ራብዓይን መዛዘምን መድረኽ ዙር ሰቲፍ ትማሊ ብዓወት ክለብ ኣልናስር ቶማስ ቫቲኩስ ተዛዚሙ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 17 Mar 2016 11:06:53 +0000 (UTC)

17 መጋቢት 2016

ራብዓይን መዛዘምን መድረኽ ዙር ሰቲፍ ትማሊ 16/03/2016 ብዓወት ክለብ ኣልናስር ቶማስ ቫቲኩስ ተዛዚሙ ፡

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ተስፎም ዑቁባማሪያም ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ብተወሳኪ ተስፎም ብሉጽ ተቀዳዳማይ ተባሂሉ ኣብ መድረኽ ደይቡ ኢዩ። ማሓሪ ፡ ሚልዮን ኣማኑኤል ፡ ኣማንኑኤል ጸጋይ ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ ድማ ካብ 10ይ ክሳብ 13 ተማራሪሖም ውድድሮም ዛዚሞም ።

ኣብ ውህሉል ግዜ ድማ ሞሮካዊ ዓድብደሓስ ኢሲዒድ ካብ ክለብ ኣልናስር ንዙር ሰቲፍ ዓመተ 2016 ትዓዊቱሉ፡ ሰለስተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ድማ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይኖም ውድድሮም ብምዝዛሞ ብኡሲኣይ ዝዋሃብ ነጥቢ ተማቂሎም ፡ ማሓሪ መበል 7 ፡ ተስፎምን ኤልያስ ድማ መበል 9ይን 10ይ ኮይኖም ዙር ሳቲፍ ዛዚሞሞ።

ኣብ ናይ ትሕቲ ዕድመ ድማ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ማሓሪ ሳልሳይ ድረዝጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብክለብ ኣል ናስርን ሩዋንዳን ተበኪጻ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ጽቡቅ ውጽኢት ኣመዝጊባ ።
____
Credit: EritreanCycling
Received on Thu Mar 17 2016 - 07:06:53 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved