M.Tigrigna.VoaNews.com: ኤርትራ ዝወሰደቶ ምፍታሕ ኣርባዕተ ምሩኻት ጅቡቲ፡ ናብ ንቡር ምሕዝነት ዝወስድ`ዩ ይብሉ በዓል-ስልጣን ጅቡቲ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 22 Mar 2016 18:07:02 +0100

ኤርትራ ዝወሰደቶ ምፍታሕ ኣርባዕተ ምሩኻት ጅቡቲ፡ ናብ ንቡር ምሕዝነት ዝወስድ`ዩ ይብሉ በዓል-ስልጣን ጅቡቲ

መጋቢት 22, 2016

ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ እስማዒል ዋዓይስ፡ ጅቡቲ ዝሓዘቶም ምሩኻት ኤርትራ የለዉን ኢሉ።

ኣርባዕተ ምሩኻት ዝፈትሐት ኤርትራ ዝተረፉ ሸውዓተ ክትፈትሓልና ንጽበ`ለና ክብል ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ እስማዒል ዋዓይስ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ሓቢሩ።

እቲ ምፍታሕ ምሩኻት፡ ኣብ ምምጻእ ንቡር ምሕዝነት ዓቢይ ተራ ከምዝህልዎ`ውን ተዛሪቡ።

ዶ/ር እስማዒል ኣተሓሒዙ፡ ጅቡቲ ዝሓዘቶም ምሩኻት ኤርትራ የለዉን ኢሉ።

ነዚ ብዝምልከት፡ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ዩናይትድ ስቴትስ፡ ኤርትራ ነቶም ኣብ ዶባዊ ግጭት 2008 ዝተማረኹ ኣርባዕተ ጅቡታውያን ብምፍትሓ ብሓጎስ ትቕበሎ ኢሉ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ ገና ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ዘይክኣሉ ዝተረፉ እሱራት`ውን የተሓሳስበና`ዩ ብምባል፡ መንግስቲ ቐጠር፡ ኣብ ምፍታሕ`ቶም እሱራት ንዝገበሮ ናይ ሽምግልና ጻዕሪን ንዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንዝገበሮ ኣበርክቶን ነመስግን ኢሉ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ`ቲ ብመንገዲ ወሃቢ-ቓሉ ጆን ኪርቢ ዝዘርግሖ መግለጺኡ፡ ቐጠር ንእትገብሮ ዘላ ናይ ሽምግልና ጻዕርታትን መንግስታት ጅቡትን ኤርትራን ንዝገብርዎ ዘለዉ ስራሓትን ጽኑዕ ድጋፍና ነረጋግጽ ኢሉ`ሎ።

ብተመሳሳሊ መልእኽቲ፡ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን፡ ብወገኖም ብዛዕባ`ቲ ምፍታሕ እሱራት ከምዝተሓበሩን፡ ንሽምግልና ቐጠርን፡ ኤርትራ ነቶም ምሩኻት ጅቡቲ ብምፍትሓን ከምዘመጎሱን፡ ወሃቢ-ቓሎም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ሓዲሽ ተርእዮ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ጉዳይ ኣብ ምርኣይን፡ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምህናጽን ክሕግዝ ተስፋ እገብር ኢሎም ባን ኪ ሙን።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/03/21/6bb2ba8c-704f-4187-8386-be5559307496.mp3?download=1

 
Received on Tue Mar 22 2016 - 13:07:03 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved