ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ'ታ ከተማ ብዘጋጠመ ሕጽረት ማይ የማርሩ

ፋይል- ኣብ ከባቢ ክልል ኣምሓራ-ኢትዮጵያ ደቂ-ኣንስትዮ ማይ እንዳቀድሓ
ፋይል- ኣብ ከባቢ ክልል ኣምሓራ-ኢትዮጵያ ደቂ-ኣንስትዮ ማይ እንዳቀድሓ

ካብ ከባቢ ሽሮ ሜዳ ሎሚ ርእይትኦም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ነበርቲ ገሊኦም ኣብ ሰሙን ወይ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲ ማይ ትመጻና ይብሉ፡ ገሊኦም ከኣ እቲ ጸገም ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ይገድድ ምህላው ይጠቕሱ።

'ኸቢድ ጸገም ማይ ኣሎ፡ ብፍላይ ጉለሌ ወረዳ 6 ዝብሃል ኸባቢ፡ ክሳብ 20 መዓልታት ዝኸውን ማይ ዘይመጻሉ ግዜ`ሎ፡ ደቅና ጀርካናት ተሸኪሞም ርሑቕ ይኸዱ' ዝበሉ ነባሪ ኣተሓሒዞም 'ዘለናዮ ናብራ ኣይኮነን ፡ ክንሕጸብ`ውን ኣይከኣልናን' ይብሉ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ መንግስቲ ንገለ መተሓጻጻቢ ዝኸውን ብቦጥ የቕርበልና`ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3250017.html

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ'ታ ከተማ ብዘጋጠመ ሕጽረት ማይ የማርሩ