ተኣኪብካ ገዛኻ ትሃንጽ እምበር ገዛኻ ከተፍርስዶ ትእከብ! ብ ተስፋማርያም ሓጎስ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 20 Mar 2016 22:30:35 +0100

ተኣኪብካ ገዛኻ ትሃንጽ እምበር ገዛኻ ከተፍርስዶ ትእከብ!

Safeguarding Eritrea from dafla, reisen and traitors EU Parliament resolution on Eritrea Human Rights
ተካል ውላድ መጕሃይ ዘመዱ ሕማቕ ዜጋ መባላሸዊ ዓዱ ። ነዞም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንጠንቀቐሎም ።

ተስፋማርያም ሓጎስ:

March 20, 2016

ብ ታሪኽ ኤርትራ ንድሕሪት ምልስ ኢልና መዛግብቲ ታሪኽ ምስ እንፍትሽ ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ነንብብ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ይወርዶ ምንባሩን ፣ ይኹን እምበር ኣሜን ኢሉ ንመግዛእቲ ዘይቅበልን ጭራሽ ዘይምብርከክ ህዝቢ ምዃኑ ንርዳእ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነቱን ክብረቱን ሓያል መኸተ ዘካየደን ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈለን ሓርበኛ ህዝቢ እዩ ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ገማግም ባሕሪ መግዛእቲ ቱርኪ ንነዊሕ ዓመታት ይግዛእ እምበር ካብ ግብሪ ምእካብን ምምሕዳርን ሓሊፉ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ሰፊሩ ባህሉን ቋንቍኡን ከተኣታቱን መሬት ክወስድን ግን ኣይከኣለን። እዚ ጸሊኡ ዘይኮነስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎኡ ከስፍሮ ከም ዘይክእል ስለ ዝፈለጠ እዩ።

ድሕሪ መግዛእቲ ቱርኪ ዝሰዓቡ መግዛእቲ ጥልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያን ውን ከምኡ ኣብ ከተማታት ኮይኖም ግብሪ ክእክቡን ከመሓድሩን እንተ ዘይ ኮይኖም ኣብ ገጠራት ኣብ መንጎ ህዝቢ ክሰፍሩ ኣይከኣሉን። እዚ እቲ ዝዓበየ ጽንዓትን ሓርበኝነትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘርእየና ። ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ኩሎም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበሩ ህዝብታት ኣፍሪቃ እቲ ሓደን በይኑን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ቋንቍኡን ባህሉን ዓቂቡ ዝጸንሐ ። እቶም ካልኦት ከም ኣብነት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበሩ ህዝብታት ሃገራዊ ቋንቍኦም ቋንቋ ፈረንሳ ዝመሃርዎ ብቋንቋ ፈረንሳ፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ወይ ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝነበሩ ውን ከምኡ።

ህዝቢ ኤርትራ ፈተውቱን ጸላእቱን ግርም ጌሩ ዝፈልጥ ዘዅርዕ ባህልን ስልጡን ስነ ምግባርን ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ገና ቍስሉ ብውዕዩ እንከሎ ነቶም ዘቝሰልዎ ጸላእቱ ይቕረ ዝብል ህዝቢ እዩ። እዚ ማለት ፈራሕ ወይ ዓሻ ኮይኑ ኣይኮነን። እዞም ብወገን ደቡብ ዝዳወቡና እንክጠምዩ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ዝልምኑ፣ እንጌራ ትኳቦ ረኺቦም ከብዶም ምስ መልአ ዝሓየሉ መሲልዎም በትሮም ዘወጣውጡ ኢትዮጵያውያን ሰላምናን ህላዌናን ንምዝራግን ብኡ ኣቢሎም ንምጥፋእና ዝለዓሉ ኣማእት ዓመታት እኳ እንተቝጸረ እዚ ናይዚ ዘለናዮ ግዜ ነገር ምድላይን ምትዅታዅን ግን ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ኣቖጢዕዎን ኣኽሒንዎን እዩ ።

ሎሚ ኤርትራውያን ነቶም ንሰላም ምድላይና ከም ድኽመት ቆጺሮም ኣብ ሕቝፊ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኮይኖም ዘጓጡጡልና ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ንዘንት እለት ትኒዕ ከም ዘይብሉና ክንገብሮም ካብ ታተ ዝብል ህጻን ክሳብ ብምርኩስ ዝኸይድ ሽማገለን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።

ንሕና ኤርትራውያን ትሽዓተ ከም ሓደ ፣ ሓደ ድማ ከም ትሽዓተ ኢና ፣ ብዙሕነትና ግርማና ኤርትራውነትና ድማ ክብርናን መንነትናን እዩ። ንሕና ኩልና ሓደ ስድራ ኢና ፣ እታ ገዛና ድማ ኤርትራ እያ። ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት በብዘለዎም ዓቕምን ክእለትን እታ ገዝኦም ንኽትጸንዕን ንኽትጽብቕን አእጃሞም የበርክቱ፣ ኣብኣ ድማ የጽልሉን ይዕቆቡን ማሚቖም ይነብሩን ። ዋላ ሓደ ካብ ኣባላት እታ ስድራ ተባኢሱ ወይ ኮርዩ ነታ ገዛ ከበላሹን ከዕኑን ኣይህቅንን ኣይሓስብን ፣ እቲ ምንታይሲ ብጀክኣ ካልእ መዕቆብን መጽለልን የብሎምን። እታ ገዛ እንተ ፈረሰት ኣብ እንዳመን ገዛ እዮም ክቕመጡ ? ብሓጺሩ ምስ ኣሕዋቱን ወለዱን ተባኢሱ ንታ ገዛ ከዕኑን ሓዊ ከንድዳን ዝሓስብ ኣባል ናይታ ስድራ የለን፣ ይትረፍዶ ሰብሲ እንስሳ ውን ከምኡ ኣይገብርን እዩ።

ኣብ ኣርባዓታት ብእንግሊዝን ኣሜሪካን ብዝተጠንሰሰ ተንኮል ብዙሓት ኤርትራውያን ምስቲ ዝሓለፍዎ ኣስካሕካሒ ዓሌታዊ መግዛኣቲ ጥልያን ብምዝማድ ይሓይሽ ይኸውን ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሽን ምንባር ደጊፎም ኔሮም። ደሓር ግን መግዛእቲ ኢትዮጵያ እንታይ ከም ዝፈደዮም ነፍሲ ወከፍና ንፈልጦ ኢና። ነጻነትና ንምርካብ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊስና ተሰዊእና ሰንኪልና ህዝብና ዓድታቱ ብሓዊ ምስ ተቓጸለ ናብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍ ተገዲዱ። ነፍሲ ወከፍ ስድራ ገሊኣ እቲ ሓደ ውላዳ ወፍያ ኣደ ሓሙሽተ ሓሙሽቲኦም : ኣደ ሸሞንተ ሸሞንቲኦም ውላዳ በጃ ሃገር ወፍያ። ስድራ ሰማእታትና ግን ደቅኹም ተሰዊኦም ምስ ተባህሉ ኣይበኸዩን ዓወት ንሓፋሽ እዮም ኣድሚጾም ። እዚ ማለት ግን ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወረድና ኣሰቃቒ ግፍዕታትን መስዋእትን ስንክልናን ረሲዕናዮ ማለት ኣይኮነን ። ስም ኢትዮጵያውያን ክለዓል ኩሎም ዝወደቑ ሰማእታትና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ቅጅል ይብሉና እሞ ባሕሪ ከብድና ከም ማዕበል ውቅያኖስ ይገላበጥ እሞ ኣስናንና ንሕርቅም ። ስርዓታት ኢትዮጵያ ንበሎም ኢትዮጵያ ገና በቲ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ዘፍሰስዎ ደምና ስለ ዘይረወዩ ነተን ዝተረፋ ደምና ንምፍሳስ ኣብ 1998 ከም እንደገና ወረሩና። ሎሚ ውን ከም ቀደምና ሓማሺሽና ደርቢናዮም ። እወ ነታ ጀጋኑ ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር ጀጋኑ ከፊልና ክንዕቅባ ተገዲድና።

እቲ ዘገርም ናይ ኢትዮጵያውያን ወራር ኣይኮነን፣ ከዳዓት ደቂ ሃገር ብኢትዮጵያን ዓንገልታን ተዓሲቦም ንወራር ወያነ ክባርኹን ኣጆኹም ክብሉን ክትርእን ክትሰምዕን ከሎኻ እዩ። እዞም ጎሓፋት ሓተላ ሕብረተሰብ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ድፈሰሰ ደምና ዝተሰብረ ኣዕጽምትና ብኢትዮጵያን ዓንገልታ ናይ ምዕራብ ሃገራት ምዃኑ ብኸመይ ክዝንግዕዎ ክኢሎም ? ኣዴታት ኤርትራ ድቀን ብጃምላ ንሃገር ከፊለን ናይ ወላድ መኻን ከምዝኾና ብኸመይ ክርስዕዎ ክኢሎም ? ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰማእታት ሃገር ንስለ ነጻነት ኤርትራ እዮም ተሰዊኦም እምበር መዓስ ጨው በረበረ ክሽቕጡ ሞይቶም ! እዞም ርኳን ሕብረተሰብ ግን ነቲ ብመስዋእቲ ሓላላት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተረኽበት ናጽነት ኣጥፊኦም ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ከረክቡ ድዩ እቲ ሕልሞም ?

ናይ መን ገዛ እዩ ክፈርስ ? ገዝኦም ገዛ ናይ ስድርኦም ደይኮነን ! ዓዲ ናይ መን እዩ ክዓኑ ? ናይ መን ሃገር እያ ክትዝመት ? ሃገሮም እታ ህያብ ሰማእታት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ደይኮነትን ! ከምቲ እቶም ጀጋኑና ደቂ ትሽዓተ ብሄራትን ኣመንቲ ክልተ ሃይማኖታትን ብሓደ ሰሚሮም ሃገር ደምጽኡን ሃገር ድሃንጹ ዘለዉን ! ተኣኪብካ ብሓደ ኮይንካ ገዛኻ ትሃንጽ ሃገርካ ተማዕብል እምበር ገዛኻ ከተፍርስ ሃገር ክትሸይጥዶ ትእከብ ኢኻ !

ተካል ውላድ መጕሃይ ዘመዱ ሕማቕ ዜጋ መባላሸዊ ዓዱ ዝበሃል ከምዚ ምስ ተረኽበ እዩ ። እምበርዶ ኣዛዊሩ ዝሓስብ ሓንጎል ኣለዎም ! ብሃገር ምቍማር ገበን ምዃኑ ይርድኦም ድዩ ! ያኢ ህዝቢ ኣጥፊኦም ሃገር ሸይጦም ኖበል ፕራይዝ ብናይ ምዕራብ መንግስታት ክሽለሙ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያታትን ዋዕላታትን ከም ዕቡድ ከልቢ ክነብሑ ምውዓሎም ዘገርም እዩ።

ኣንቱም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም : ንሕና ከለና ሃገርና መን እዩ ዝደፍራ ! ንሕና ብደውና ከለና መንዩ ድርኩዂት ገዛና ዝረግጽ! ትማል ኣይረገጹ ሎሚ ኣይረግጹ ንዘንት እለት ውን ኣይክረግጹን እዮም ! እኳ ደኣ በቲ ብደም ጸላእቱ ከይጨቀወ ናብ ሰፈሩ ዘይምለስ ሴፍናን ጉራዴናን ተቖራሪጾም ቀለብ ኣራዊት ይኾኑ ። ሕድሪ ሰማእታትና ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ምስ ተጻሕፈ እዩ። ኣቦታትና ውን ብዛዕባ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መጋበርያ ጸላኢ ብዜምኦም ከምዚ ይብሉ ፣

ገለ ክፋል ናይታ ንጉሰ ወደቦይ እልፉ ትብል ዜማ ክጠቅስ፣

ኣንታዞም ዓድና ዞም ዓያሹ
ሃባ ቅጭን ኢሎም ከይለብሱ
ሃባ ጮማ ኢሎም ከይጎርሱ
ሃባ በቕሊ ኢሎም ከይገሹ
ሃባ ብዕራይ ኢሎም ከይሓርሱ
ተኣኪቦም እምብኦም ዘፍርሱ
እምብኦም እምበር እምባ መን ፈሪሱ

ብርግጽ እዞም እርይራይ ወይጦታት ድማ ነዚ ክቡርን ሕፉርን ህዝቢ ኣጥፊኦም ነታ ህያብ ሰማእታት ዝኾነት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ኣማሕሊፎም ክህቡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ ። ጀጋኑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ሳሊና ኣብ ጥዋለት ቀጣን እንታይ ዓይነት ቅያ ፈጺሞም ነጻ ኤርትራ ንህዝቦም ኣረኪቦም ሓሊፎም ።

ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት ደቂ ኤረ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ነገር ፈተውትኻን ጸላእትኻን እንተላይ እቶም እሾኽ ምድሪ ቤት መሚኻ ምፍላጥ እዩ ። ግዳማውያን ጸላእትና እቲ ኣብ መውዳእታ ክወቕዕዎ ዝደልዩ ሽቶ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና ። ስለ እንፈልጦ ድማ ሓለዋናን ጥንቃቔናን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ክሕይል ኣለዎ።

ናይ ምዕራብ ሃገራት ካብ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ኣትሒዞም ፣ ንዕላማ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኣስተውዒሎም ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃውያን ብምባል ንህዝቦምን ሃገሮምን ደው ዝበሉ መራሕትን መራሕቲ ናይ ነጻነት ምንቅስቓሳት ቀንጺሎም ክንደይ ሃገራት ንድሕሪት ተመሊሰን ኣደዳ ዘረፋን ስዉር መግዛእትን ኮይነን ተሪፈን ኣለዋ። እዚ ንመራሕቲ ቀንጺልካ ሃገርን ህዝብን ፋሕፋሕ ምባል ብመን የካይድዎ ኢልና ምስ እንሓትት ብዕሱባት ደቂ ሃገር እዮም ዘካይድዎ ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ፣ ኦ ፈጣሪ ካብ ፈታውየይ ደኣ ሓልወኒ እምበር ንጸላኢየይሲ በትረይ ኣለኒ !

ንሕና ድማ ነዞም ከዳዓት ነኸስቲ ጡብ ኣዲኦም ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ክንጥንቀቐሎም ኣለና ። ኣጆኹም ኣጆና ኩሉ ዓቕምና ንሃገርና ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልካል ኤርትራ !
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Sun Mar 20 2016 - 17:30:35 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved