ስርዓት ወያነን ኣሳሰይቶምን ሕጂኸ ናበይ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 17 Apr 2016 13:22:14 +0200

ስርዓት ወያነን ኣሳሰይቶምን ሕጂኸ ናበይ

 
ሎሚ ኣብ ወጻእ ስለ ዝሰፈርካ ነቲ ከቢድ መስዋቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዕላምኡን ንስለ ሃልክን ጸይቅን ክትብል እንጌራ ልማኖ ከይተርፈካ ከተቋናጽብ ምፍታን ኣይግድን፡፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንጽባሕ ዘየጣዕስ ታሪኽ ክሰርሕን ንጸላእቱ ብግቡእ ከለልን ይግባእ፡፡

 ሕድሩ ዑቕባትንሳኤ:

ታ ኩሉ ጠማቲኣ ዝኾነት ውቅብቲ ኣፍሪቃዊት ኤርትራ ፡ ድሮ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብዙሕ ማሕለኻታት እዩ ተጻዊዱላ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር መስዋእቲ ፡ ሳላ እቶም ኣብ ከርሳ ሰፊሮም ዘለዎ ጀጋኑ ሰማእታት ፡ ካብ መግዛእታዊ ኣርዑት ተገላጊሉ ምስታ ግሎባዊት ዓለምና ክጽንበር ኪኢሉ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ጸገማት መግዛእቲ በዲሁ ነታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ፡ ተማሂሩ ዝማዕበለላን ፡ ሓሪሱ ዘፍረየላን እንኮ ፍትውቲ ሃገሩ ልኡላውነታ ኣረጋጊጹ፡፡ እፎይታ ረኺቡ ሃገሩ ከማዕብል ድማ ኣብ ዳግመ ህንጻ ተጸሚዱ፡፡

እንተኾነ ግን ጸላእትና ማንታ ኣተሓሳስባ ተኾልኪሎም መጺኦም ድሮ ቅድሚ ናጽነት ጀሚሮም ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሃገሩ ንከይውንን ወጢኖሞ ዝነበሩ እከይ ተግባራት ክፍጽሙ እዮም ተዓጢቖም፡፡ ድሕሪ ናጽነት እዚ ዘይብሃል እከይ መጻወድያታት ኣዳልዮም ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ክፈናጭሉን ፡ ታሪኽ ሓርበኛታት ከናሽዉን ፡ ነቲ ክቡርን ዘይድፈርን ብብእዋኑ ከም ብሩር እናተወለዐ ዝምዕብል ዘሎ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከቋናጽቡን እዮም ተራእዮም፡፡

እረ ገለ ሰባትሲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኔርና ኢና እናበሉ ሓሳብ ልቦም ስለ ዘይሰመረሎም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቋናጽቡን ዘይመልከዑ ክህቡን ፡ ኣነዋሪ ናይ ጣዕሳ መልእኽትታት ከመሓላልፉ ትሰምዖም፡፡ ኣድግስ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ በለት ከምዝብሃል ፡ ሎሚ ኣብ ወጻእ ስለ ዝሰፈርካ ነቲ ከቢድ መስዋቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዕላምኡን ንስለ ሃልክን ጸይቅን ክትብል እንጌራ ልማኖ ከይተርፈካ ከተቋናጽብ ምፍታን ኣይግድን፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ልኡላውነቱ ኣሕሊፉ ዘይህብ ፡ ዘይናቱ ድማ ዘይምነን ቅዱስን እርኑብን ህዝቢ እዩ፡፡ እቶም ብስስዐ ዝዓወሩ ንጥፍኣትና ዝምነዩን ጸላእትና ግን ፡ ዘይንብረቶም ንብረትና ፡ ዘይመሬቶም መሬትና ፡ ዘይባሕሮም ባሕርና ክብሉ ኣይሓፈሩን፡፡ መሬትና ተወሪርና ብምባል ዝወልዕዎ ኲናት ድማ ብሓለንጊ ህዝቢ ኤርትራን ዋርሳይ ይከኣሎን (ሓረግጽ ሻዕብያ) መላስ ኣውያት ዘይብሎም ተሪፎም፡፡ እቶም ኣብ ስልጣን መምስደየቡ ከም ኣድገፈረስ ዝናድሑ መራሕቲ እትዮጵያ እምበኣር ክሳብ ሕጂ ካብ ታሪኽ ኣይተማህሩን፡፡ ታሪኽ ኣቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን ከም ስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ዝኣመሰሉ ታሪኽ ኣብ ኤርትራ እንታይ ከምዝወረዶም ክንደይ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ሃሊቖም ክንደይ ስድራቤታት ከ ዘኽቲመን መዛግብቲ ታሪኽኩም ተወከሱ ንብሎም፡፡

 

ስርዓት ወያነ ብዶብ ኣሳቢቡ ዝወልዖ ኲናት በቶም ኣናብስ ሓርበኛትት ኤርትራ ዝኾኑ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሮም ፡፡ ንምስክርነቱ ድማ ድሮ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ኤርትራ ተሰኒዱ ኣሎ፡፡ እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ሕጂ እውን እንተኾነ ናይ ኲናት ጥሩምባ ካብ ምንፋሕ ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡ እንተኾነ ግን ዘይሓሰብዎ ዱቦላ ወዲቕዎም ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ይልብለብ ፡ በቲ ካልኣይ ድማ ብናዕቢ ህዝቢ ኦሮሞ ሃልሃልታ ይቃጸል ፡ በቲ ሳልሳይ ወገን ድማ በቶም ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕርሰሙ ልቦምን ቀልቦምን ጠፊኡዎም ከም ብቐላይ ዝተኸበ እንስሳ ዝገብርዎ ጠፊኡዎም፡፡

ስርዓት ወያነ እቲ ብጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሰርሐ ቅያ ክኣምንሉ ኣይደለዩን፡፡ ኣብ ባይታ ግን ርሑቕ ከይከድና ስርሒት ግንባር ባድመን ፡ ግንባር ቡሬን ከምኡእውን እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቑዝሙሉ ዘለዉ ውግእ እግሪ መኸል እኹል መምሃሪ እዩ፡፡ እሞ ስርዓት ወያነ እትረፍዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንህዝቡ እውን እንተኾነ በታቲኑ ንሰደት ዘማዕዱ ዘሎ ስርዓት፡ ኦሮማይ ደሓንኩኒ ጭፍራ ወያነ ንብላ፡፡ እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብልኡላውነቱ ዘይግራህ ብፈኸራ ስርዓት ወያነ ይኹኑ ኣሳሰይቶም ዘይህመል ንኽብሪ ሃገሩን ልኡላውነቱን ብቐዳምነት ዝሰርዕን ሓየትን መስተውዓሊ ህዝብን ምዃኑ ንሕብሮም፡፡

እስከ ብዛዕባ እቶም ኮለል ዝብሉ ዘለዉ ሊቃውንቲ ደቂ ሃገር ቁሩብ ወስ ክንብል፡፡ ኣብ ባሕሪ ቃልሲ ሓንቢሶም ዝዓበዩን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተመከሩን ዓቢ ሓላፍነት ዝነበሮም ሓርበኛታትን ፡ ሎሚ ቃንኦም ቀይሮም ነቲ ባዕሎም ዝሓንጸጽዎን ብግብሪ ክሰርሕሉ ዝጸንሑን ሃገራዊ ፖለቲካዊ መስርሓት ኤርትራ ፡ ሎሚ ከም ሰፍኢ ግምጥል ኢልካ ምስ ስርዓት ወያነ ከይተረፈ ክንሰርሕ ኢና ይብሉና ኣለዉ፡፡ ኣብ ዘዝጥዕሞም ምስ ስርዓት ወያን ምሕዝነት ኣብ ምግባር ብዙሓት ጉጅለታት ተጓዮም፡፡ ኣብ ዝብጻሕ ግን ኣይበጽሑን፡፡ ኩሉግዜ ሽርክነት ባዕድ ዕድመ የብሉን፡፡ ሃገር ብሓደ ወይ ብኽልተ ሰልፍታት ይመሓደር እምበር ብኣርባዓ ወይ ሓምሳ ዝኾና ጉጅለታት ኣይመሓደርን እዩ፡፡ ጥዕናን ሃገራዊ ዕላማን ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኣይምተጸልአን እንተኾነ ግን ሃገርካ ብጸላኢ ተጎቢጡ እንከሎ ምስቶም ጎበጥትን ወረርትን ውዕላትን ስምምዓትን ክትገብርን ፡ መንዲልካ ዘርጊሕካ ካብ ስርዓት ወያነ ቁጠባውን ወተሃደራውን ሓገዝ ክትልምን ፡ ኣዲስኣበባ እንዳተማላለስካ ስምምዓት ጌርና እናበልካ ንህዝቢ ከተታልልን ፡ ኣብ ፍቕዶ ከተማታት ከም ኣዲስኣበባ ፡ ናይሮቢ ፡ ጀርመን ፡ ዋሺንግቶን ወዘተ… ዕንክሊል ምባልን እንታይ እዩ ፋይድኡ?

ብዛዕባ ዶብና ውዕላትን ስምምዕን ዝገብር መንግስቲ ኤርትራ እምበር እኽብካብ ጉጅለታት ኣብ ነንሕድሕዶም ክዋናጀሉን ዝውዕሉ ኣብ ሓደ መኣዲ ክበልዑ ዘይክእሉ ኣይኮነን፡፡ ጅብኣምን ጂባ ሓለፍቲ ወያነን ከህጥሩ እንተዘይኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትኣምር ከምጽእሉ እዮም፡፡

እቲ ዘገርም ድማ ሰነዳት ኣኻኺብካ መንግስቲ ከምዚ ይገብር ኣሎ እንዳበልካ ክሳታት ናብ ሕቡራት ሃገራትን ፡ መርማሪ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላትን ንዕንወት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕድሙ ሰይጣናዊ ጸብጻብ ከቕርቡን ፡ ተጣበቕቲ መሰላት ኮይኖም ክቐርቡን ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ መርዛምን ሓደገኛን ጽሑፋት ከቅባብሉ ካብ ዝጅምሩ ሓጺር ግዜ ኣይገበሩን፡፡ ሕጂ ግን ዘይሓላፍነታዊ ጸብጻብኩም ደጊም ይኣክል ንብሎም፡፡ ዝሓንጸጽኩሞን ዝሓሰኹሞን ኣይሰለጠን ፡፡ ብእንጻሩ ፖለቲካ ዓለምና ተቐይሩ፡፡ ድሮ ወከልቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ በጺሖም ብዓይኖም ዝረኣይዎ ልምዓት ምስክርነቶም ሂቦም፡፡ ምስ ጉጅለ ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ምዕረባውያን ሃገራትን ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝተመስረተ ሽርክነታዊ ውዕላት ተፈሪሙ፡፡ ልኡላውነት ሃገር ክትሕሉን ቁጠባ ሃገርካ ከተባራብርን ፖለቲካዊ ንድፊ ክትሕንጽጽን ንህዝብኻ እኹል ቀረብ ማሕበራዊ ፍትሒ ከተዳሉን እቲ ቀዳምነት ዝወቦ መስርሕ ምዃኑ ኣይንስሕቶን፡፡ እንተኾነ ግን ሽግርካ ምስ ወዲ ሃገርካ እምበር ወረቓቕቲ ደርዲርካ ምስቲ ደም ህዝቢ ኤርትራ ዘይጸገበን ፡ መቓብር ሓርበኛታት ዘፍረሰን ፡ ምስቲ ዓይኖም ደስ ኣይበለናን ኢሉ ንብረቶም ዘሪፉ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ነፍሰጾራትን ዝሰጎገን ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ ማዕቀብ ንኸይልዓል ዘእዊ ዘሎን ምስቲ ብውሽጣዊ ቅልውላው ናብ ዕንወት ዘምርሕ ዘሎ ስርዓት ወያነን እሳሰይቱን ባዕዳዊ ምሕዝነት ኣጥሪኻ ንህዝቢ ኤርትራ ከተድሚ ምፍታን ዓገብ ጥራይ ዘይኮነ ዘተሓታትት እዩ፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተ ዓመታት ዝተራእዩ ተዋስኦታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡፡ እንተ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ውዲታት እንጻር ህዝቢ ኤርትራ ግን ዘስደምም እዩ፡፡ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ግሎባዊት ዓለምና ኩሉ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰል ኣንተዝርኣ መጀመርያ መሰሉ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተገፈን ዝተበደለን ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ምተሰርዐ፡፡ ኣብ ግዜ መግዛእትን ኣብ ግዜ ወራር ወያነን ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ግፍዕታት ጸብጺብካ ኣይውዳእን እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ክሕነቕን ፡ ብታንክታት ክጭፍለቕን ፡ ብጃምላ ክርሸንን ፡ ዓድታቱ ክቃጸልን እንከሎ ፡ እዞም ሕጂ ሰብኣዊ መሰል ዝብሉ ዘለዉ ድኣ ኣበይ ነይሮም፡፡ ዶ ዋላስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ዓለም ፍሉይ ስለዝኾነ እዩ፡፡

ብዛዕባ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ተጋሂሱ ዝብሉ ሊቃውንቲ ደቂ ሃገርን እቶም መንነቶም ዘይተፈልጠ ኣቀባበልቲ ሕማቕ ታሪኽን ደማሚርካ እንተሪኢኻዮ መንቀሊኡን መደበሩን ምንጪ ሓይሉን ካበይ ከምዝኾነ ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ፡፡ክትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል እቶም እከይ ውዲታት ዝምህዙን ከይደቀሱ ዝሓድሩን ስርዓት ወያነን ኮራኹሮምን ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብኣግኡ ከምዝነቕሓሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ኤርትራ እምበኣር ንቕሓቱ ዝበረኸን ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐን ብዲሲፕሊን ዝተረረን ህዝብን ሰራዊትን እትውንን ብዘረብሑን ዘይረብሑን ዘይትድፈር እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከምዝኾነት ንጸላእትና ከስተብህሉ ንገድፎም፡፡

እምበኣርከስ ሎሚ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንኣ ኣሕይላ ፡ ህዝባ ጠርኒፋ ምስ ጎረባብታን ምዕራባውያን ሃገራትን ሓያል ሽርክነት ፈጢራን ፡ ንዝሓለፈ ሃዋሁ ከሊሳ ናብ ጎደና ልምዓት እትምርሽ ዘላን ፡ጸጋታታ ብግቡእ እትቋመትን እተማቓርሕን ነጻ ፖለቲካዊ ሕርይኣ እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ፡፡  እሞ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንጽባሕ ዘየጣዕስ ጽቡቕ ታሪኽ ክሰርሕን ንጸላእቱ ብግቡእ ከለልን ይግባእ፡፡

ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝውሕዝ ዘሎ ጸለመን ዘይንቡር ነፍሕታትን ንረብሓ መሃዝቱን ኣሳሰይቶምን እምበር ንሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝይኮነ ልብኻ ኣርጊእካ ብምስትውዓልን ብዕምቈት ምርኣዩ ከድሊ እዩ፡፡ ኩሉ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለምና ኣብ ልዕሊ ታሪኽን ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ዝዘንብ ዘሎ ሓሶትን ሰራም ዝተራጸመ ጸለመን ንዕቀትን ጽባሕ ነበረይ ነበረ ኮይኑ ከምዝተርፍ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ሓያል እጃምን ንጡፍ ተሳትፎን ናይ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ እየ ዝብል ዜጋ ድማ ይሓትት፡፡

እምበኣርከስ ለብዘበን 2016 ህዝቢ ኤርትራ እቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍለሉ መበል 25 ዓመት ጽንብል ብሩራዊ እዮበልዮ ብዓል ናጽነት ኤርትራ ከኽብር እዩ፡፡ ዮሃና ሰናይ ብዓል ብሩራዊ መዓልቲ ናጽነት ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፡፡

ሰላም መኽሰብ እምበር ክሳራ የብላን

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!
ዓወት ንሓፋሽ!!!

Received on Sun Apr 17 2016 - 07:22:15 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved