ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ! ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት፡

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 27 Mar 2016 18:29:00 +0200

ሕሉቕ ኣውዲቑ ነይሓንቕ ፡ ዕሩቕ ከዲኑ ነየማሙቕ ፡ ተጻባእቲ ኤርትራ ኣብ መድረኽ እንክቃልዑ!

ብ ግዱሳት ተጸናጸንቲ እከይ ውዲታት
ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቅታት
ብ’ዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ 25 ዓመታት ነጻነቱን ሓርነቱን፡ ድሮ ምድላው ጽንብል ቡሩራዊ ኢዩቢዩል ምርኩስ ብምግባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ንዘለዎ ሓቅታት ክንጋልህ ኢና። ኣብ’ዚ ከም ፍሉይ ሕታም ጌርና እነቕርቦ ዘለና ናይ ምቅላዕን ምግላጽን ጽሑፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን፡ ካብ ቅድሚ ነጻነት ኣትሒዞም ዝሓልፍዎ ዝነበሩ ኩነት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን’ውን፡ ህዝብን መንግስትን ሃገርን ኤርትራ ዝሰግርዎ ዘለዉ ኩርዃህ፡ እንታይ ይመስል? ጥራይ ዘይኮነ፡ ውዲታቶምን ኩሉ ናይ ጠነግ ምትእስሳራቶምን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ንዘለዎም ናይ ገመድ ርክባትን ነዚ ገመድ እዚ ንምብንጣስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይሓልፎ ንዘሎ ጽንኩርነትን፡ ኪኖ እቲ ናይ ደቂቕ፡ ዝደቐቐ ጉዳያት ኣመልኪትና፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከነቅርብ ኢና። 
 

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ካብ ቅድሚ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ኣትሒዙ ዝካየዱ ንዝነበሩ ሽርሕታትን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ዝካየዱ ዘለዉ ኩነታት ብምትሕሓዝ ዘቃልዕ ጽሑፍ ብምዃኑ፡ ብትሕዝቶኡ ነዊሕ ክፋላት ዝኸይድን፡ ዋሕዚ ሰንሰለት ትሕዝቶ ጽሑፋቱ ንኸይበታተኽ ብማለት፡ ብዝተነጸረ ቐመር ግዜ፡ ብክፋላት ከነቕርቦ ኢና።

ንነፍስ-ወከፍ ዝግለጽ ፍጻሜታትን ውዲታዊ ተግባራትን፡ ኣብ ጎድኒ ተጻባይ ተግባራት ዝዋስኡ ናይ ዕንወት ጉጅለታትን፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዘቐደሙ ሓርበኛታትን ብስእሊ መልክዕ ከነላልን ከነቃልዕን ብማለት፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብምልኣት ኣቕሪብና ኣለና። ብዘይካ እዚ ብቅዳሕ ጥብቆ ዝተተሓሓዘ ሰነዳዊ መርትዖ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ እግሪ ጽሑፍ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ ኣቀራርባና ምስ ህልዊ ኩነታት ብምትሕሓዝ`ውን እነቕርቦ ስለ ዘለና፡ ምትሕውዋስ ዝመስል ክስተት ከጋጥም ዝኽእል`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ተጻብኦ ጠነጋት ክሳብ ኩሉ ኣላሽ ኢሉ ዘይተበናጠሰ፡ ምስቲ ዋሕዚ ጽሑፍ ብምትሕሓዝ ነቲ ሓቂ ክትግንዘብዎ ዘነጽር ጽሑፍ ብምዃኑ፡ ምስቲ ዝቕጽል ክፍላት ከተተሓሓዝዎ ከም ዘለኩም ኢና እንመክር።

ሰናይ ንባብ ቀዳማይ ክፋል፦

http://www.tesfanews.net/exposing-eritrea-detractors-bare-1/

Received on Sun Mar 27 2016 - 12:29:01 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved