Tigrigna.VoaNews.com: 1. ‘ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታት ንዝተፈጠረ ቅሬታ ህዝቢ መንግስትን ፓርትን ሓላፍነት ይወስድ’ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ 2. ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ይቅሬታ ይሓትት

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 13 Mar 2016 22:05:03 +0100

‘ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታት ንዝተፈጠረ ቅሬታ ህዝቢ መንግስትን ፓርትን ሓላፍነት ይወስድ’ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣብ ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ናይ ህዝቢ ቅሬታ መንግስቶምን ፓርቶምን ሓላፍነት ከምዝወስዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።

 
ፋይል- ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፋይል- ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
 
እስክንድር ፍሬውገብረ ገብረመድህን
 
 
 
 
 

ሎሚ መዓልቲ ሓሙስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቀ/ሚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ከምዘየሳብቡ ተዛሪቦም ኣለው።ንዝተለዓሉ ሕቶታት ቐልጢፍና ምላሽ ብዘይምሃብና ምስ ህዝቢ ኣብ ቅርሕንቲ ንኣትው ኣለና ኢሎም።

 ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ጉዳይ ንጥፈታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ መንግስቶም ንፓርላማ ኣብ ዝሃብሉ መብርሂ ብዛዕባ ደም ዘፋሰሰ ናይ ኦሮሚያ ተቓውሞ ብትሕዝቱኡ ዝተፈለየ፣ብኣቀራርብኡ ድማ ዝተለሳስለሰ እዩ።

ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ምሃብ ዝጀመሩ መንግስቶም ፓርቲኦም ኣብቲ ጉዳይ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወስዱ ብምሕባር ነይሩ።

‘ሎሚ ይኹን ደጋጊምና ንብሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ኢድና ካብ እነወጣውጥ ወይ ካብ እንጥምት እቲ ሽግር ናይ ባዕልና ምዃኑ ሕጂ እውን ክነስምረሉ ይግባእ’ ኢሎም።   

ኣብ ኦሮሚያን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ቅርሕንቲ ክፍጠር ዝኽኣለ ጸገም መንግስቶም ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ገሊጾም።

‘ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ብልሽውና፣ንናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ቐልጢፍና ምላሽ ስለዘይሃብና ምስ ህዝቢ ኣብ ቅርሕንቲ እናኣተና መጺኢና ኣለና።ዝተፈጥረ ቅርሕንቲ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ናብ ግጭት ዓብዪ እዩ።’         

ምኽንያት ቅርሕንቲ ጸገም ሰናይ ምምሕዳር ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም እቲ ጸገም ኣብ ኩሉ ከባቢ እታ ሃገር ዘጋጠመን ዘጋጥም ዘሎን እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3229663.html

‘ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታት ንዝተፈጠረ ቅሬታ ህዝቢ መንግስትን ፓርትን ሓላፍነት ይወስድ’ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
*****************************************************************

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ይቅሬታ ይሓትት

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያን ካልኦት ክልላትን ንዝተኸሰተ ኩነታት፣ ይቅሬታ ሓቲቶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ ግን ኣይተለወጠን ኢሎም።

 
እስክንድር ፍሬው

ተቃወምቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጉድኣት ዝወረደ መንግስቲ ልዕሊ ዓቀን ስጉምቲ ብምውሳዱ’ዩ ይብሉ። መንግስቲ ግና፣ ተሓተቲ፣ ናይ ውሽጢን ወፃእን ሓይልታት ፀረ-ሰላም’ዮም ከምዝብል ዝዝከር’ዩ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ‘ግቡእ ሕቶ ህዝቢን ንድልየት መንእሰያት ኣንፈቱ ንምስሓት፣ ሓይልታት ፀረ ሰላም፣ ፀበብትን ትምክሕተኛን፣ ንዋህዮታቶም ኣበጊሶም ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢን መንግስቲን፣ ከምኡውን ንመዋእል ሓቢሮም ንዝነበሩ ህዝቢታት ንምልታም ኣብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ። ሳላ ፃዕሪ ህዝቢ ግና ፈሺልዎም’ዮ። ፈደራላዊ መንግስቲ በቲ ዝተፈጠረ ነገር፣ ይቅረታ ይሓትት’ ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም፣ ብዛዕባ ኤርትራ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ‘ፖሊሲና ንፁር’ዩ። ንዝፍፅማ ሕድ-ሕድ ተግባር፣ ብመሰረት ዓለም-ለኸ ሕጊ ተመጣጣኒ ስጉምቲ እናወሰድና ክንቅፅል ኢና ኢልና ኢና። ዶብ ሰጊሮም ንዜጋታትና ሓፊሶም ነይሮም። ስልጥ ኢሎም መሊሶምዎም ኣለው። እንተዘይምልስዎም ነይሩ፣ እንታይ ከምዝስዕቦም ካብ ፖሊሲና ፈሊጦም’ዮም’ ኢሎም።

ነዚ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣብ’ዚ ቀረባ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ኤርትራ ‘ነቲ ህውከት ኤርትራ ወይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣበጊሶም ኣልዮሞ ምባል ሂስተርያዊ ዘመተ’ዩ፣ ነቲ ሓቂ ኪዓብጦ ኣይክእልን። ስቕ ጥዑም’ኳ እንተዀነ፡ ሓሶት ኪበዝሕን ከጋልብን ከሎ፡ ሳሕቲ ሓቂ ምንጋር  ስለዘድሊ’ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ቈይቊ ዘመተ ኪዕደም ድልየት የብሉን’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ።

ቀ/ሚ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ኣብ’ቲ ትማሊ ናብ ፓርላማ ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት፣ ንካልኦት ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት’ውን ኣልዒሎም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

http://tigrigna.voanews.com/audio/3232373.html

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ይቅሬታ ይሓትት
Received on Sun Mar 13 2016 - 17:05:03 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved