TesfaNews: ናይ ስደት እንጌራ ልማኖ ንኽትበልዕ መንግስትኻን ህዝብኻን ኣይተጸልም!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 2 Feb 2016 22:11:58 +0100
eritrea migrants as pawnsኣብዚ ኩልና ንሰማምዓሉ ነጥቢ፡ ቍጠባ ሃገር ኣንቆልቊሉ፡ መንእሰይ ኣብ ግምባር ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ ተገዲዱ ፡ ኣብታ ሃገር ወፍሪ የለን ፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ውን የሎን ። እዚ እሞ ናይ መንግስና ጌጋ ወይ ከኣ ብሰንኪ መንግስትና ዝወረደ በደል ድዩ? ንምንታይ ደኣ መንእሰይ ኤርትራ ዓንጺ ዓንጾ ንማዕጾ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትውንጅል ትስማዕ ዘለኻ?
 

ተስፋማርያም ሓጎስ

ገር ማለት መንነት ፡ ክብረት ማለት እዩ። እዚ ክንብል እንከሎና ንስለ ዘረባ እንዛረቦ ዘይኮነስ እቲ ክዉን እቲ ሓቂ ስለ ዝኾነ እዩ። ህላዌና ምስ ሃገር ዝተሓሓዘ እዩ ክንብል ከሎና ፡ንህላወ ውን ብኽልተ መንገዲ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ሓደ ሰብኣዊ መሰልካን ክብርኻን ተሓልዩ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ካብ ሰሜን ንደቡብ ካብ ቆላ ናብ ከበሳ እንዳተገላበጥካ ክትነብረሉን ክትሰርሓሉን ምስ እትኽእል ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ሃገርካ ብኻልእ ጎባጢ ሃገር ተወሪራ ንስኻ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ሰብኣዊ መሰልካ ተገፊፉ ባርያ ክትከውን ከሎኻ ፡ ሃብቲ ሃገርካ ባዕዳዊ ክግሕጦ ንስኻ ድማ ኣደዳ ሕሰምን መከራን ማእሰርትን ስደትን ክትከውን ከሎኻ እዩ።

ኣየናዮም ኢና እንመርጽ ? ንባርነት ! ወይስ ነቲ ክብረት?  መንእሰይ እስኪ ኣስተንትን ሕሰብ ! ሃገር ፡ ነጻነት ፡ ማዕርነት ፡ ኣብ ሃገርካ ኮሪዕካ ምንባር ፡ ኣብ ዕዳጋ ትገዝኦ ወይ ኣብ መጋብኣያ ተማጒትካ ዝመጽእ ኣይኮነን ። መሪር መስዋእቲ ከፊልካ ተምጽኦ መሪር መስዋእቲ ከፊልካ ከኣ ትዕቅቦ ።

ነታ ገዛኻ እምንን ሓመድን ማይን ጌርካ ትሃንጻን ከይትፈርሰካ ሓጋይ ምስ ክረምቲ ትከናኸና ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ሰብ ? እቲ መልሱ ንስኻ ይመስለኒ ። ገዛኻ እታ ዝነኣሰት ዋህዮ ናይ ሃገርካ ምዃና ትፈልጥዶ ? እቲ መልሱ እወ፡ መልስኻ እወ ካብ ኮነ ንሃገርካ ካብ ምንጋጋ ጸላኢ መንዚዕካ ንምውጻእን ጸላኢ ከይጎብጣን ንምልምዓን ንምህናጻንከ ኣብ ዝባን መን ይመስለካ ? ኣብ ዝባንካ እዩ ፡ ንስኻ ኣብ ብርክኻ እተተንፍስ ሓዊ ሓዊ ትሽትት መንእሰይ ከሎኻ ኣቦኻን ኣቦሓጎኻን ክኾኑ ዲኻ ትጽበ ኔርካ ?

ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ወፍሪ ልምዓት ወፍሪ ህንጸት ሃገር ካባኻ ሓሊፉ መን እዩ ክሰርሖ? እቲ ዝስራሕ ስራሕ ንመን እዩ? ንዓኻ ፡ ንህዝብኻ ንመጻኢ ወለዶ ምዃኑ ከመይ ኣይትግንዘቦን ! ብኸመይከ ናይ ባርነት ግዱድ ስራሕ ትብሎ !

መንእሰይ ኤርትራ ህድእ ኢልካ ምስ ሕልናኻ እሞ ተዛረብ ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገርካ ራሕሪሕካ ንኽትወጽእ ኣብ ግብሪ ዘይትርጎም መብጽዓታት ኣትዮም ውጻእ እንተበሉኻ ወይ ከም ትወጽእ እንተ ገበሩኻ ንምንታይ ዕላማ ምዃኑ ኣይተረድኣካን ማለት ድዩ? ንዓኻን ንሃገርካን መታን ክጥዕመኩም ኢሎምዶ ይኾኑ ይመስለካ? ኣይፋሉን ፡ ሕድሪ ተቐቢልካ ሃገር እትከላከልን ሃገር እትሃንጽን ንስኻ ምዃንካ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈለጡን ፡ እሞ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትጉበጥ ወይ ድማ ከም በዓል ሶማልያ ፡ ሊብያ ፡ ዒራቕ ሶርያ ብዂናት ዓንያ ህዝባ ፋሕ ብትን ክብል እንተ ደኣ ተደልዩ እታ ሓንቲ ኣማራጺት ንዓኻ ሓቢልካን ኣጉል ተስፋ ሂብካን ካብ ሃገር ምውጻእ ወሳኒ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ንስኻኸ እታ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ኣያታትካ ዝመጸትን ብደምካ ትማል ዝተዓቀበትን ብረሃጽ ደቃ ትህነጽ ዘላ ኤርትራ ከም በዓል ሶማል ሊብያ ሶርያ ወሪድወን ዘሎ ክወርዳ ትምነ ማለት ድዩ ? ወይስ ኣሜሪካ ዝመራሒተን ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣብ ኤርትራ መዓርን ጠስምን ከምጽኡልና ኢኻ ትጽበ !

ንስኻ መንእሰይ ወጺእካ ኣብ ጉዕዞ ዝሓለፍካዮም ንኽትዝክሮም ዘስካሕክሑ ማእለያ ዘይብሎም ሽግራት ሰጊርካ ኢኻ ንኤውሮጳ በጺሕካ ኣብ ኩሉ ከይበጽሑ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ዝሃለቑ ፡ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ብበደውን ከም ገንሸል ኣፋስጋ ዝተሓርዱን ልቦም ኩሊቶም ንዕዳጋ ዓለም ዝወዓለ ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ቀለብ ዓሳ ዝኾኑ ክንደይ ኮን ይኾኑ ?

ኣብ እስራኤል ኣትዮም እዚ መሬት እስራኤል እምበር መሬት ኣፍሪቃውያን ኣይኮነን ይውጽኡ ተባሂሎም ኣብ ምድረ በዳ ተኸርዲኖም ንዩጋንዳን ንሩዋንዳን ክጥረዙ ተወሲኑ ኣሎ ። ናይዚ ኩሉ ኣበሳ መንዩ ተሓታቲ ? መንግስቲ ኤርትራ ! መንግስቲ ኤርትራዶ ካብ ሃገርካ ውጻእ ኢሉ ኣባሪሩካ እዩ ? ተሓተትቲ እቶም ኣጉል ተስፋ ሂቦም ዘውጽኡኻን ንስኻ ባዕልኻን ኢኹም ።

ኤውሮጳውያን ንስደተኛታት ጽቡቕ ጌሮም መርሓባ ኢሎም ይቕበልዎም ኣለዉ ። መሰል ስድተኛታት መሰሎም ተኸቢርሎም ክቕመጡ እንተ ደኣ ኮይኖም ካብኦም ዝሕተት ግቡኣት ከኣ ከማልኡ ኣለዎም ። ብወገን ኤርትራውያን ክንዛረብ እንተ ደኣ ኮይንና ፡ ኣየማልኡን እዮም ክንብል ንደፍር እቲ ምንታይሲ ኣብ ስኽራንን ገበን ኣብ ምፍጻምን ባእስን ካልእ ኣጸያፊ ነገራትን ክፍጽሙ ስለ ዝረኣዩ ። ንምንታይ ? ኣብ ሃገርካ ከምዚ ስለ ዝሰኣንካ ዲኻ መጺእካ ዝብል ሕቶ የለዓዕል ።

ሓደ ብልክዕ ናይ ፖለቲካ ስደተኛ እየ ክብል እንተ ደኣ ኮይኑ ፡ ብቐዳምነት ሃገር ከማርጽ የብሉን ፡ ሕጊ ናይቲ ዝኣተዎ ሃገር ከኽብር ኣለዎ ፡ ዝኾነ ዓይነት ገበን ክፍጽም የብሉን ። እሞኸ ኤርትራዊ ስደተኛ ነዚኤን የማልአን ድዩ ? ብርግጽ ናይ ፖለቲካ ስደተኛ ከማልኦም ዝግብኦ ረቛሒታት የማልእ ድዩ ?

ኤርትራዊ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ናብራ ንምምሕያሽ ድዩ ወይስ ኣብቲ ዓዲ ከንብሮ ዘየኽእል ፖለቲካዊ ጸገም ኣለዎ ?

ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ከቐምጥ ዘየኽእል ጸገም የብሉን ። ሓደ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ሃገራት ዓለም ሕጊ እንተ ጥሒሱ ክእሰር ክቕጻዕ ባህርያዊ እዩ ። ኣብ ኤርትራ በጺሑ ከመይ ኢሉ ከም ገበን ይቝጸር ? ሕጊ ንምንታይ ድዩ ዝቐውም ? ዝኾነ ዜጋ ናይ ሓንቲ ሃገር ብሕጊ ናይታ ሃገር ተማእዚዙ ክኸይድ ኣለዎ፡ ሕጊ ምስ ዝጥሕስ ግን ብሕጊ ክቕጻዕ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ ።

መንእሰይ ኤርትራ ግን በቶም ደመኛ ጸላእቱ ኢትዮጵያውያንን ዓንገልቶም ናይ ምዕራብ ሃገራት መንግስታትን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ሰኺሩ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ ሕጊ ጥሒሱ ምስ ዝቕጻዕ ከም ዓቢ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ቆጺሩ ከንጸርጽርን ክሃድምን ይርአ ኣሎ ።

ጸላእትና ኣብ ኲናት ክስዕሩና ስለ ዘይከኣሉ ፡ ከዐውተና ይኽእል እዩ ዝበልዎ ብልሓት ብመጀመርያ ንኤርትራ ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁው ጸሚድካ ቍጠብኣ ከም ፍልሖ ዝበልዖ ዓንዲ ሮሞቕሞቕ ክብልን መንእሰይ ድማ ግዜ ነዊሕዎ ሃገሩ ራሕሪሑ ንባዕዲ ሃገር ክስደድ ብኡ ኣቢሉ ድማ ክጠፍእ ዘጻወድዎ መጻወድያ እዩ።

ኣብዚ ኩልና ንሰማምዓሉ ነጥቢ፡ ቍጠባ ሃገር ኣንቆልቊሉ፡ መንእሰይ ኣብ ግምባር ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ ተገዲዱ ፡ ኣብታ ሃገር ወፍሪ የለን ናይ ስራሕ ዕድላት ውን የሎን ። እዚ እሞ ናይ መንግስትና ጌጋ ወይ ከኣ ብሰንኪ መንግስትና ዝወረደ በደል ድዩ ?

ኦ መንእሰይ ቅሩብ ሕሰብ ፡፡ ኣሜሪካን ሰዓብታን ደይ መደይ ኢሎም ኤርትራ ንምጥፋእ ዝተለምዎ ትልሚ እዩ ። ውዕል ኣልጀርስ ኣውሓስቲ በዓል መን ኔረን ? ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ሓድነት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኣልጀርያን እየን ። እቲ ዝወሃብ ብይን ይግባይ ዘይበሃሎ ናይ መውዳእታን ቀያድን ክነሱ ኢትዮጵያ ክትነጽጎ ከላ ንምንታይ እቶም ኣውሓስቲ ስጉምቲ ዘይወሰዱ ? ተሓተትቲ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ እቶም ኣውሓስቲ እዮም። ንምንታይ ደኣ ኢኻ መንእሰይ ኤርትራ ዓንጺ ዓንጾ ንማዕጾ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትውንጅል ትስማዕ ዘለኻ ?

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ዘይብሉ ጉዳይ ሶማል ኣሳቢቦም መንግስትና ብዘይ ወዓሎ ወንጂሎም ብተኸታታሊ ክልተ ግዜ እገዳ ጌሮም ዓጽዮሞ። ንምንታይ በቲ ዝሓለፈ መጻወድያታት ስለ ዘይሞተ ፡ እንተ ሞተልና ኢሎም እዮም። መንእሰይ ሃገር ናይ ኲናት በሰላኣ ገና ከይሓወየ እንከሎ እዚ ኩሉ በደላት ኣብ ልዕሊኣ ክድረበሉ ከሎ ከመይ ኢላ ክትንቀሳቐስ ትሓስብ?

ኣብዚ ንስኻ ራሕሪሕካያ ክትሃድም ከለኻ ሳልሳይ ራብዓይ እገዳ ትኾና ከም ዘለኻ ተረዲኡካዶ ? ንበዓል ነጎዳ ሓዊ ደብሶ ዝዓይነቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ገበን ከም ዝፈጸምካ ተረዲኡካዶ ?

ንስኻ ኢኻ ካብዚ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁውን ካብ እገዳታት ዘስዕቦ ናይ ሞት ፍርዲ ከተድሕና ዝግብኣካ ! ግንከ ኣይወዓልካዮን ! ብኣንጻሩ መዝሙር ወያነ ክትዝምር ትውዕል ኣለኻ ! መንግስቲ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ፡ ጨቋኒ ስርዓት፡ ህግደፍ ወዘተ ክትብል ትውዕል ኣለኻ ።

እንጌራ ልማኖ ንኽትበልዕ መንግስትኻን ሃገርካን ህዝብኻን ኣይተጸልም ! ብከብድኻ ኣይትሸየጥ ! ምስዳድካ ጌጋ ምዃኑ፡ ዝረባሕካሉ ነገር ከም ዘየለ ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ውን ከም ዘይትረብሓሉ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ፍለጥ ። ስደት ውርደት እዩ ።ካብ ኣፍልቡ ነፊሑ ዝኸይድ ጎበዝ ናብ ክሳዱ ኣድኒኑ ዝልምን ፍቱሕ ስረ ተቐይርካ ከም ዘለኻ ፍለጥ ።

ንቐዳማይ ጌጋኻ ተማሃረሉ መንግስትኻ ኣይተጸልም ። እዚ ናትካ ንመንግስቲ ኤርትራ ምጽላም እቶም ዘዕቆቡኻ መንግስታት ዋጋ ዝህብዎ ከይመስለካ። ኣብ ስደት ናብ ሕሱር ጉልበት፡ ክትሓስርን ክትዋረድን እንተዘይኮይኑ ከምቲ ኣብ ዓድኻ ክትኮኖ ዝግብኣካ ትኸውን ከይመስለካ ። ኣብ ህንጸት ሃገር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብናይ ገዛእ ዓቕሙ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ ኣብ ዓለም ውን መዳርግቲ የብሉን ። ርእስኻ ምኽኣል እዩ እቲ ሕመረት መትከል ህ.ግ. ፡ መትከል ርእስኻ ምኽኣል ኣብቲ ዝሓለፍናዮ መሪር ናይ ሰላሳ ዓመታት ናይ ቃልሲ ንናጽነት ናብ ፍጹም ዓወት ዘብጽሓና ህያው ምስክር እዩ ። እዚ መትከል እዚ ኣብ ነጻ ኤርትራ ዝፈጸሞ መስተንክር ቅያ ጅግንነት ጸላእትና ከይተረፉ ዝምስክርሉ ሓቂ እዩ ። ምስ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይንካ ንመንግስቲ ኤርትራ ከተጸልምን ከተኽፍእን እንተ ወዓልካ ንነብስኻ ኢኻ እተሕስር እምበር ኣይኮነንዶ ንመንግስቲ ኤርትራ ከተስግእሲ ኣብ መሬት ኤርትራ ንዘሎ ጽንጽያ እኳ ከተሰምብድ ኣይትኽእልን ኢኻ ።

እቶም ቀደም ማዕበል ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ናይ ታሪኽ ሓተላ ዕድሚኦም ምሉእ ንህ.ግ. ደሓር ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ይጸልኡ እዮም ምስ ዝበልዎም መንግስታት እናተዓስቡ ዕንክሊል ክብሉ ዝነብሩ ዘለዉ ዘይተቐብሩ ሬሳ እዮም ። ሎሚ ንዓኻ ከም መጋበርያ ክጥቀሙልካ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ ።

ኦ መንእሰይ ቅሩብ ሕሰብ ንህልዋትን ጀጋኑ ሰብ ስረን ኣብ ሃገሮም ኮሪዖም ሃገሮም ዝሃንጹን ዝከላኸሉን ገዲፍካስ ኣብ መቓብር ምስ ዘለዉ ከዳዓትን ወይጦታትን ኴንካ ክትዝምር ! ተካል ውላድ መጕሃይ ዘመዱ ሕማቕ ዜጋ መባላሸዊ ዓዱ ፡ ከምዚ ምስ ዝርአ እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Tue Feb 02 2016 - 16:11:59 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved