ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ጻዊዒት የቕርብ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 13 Apr 2016 15:49:58 +0000 (UTC)

ሚያዝያ 13, 2016

ተወልደ ተስፋጋብር

ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ጻዊዒት የቕርብ

ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ኢትዮጵያ ንትሸዓተ ዓመታት ተአሲሮም ዝርከቡ ክልተ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ማሕበር ምኽትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ሌፍኮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኣህጉራዊ ማህበረሰብ ኩነታት’ቶም ክልተ ጋዜጠኛታት ክፈልጥ ሓላፍነቱ’ዩ ኢለን።
ዋሽንግተን —
ኣብ 2006 ዓ.ም ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ዝርከብዎም ብርኽት ዝበሉ ዜጋታት ሃገራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኻብ ሶማል ናብ ኬንያ ድሕሪ ምእታዎም፡ መንግስቲ ኬንያ ናብ ሞቓዲሾ ከምዝጠረዞም ኣብቲ እዋን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬንያ ዝነበሩ ዶ/ር ኣልፈርድ ሙታእ ኣፍሊጦም ኔሮም።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2007 ዓ.ም.ፈ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ሒዘዮም ካብ ዝበሎም ብርክት ዝበሉ ሰባት ንተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ብቪድዮ ኣርእዩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኩነታት ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ካብ ዝተራእየሉ እዋናት ምሕጽንታ ኻብ ዘቕረቡ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት ሓደ ሂማን ራይትስ ዎች’ዩ። ኣብዚ ትካል ምክትል ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ለስሊ ለፍኮ ብዛዕባ’ቲ ዝነበረ ኩነታት ከምዚ ትብል።

'ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ኣብ ወርሕ ጥሪ 2007 ዓ.ም.ፈ ካብ ኬንያ ናብ ሞቓዲሾ ከምዝተጠረዙ ድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተወሰዱን ንፈልጥ። እዚኣቶም ኣካል ናይቶም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሕብረት እስላማዊ ቤት-ፍርዲ ንምውቃዕ ንሶማልያ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ኬንያ ዝአተው ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት’ዮም። ኻብ ሞንጎኦም ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ኬንያዊያንን ካልኦትን ኔሮም።'

'ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን ኣብ ሚያዝያ 2007 ዓ.ም.ፈ ከም ኣባል 41 ካብ ሶማልያ ዝተወሰዱ ውልቀ-ሰባት ኾይኖም ኣብ ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ተራእዮም ኔሮም። ስለዚ ምስኦም ከምዝነበሩ ኢና ንፈልጥ'ትብል ኣስዒባ።

ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኹነታት ክልቲኦም ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ብድምጺ ኣሜሪካ ዝተሓተቱ ካብ ላዕለዋት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቶ በረኸት ስምኦን 'መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዜጋታቱ ዝሓስብ እንተዝኸውን ናብ ሶማል ኣይምሰደዶምን' ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።

ለሰሊ ለፍኮ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ጋዜጠኛታት ክፈትሖም ወይ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም`ዩ ዝግባእ፡ ነዚ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/a/human-rights-watch-two-eritrean-journalists-jailed-in-ethiopia/3282954.html

*http://gdb.voanews.com/F1A97F4F-788E-4371-B9D3-58655FA6AA30_w600_r1_s.png

*http://gdb.voanews.com/591CB3D7-E32C-450C-9086-66251A89C858_cx0_cy3_cw0_w900_r1_s_r1.png

ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ሳልህ እድሪስ
Received on Wed Apr 13 2016 - 11:49:58 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved