"ድሕሪ ደጊም ጸላእቲ ዝጽበዬም ግጥምን መከተን ምስ ታሪካዊ ሕዝባዊ ግንባር ዘይኮነ ምስ ሓድሽ ወዶን ወራሲ ሕድሪን ዘመናዊ ሕዝባዊ ግንባር'ዩ"

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 17 Apr 2016 15:44:18 +0000

ንዓሰርተ ዓመት ትሓስብ አንተ ኮንካ ሩዝ ዝራእ፤ ንዕስራ ዓመት ትሓስብ እንተ ኮንካ ገረብ ዝራእ፤ ንዘልኣለምን ንውሉድ
ወለዶታት ትሓስብ እንተ ኮይንካ ሰብ ዝራእ ዝብል ያታዊ ምሳሌ ሕንዳዊያን ኣሎ።
ህዝባዊግን ግንባር ኣብ ንሓርነት ዘካዬዶ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ሙሩጻት እናከፍለ ሙሩጻት እና መልመለ'ዩ ናጽነት
ኩውን ዝገበረ።

ህዝባዊ ግንባር ድሕሪ ናጽነት ንኩሉ ተጻብኦታትን ሕጽረታትን እናሰገረ ብዘይ ውዓል ሕደር ዝተዋፍረሉን ዘይተርፍን ዕዬ
ገዛን እንተ ነበረን ነዚ ንምዕማም ውን ወላ ትሕዝቶን ሃብትን ውን እንተ ዘይነበሮ ቀዳድ ጅቡኡ ነጊፉ ዝተዋፍረሉ ዓዉዲ
እንተ ነበረ፤ወራሲ ሕድሪ ሰማእታት፤ዉፉይ፤ንቁሕ፤ጅግና፤ቅድሚ ጥቅሙ ጥቅሚ ሃገር ዘቀድም፤ኣክባሪ ባህሉን ታሪኩን፤ፍታዊ
ሕዝቡን ሃገሩን፤ንሕዝቡን ሃገሩን ንጸላኢ ኣሕሊፍ ዘይሕብን፤ንድሕነትን ክብረትን ሃገሩን ሕዝቡን ንመስዋእቲ ድልዉ ዝኮነ
ተካኢ ዎሎዶ ኣብ ምህናጽን ምምልማልን ኣብ ዝሓለፍ 25 ዓመታት ኩሉ ዓቅምታቱን ገዚፍ ባጀት ዝሰልዓሉ ዕዉት ዓዉዲ'ዩ
ነይሩ።

ነዚ ዘስተውዓሉ ጸላእቲ ድማ ንመንእሰያት ኤርትራ ታርጌት ብምግባር ንምስድዖምን፤ ንምድንጋሮም፤ካብ ሃገር ወጺኦም ከም
ዝስደዱን ፍሕፍሕ ከም ዝብሉ ንምግባሮም ኣብ ዝሓለፍ 25 ዓመታት ዘይተካየዱ ሸርሕታት ኣይነበረን።

ህዝባዊግን ግንባር ግን ገና ብኣግኡ ስለ ዝነቅሓሉን ተካእቱ ስለ ዘፍረየን ኪኖ ሎሚ ንጽባሕ እናቆመተ ስለ ዝሰርሓሉን
ብሳላ ንቁሓትን ውፍያትን መንእሰያቱ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኩሉ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝስዓቡ ተጻብኦታትን ኣብ ልዕሊ መንእሰያቱ
ዝተኣወጀ ስነ ኣእምራዊ ኩናት ምስ ጎቦ ተራጺሙ ከም ዝመክን ጌሩ'ዩ፤ እዚ ዝኮነሉ ህዝባዊግን ግንባር፣ከይተዛነየ ዕዬ
ገዙኡ ብዝግባእ ስለ ዝዓመመ እንሆ ሎሚ ኣብ ዝሓለፍ 25 ዓመታት ዘተኣማምን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወራሲ ሕድሪ
ሰማእታት፤ዉፉይ፤ንቁሕ፤ጅግና፤ቅድሚ ጥቅሙ ጥቅሚ ሃገር ዘቀድም፤ኣክባሪ ባህሉን ታሪኩን፤ፍታዊ ሕዝቡን ሃገሩን፤ንሕዝቡን
ሃገሩን ንጸላኢ ኣሕሊፍ ዘይሕብን፤ንድሕነትን ክብረትን ሃገሩን ሕዝቡን ንመስዋእቲ ድልው ዝኮነ ሓደ ተካኢ ዎለዶ ሃኒጹዩን
ቀሲኑን'ዩ መበል 25 ዓመት ዝክሪ ናጽነት ንምጽንባል ዝዳሎ ዘሎ።

ድሕሪ ደጊም እንብኣር ግጥም ጸላእቲ ምስ ታሪካዊ ሕዝባዊ ግንባር ዘይኮነ ምስ ሓድሽ ወዶን ወራሲ ሕድሪን ዘመናዊ ሕዝባዊ
ግንባር'ዩ፤ ነዚ ሓድሽን ወራሲ ሕድሪን ዘመናዊ ሕዝባዊ ግንባር ንውሉድ ወለዶታት ዝስዕር ሓይሊ ኮታ ኣይክሕልውን'ዩ፤
ኣብ'ዛ ዓለምና ድሕሪ ሓርነት ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ዘተኣማምን ወለዶ ዝሃነጸ ሰውራ የለን።

እምኣር ኣብ ዝሓለፍ 25 ዓመታት ጸላእትን ከዳዓትን ኣብ ጀኔቫን፤ ባይቶ ጸጥታ፤ ኣዲስ ኣበባ፤ ኣዋሳን፤ መቀለን
 ክመላለሱ ህዝባዊ ግንባር ተካኢ ሓደ ዎለዶ ሃኒጹ'ሎ ይቅሰኑ ሰማእታትና ።

ዓወት ንሓፍሽ
ሰማእታትና ወትሩ ብክብሪ ይዘከሩ
ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


13007127_1125506690803357_2349814044669729582_nk.jpg
(image/jpeg attachment: 13007127_1125506690803357_2349814044669729582_nk.jpg)

Received on Sun Apr 17 2016 - 11:44:18 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved