ምእላይ ኣባላት ኦህዴው ካብ ሓላፍነት መፍትሒ ጸገም ህዝቢ ኦሮሞ ኣይኮነን ይብሉ ኣቦ መንበር ኦፌኮ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ዝተልዓለ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰረ ኣስታት 300 ኣባላት ኣመራርሓ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ውድብ/ኦህዴው/ ካብ ሓላፍነቶም ምእላዮም ንዝተፈጥረ ጸገም ህዝቢ ኦሮሞ ዝፈትሕ ኣይኮነን ይብሉ ምኽትል ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ።  

ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ማእሰርትን ካልኦት በደላትን ቀጺሎም ኣለው ዝበሉ ኣቶ ሙላቱ መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ቅሬታ ኣለኒ ምስ ዝብል ኩሉ ወገን ክዘራረብ ኣለዎ ክብሉ ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከተማ መንዲ መምህራንን ተማሃሮን ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም፣ካብ ዝሓለፈ 13 መጋቢት ጀሚሩ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝርከብ መደብር ዕዳጋ ከምዝተቓጸለ፣ነበርቲ እቲ ከባቢ ኢድ መንግስቲ ኣለዎ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዎም ተሓቢሩ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝፈልጦ የብለይን ክብል ከሎ ከንቲባ እታ ከተማ ድማ ተኣሲሮም ዝነበሩ ምፍትሖምን ብዛዕባ እቲ ባርዕ ድማ ምርመራ ይኻየድ ምህላውን ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጾም። 

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3253307.html

ምእላይ ኣባላት ኦህዴው ካብ ሓላፍነት መፍትሒ ጸገም ህዝቢ ኦሮሞ ኣይኮነን ይብሉ ኣቦ መንበር ኦፌኮ