፍላጥ: ንሓደ-ሓደ ሰባት ሓቲተዮም ነይረ:: እቲ ዝረኸብክዎ መልሲ ኸኣ: ልክዕ ከም ሓደ ወራሪ ሓይሊ ናብ ቁሸቶም ከም ዝኣተወ ኮይኑ ከም ዝስመዖም ገይሮም ኢዮም ገሊጾምለይ:: እዚ ኣብ’ዛ ቁሸት እዚኣ ዝሰማዕኩዎ ኣገላልጻ ኸኣ: እቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝጋሃድን ዘንጸባርቕን ዘሎ: ኣሉታዊ ኣጠማምታ ከም ምዃኑ ከስምረሉ ይደሊ::

ኦራንየ ክትፍለጥ ዝኸኣለት: ድሕሪ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ሮተርዳም: ኣብ ልዕሊ ካብ 21 ክሳብ 22 ትሕቲ ዕድመ ዝርከበአን ደቂ-ኣንስትዮ: ተዓሚጸንሲ ጠኒሰን ዝብል ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣታት ማዕከናት ዜና ሆላንድ ድሕሪ ምግዋሑ ኢያ: ኦራንየ ልክዕ ከም’ታ ድሕሪ ወራር ወያነ ንባድመ: ኤርትራዊት ባድመ ማዕረ ፓሪስ ኣፍልጦ ዝረኸበት: መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ‘ውን: ንኣፍልጦኣ ልክዕ ከም ዕድል ባድመ ኢዩ ገጢሙዋ:: ኩነታት ቁሸት ኦራንየ ከም’ዚ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ ኢዩ:: ኣብ ቁሸት ኦራንየ ምስ በጻሕኩ: ጉዕዞይ ብቐጥታ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ኢየ ኣቕኒዐ::

2.ብዛዕባ ኩዋን: እቲ ዘይንቡርን ዘይቅቡሉን ናይ ምምሕዳር ኣሰራርሓኡን: መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ ዝኽተሎ ኣገባብን:-


ብናተይ ኣመለኻኽታን ኣረዳድኣን: ህዝቢ ነዘርላንድ ተሓባበርቲ: ግሉጽነት ማእከል ብዝገበረ ኣካይዳ ዝፍለጡ እኳ እንተኾኑ: እቶም ቀንዲ ናይ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኩዋ ራይስ ቫይክ ንኽልተ ግዜ ዝረኸብክዎም ሰብ-መዚ ቤት ጽሕፈት ኩዋ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወሃብቲ ቓል ዝኽተልዎ ዘይቅቡሉን ዘይንብሩን ናይ ምምሕዳር ኣሰራርሓ ብተመሳሳሊ ኣብቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኦርንየ ዝረኸብክዎም: ናይ’ቲ መዓስከር ናይ ሓለዋ ክፍሊ ዝኽተልዎ ኣሰራርሓ ካብ’ዚ ናይ ህዝቢ ነዘርላንድ ፍልይ ዝበለ ጠባይ ዘለዎም: ናይ ምትሕብባርን ግሉጽነትን መንፈስ ዘይብሎም: ንኹሉ ምንቅስቓስ ሰባት ብዓይኒ ናይ ምክልኻል ባህሪ ዝርእዩ: ኣብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ዘለዎም ኣመለካኽታ ‘ውን: ማለት ነቶም ስደተኛታት ዘለዎም ኣተሓሕዛን ኣረኣእያን: ካብ ንቡር ኣሰራርሓ ዝወጸን: ንደቂቕ ምንቅስቓስ ናይቶም ስደተኛታት ብምክትታል: ምስ ካብ ደገ ዝመጾም ሰብ ከራኽቡ ዝፈቕዱ ኳ እንተኾኑ ንመሰል ብሕትውና ውልቀ ሰባት ብምጥሓስ: ነቶም ዝተራኸቡ ሰባት: እዞም ዝረኸቡኹም እንታይ ኢሎም ተዛሪቦምኹም: ወይ ተዛሪብኩም: ወይ ተዛሪባትኩም እንዳበሉ: ነቶም ስደተኛታት ጸቕጢ ብምፍጣር: ዓቕሎም ዘጽብብሎምን ኣብ ወጥሪ ዝሸምዎምን ኢዮም ኣብኡ ዘለው: እቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ዘይንቡርን ዘይቅቡሉን ምዃኑ ዘነጽር: ዝኾነ ሓበሬታ ክወጻሉ ዘይክእል ምስጡር ዓለም ኢዮም ፈጢሮም ዘለዉ:: ነዚ ዘጉልሕ ሓቂ ኸኣ: እቶም ናይ ሓለዋ ክፍሊ መዓስከር ስደተኛታት ኦራንየ: ንካሜራ ልክዕ ህበይ ተመን ከም ዝረኣየት ገይሮም ኢዮም ዝፈርህዋ:: ነታ ሒዘያ ዝነበርኩ ካሜራ ናተይ ንኸግድፉኒ ‘ውን ተደናዲኖምን ፈቲኖምን ኢዮም:: እዚ ተግባር እዚ ኸኣ: ማዕረ ኽንደይ ነቲ ክፍለጥ ዝግበኦ ሓቂ ከዊሉ ይኸይድ ኣሎ: ንማንም ሰብ ርዱእ ይመስለኒ:: እቲ ምንታይሲ: ኣብ’ታ ብጉልጽነታ እትልለ ነዘርላንድ: ንዘይተጻረየ ነታ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ዝምልከት ከም ሓደ ናይ ዝሙትን ርኽሰትን ማእከል ጌርካ ብምውሳድ: ኣብ ውሽጢ ባይቶ ከተማ ሮተርዳም እዚ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረት ክዕጾ ኢዩ ዘለዎ ኢልካ ምዝራብ: እታ ትማሊ ብግስጋሴኣን ግሉጽን ተሓታትነት ዘለዎ ምሕደራኣ እትፍለጥ ዝነበረት ነዘርላንድ: ማዕረ ክንደይ ንድሕሪት ተመሊሳ ከም ዘላ ብምዕዛበይ: ነታ ትማሊ ዝፈልጣ ዝነበርኩ ነዘርላንድ ብልቢ ሓዚነላ!!! ስለ’ዚ እዚ እቲ ናይ ኩዋ ኣመሓደርቲ ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኸኣ: ምስ ናይ ግሉጽ ሕብረተ-ሰብ ነዘርላንድ ዘይሳነ: ሕሉፍ ቁጽጽር ዝኽተል ከም ዝኾነ ኸኣ: ኣብ’ዚ ከስምረሉ ይደሊ::

ከም’ዚ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ: ኩሉ እቲ መራኸቢ መንገድታት ዕጽዉን ጽንኩርን እንከሎ ኢየ ኸኣ: ብናተይ ጥበብ ምስቶም ክረኽቦም ዝግበኣኒ ዝነበረ ሰባት: ካብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ወጻኢ ክራኸብ ዝኸኣልኩ:: ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ጉዕዞይ ምስቶም ቀንዲ: ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣገደስቲ ዝኾኑ: ኣብ መዓስከር ኦራንየ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብምርኻብ: ብጣዕሚ ጠቓምን ጭቡጥን ኣገዳስን ዝኾነ ሓበሬታ ረኺበ ኢየ ተመሊሰ::

3.ምስ ሰበ ስልጣን ሓለፍቲ ፖሊስ ገበን ወንጀል መርመራ ሮተርዳም ዘካየድክዎ ርክብን:ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥን:-

ኣቐዲመ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝገለጽክዎ: ኣብ’ዚ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ዝበጻሕክሉ እዋን ዝረኸብክዎም ሰበ ስልጣን ፖሊስ: ሓላፊ ገበን ወንጀል መርመራ ምስ ዝኾነ:- ሮበርት ደ ደግራፍ (Robert de Graf) ምስ ብጸይቱ ኢዩ ነይሩ:: እቲ ናይ’ቲ እዋን እቲ ዝተካየደ ርክብ ኸኣ: ንሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ግዜ ኢዩ ነይሩ::

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኻየደ ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን ፖሊስ ከኣ: ኣብ’ዚ ብዕለት 03-02-2016: ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ሮተርዳም ዝርከብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ተረኺበ: ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበን ወንጀል መርመራ: ብፍሉይ ከኣ ንጉዳይ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ዝከታተል ፍሉይ መርመራ ምስ ዘካይዱ:-ዘደን ፖሊስ (ZEDEN Police) ሰበ-ስልጣን ኢየ ተራኺበ:: እቶም ዝተራኸብክዎም ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ኣስማቶምን: ናይ ስራሕ ኣገልግሎት ቁጽሮምን: እዚ ዝስዕብ ኢዩ:-

1.ስም ቪም ( WIM) ኣገልግሎት ቁጽሪ; (Service Number 13019):-
2.ስም ፍራንክ (Frank) ኣገልግሎት ቁጽሪ; (Service Number 2322):-ካብ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቐትሪ: ክሳብ ሰዓት 16:30 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቶም ረኺበ ኣዘራሪበዮም:: ኣብ’ዚ መስርሕ ዝርርብ ኣነ ንመንነተይ ዝምልከት ብደቂቕ ከፋልጥ እንከለኹ: ዝምልከቶም ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ መርመርቲ ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ‘ውን: ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኢዮም ተፋሊጦምኒ:: ብድሕር’ዚ ዝተኻየደ ናይ ልልይ ዝርርብ ከኣ: ናብ ቀንዲ መሰረታዊ ኣርእስቲ ብምእታው: ሓደ ብሓደ መስመር ብመስመር ብኽልቲኡ ሸነኽ ነቲ ቀንዲ ሕመረት ኣርእስቲ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክስርታን ኪዳነ ምህረት: ናብ ከዳቕቕ ዝኽእል ናይ ዝርርብ መስርሕ ኣቲና ኢና ምይይጥ ኣካይድና::

እቲ ዘዛረብክዎም ዛዕባ ኸኣ: ከም’ዚ ንኡስ ኣርእስቲ ናይዚ ዛዕባ ተገሊጹ ከም ዘሎ: እቲ ምኽንያት መራኸቢ ዝኾነ ቀንዲ መበገሲ ኸኣ: እቲ ኹሉ ዘካየድክዎ ምርምርን ውጺኢቱን ኣብ ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነ: እንተላይ ንሳቶም ንዘለዎም ኣመለካኽታን ኣፍልጦኦም ኣብ’ዚ ጉዳይን ዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኢዩ ነይሩ:: ኣብ’ዚ ርክብ እዚ ብወገነይ ተረፉኒ ዝበሃል ሕቶ ኣይነበረን:: ኩሉ ዘድልየንን ኣገዳሲ ኢዩ ዝበልክዎ ሕቶታት ከይበቐቕኩን ከይተሰከፍኩን ሓቲ: ብዝተዋህበኒ ምላሽ ‘ውን ምሉእ ብምሉእ ዓጊበ:: ብወገኖም እዞም ዝጠቐስክዎም ሰበ-ስልጣን ፖሊስ ‘ውን: ብተመሳሳሊ ከይበቐቑን ከይተሰከፉን: ካባይ ዝደልይዎ ኩሉ ዓይነት ሕቶታት ኢዮም ሓቲቶም:: በቲ ዝተዋህቦም ምላሽ ከኣ: 100% ዓጊቦም:: ኩሉ ዝተኻየደ ዝርርብ ከኣ: ብኣውድዮ መልክዕ ተቐዲሑ: ኣብ’ቲ መደበር ፖሊስ ብሰነድ ተመዝጊቡ ተታሒዙ ይርከብ:

ኣብ’ዚ ከይገለጽክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ: እቲ ብዕለት 31-01-2016 ኣብ ፓልቶክ ሩም:…. ነቲ ዘካይዶ ዘለኹ መርመራን ውጺኢቱን ብዝምልከት: ኣፈናዊ ሓበሬታ ንክህብ: ኣብ ዝተዓደምክሉ ግዜ: ንዝተገብረለይ ድሙቕ ኣቀባብላን ዘሐጉስን ዘተባብዕን ሞራላዊ ደገፍ: ንተሳተፍትን ነቲ መደብ ዝመርሕ ዝነበረ ሓው ዓንደብርሃን (ex_fbi_1) ከየመስገንክዎም ክሓልፍ ኣይደልን::

ኣብ መወዳእታ: ናይ’ቲ ኩሉ ዝተኻየደ መስርሕ: ኩለንትናዊ ዝርዝራቱን ዝተበጽሐ መደምደምታን: ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ዘቕርቦ ደምዳሚ ጸብጻብ ክትከታተሉ ይሕብር::
Received on Sat Feb 06 2016 - 15:17:31 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved