ናይ ሽሮ ፈጣዕ ፈጣዕ ጣይታ ክሳብ ዝቐርብ !, ብ ተስፋማርያም ሓጎስ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 13 Mar 2016 13:25:44 +0100

ናይ ሽሮ ፈጣዕ ፈጣዕ ጣይታ ክሳብ ዝቐርብ !

daniel-meron-elsa
እዛ ሃገር ብደምን ኣዕጽምትን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ተረኺባ ብደምን ኣዕጽምትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ዝተዓቀበት ሃገረ ፡ ብእፍሊ ገፍል መፈል  ከይትድፈር ፡ ኣብ ዝሃለና ሃሊና ወትሩ ኣለኹልኪ ክንብል ይግባእ።

ተስፋማርያም ሓጎስ

ዝብን መንግስትን ኤርትራ መንነቶም ብግቡእ ዝርድኡን ዝፈልጡን እዮም ። ኣብ እንርከቦ ኣህጉር ይኹን ከባቢ ድማ ሓይሎም ዝፈልጡን ሓይሊ ካልኦት ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ኣብ ባዶ ጃህራን ፈኸራን ዘይኣምኑ እዮም ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንሰላም ቀዳምነት ዝህቡ ተገዲዶም እንተዘይኮይኑ ንዂናት ከም መፍትሒ ዘይኣምኑ እዮም። ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኲናት ኣዊጆም ኣይፈልጡን እዮም ።

እቶም ሰላምናን ምዕባሌናን ዘይደልዩ ብሸነኽ ደቡብ ዝዳወቡና ኢትዮጵያ ንምጥፋእና ለይትን ቀትርን ኣስሚሮም ካብ ፈቐዶ ሃገራት ኣጽዋርን ሰብን ኣኻኺቦም ኣብ ልዕሌና ኲናት ካብ ምእዋጅ ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን። ንሳቶም ኣብ ዓውዲ ኲናት ብዝሒ ሰራዊት ምህላው ወሳኒ ጌሮም ስለ ዝርእይዎ ንህዝቢ ኤርትራ መለኸት ብምንፋሕ ሎሚ ጽባሕ ወሓጥናካ ደፊእና ኣብ ባሕሪ ኣጥሓልናካ ክብሉ እነሆ ሓምሳ ዓመታት ሓሊፉ ። ኢትዮጵያውያን ሎሚ ኣይኮኑን ኣብ ሓደ ለይቲ ተጫጪሖም ብብዝሒ ተዓጻጺፎሙና ፡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ውን ንሕና ሰለስተ ሚልዮን ከሎና ንሳቶም ዕስራን ሓሙሽተን ሚልዮን ኔሮም እንተኾነ በቲ ሓያል ቅልጽምና ተዳሂኾም ካብ ሃገርና ተሓግሒጎም ጠፊኦም። እሞ ድማ ንሕና በይንና ብዘይ ናይ ማንም ሓገዝ ንሳቶም ግን ናይ ክልተ ርእሰ ሓያላን ምሉእ ዘይጉዱል ሓገዝ ሒዞም ። ንሕና ኤርትራውያን ኢና ሕጹባት መዓንጣ ሓዊ ንተፍእ ከም እሳተ ጎሞራ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራ ብዓለም ተነጺላ እያ ፡ ክልተ ግዜ እገዳ ተጌሩላ ፡ ብረት ክትሽምት ኣይትኽእልን እያ ፡ መንእሰያታ ተጓሕጒሖም ተሰዲዶም እዮም ፡ ንሕና ግን ምሉእ ዘይጉዱል ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ኣለና ክሳብ ኣፍንጫና ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቕና ኢና ንኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ካርታ ዓለም ክንሓካ ንኽእል ኢና ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ ።

ቀደምከ ንሕናዶ ብረት ንገዝእ ኔርና ኢና ! ደይ በቲ ሚልዮናት ዶላራት ኣውጺእክን ዝገዛእክንኦ ብረት ካብ ኢድክን መንዚዕና ኢና ንልሕሰክን ኔርና ! ባዕሎም ኢትዮጵያውያን ክምስሉ ፡ “ምንም ብቀጥን ጠጅ ነኝ”  ይብሉ፡ ንሕና እኮ ኤርትራውያን ኢና እቶም ንኢትዮጵያውያን ኣብ ስሬኦም ከም ድጽሕጽሑ ጌርና ቀለብ ኣሞራ ዝገበርናዮም ። እንታይ እዋን ደኣ ረሲዐሞ ! ትማል ” እባክህ ማረኝ ጭቁን ነኝ”  ይብሉ ከም ዘይነበሩ ሕጂ ደኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ እዩ ክሳብ ክንድዚ ፈኸራን ጃህራን !

ኢትዮጵያውያን ኣይኮነንዶ ተስዓን ሸውዕተን ሚልዮን ኮይኖም ክልተ ሚእቲ ሚልዮን እንተ ኾኑ ውን ኣብ ቅድሜና ዋጋ የብሎምን ንክልተ ሚእቲ ኣናጹ ሓደ ድሙ ኢና ንብሎም ። እዚ ከኣ ንጀሃር ዘይኮንና ዘሎና እቲ ናይ ትማልን ቅድሚ ትማልን ቅያ ጅግንነትና ህያው ምስክር እዩ። ደርጊ ክፍክር እንከሎ “የፍየል ወጠጤ ትከሻው ያበጠ ልቡ ያበጠበት እንዋጋ ብሎ ለነብር ላከበት” ፡ “የማትረባ ፍየል ዘጠኝ ትወልዳለች ልጆችዋም ያልቃሉ እስዋም ትሞታለች” ።

ሎሚ ድማ እዛ ኣብ ዘይቦትኣ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበለት ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክትፍክር ንኣዳም ገረሞ እዩ ዘብል ። ጠቅላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ድማ ንኤርትራ ሎሚዶ ጽባሕ ክንሃርማ ኢና ምባሎም ብዙሕ እኳ ዘገርም እንተ ዘይኮነ ንሰራዊት ንጉስ ጦና ደምሲሱ ንንጉስ ጦና ዝቐተለ ኤርትራዊ ምንባሩ ኣይፈለጡን ደኾን ኮይኖም እዮም። እዞም ወጣጡ ትግራይ እንተኾኑ ኣብ ዘይዓቕሞም ኣትዮም ፈንጠርጠር ምባል ናይ ኣባሓጎታቶም ባህርይ እዩ ።

ሃጸይ ዮሃንስ ኣብ ዘይዓቕሙ ምስ ማህዳውያን ውግእ ገጢሙ ሰራዊቱ ተደምሲሱ ንሱ ውን ተቐቲሉ ጥራይ ደይኮነስ ማህዳውያን ርእሱ ቆሪጾም ብምውሳድ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤተ መዘክር ሱዳን ኣሎ። ሃጸይ ቴዎድሮስ ውን ኣብ ዘይዓቕሙ ምስ እንግሊዛውያን ተፈኻኪሩ ብጀነራል ናፕየር ዝምራሕ ሰራዊት እንግሊዝ መቅደላ ብምኻድ ንሰራዊት ሃጸይ ቴዎድሮስ ምስ ደምሰሶ ሃጸይ ቴዎድሮስ ሽጉጡ ሰትዩ ሞይቱ ። ነዚ ውድቀቱ ድማ ከም ጅግንነት ቆጺሮም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ክጀሃርሉ ይስምዑ። ስለዚ ንዓና ንኤርትርውያን ናይ ኢትዮጵያውያን ጃህራን ፈኸራን ዕጅብ ኣይብለናን እዩ ፡ እቲ ምንታይሲ ባዶ ስለ ዝኾነ ።

እዛ ግናይ ጭፍራ ዕድሚኣ ዕድመ ጣንጡ ምዃኑ ዝተረድአት ኣይትመስልን እያ። እንተ ትርዳእ ኔራ ህዝባዊ ግንባር ፈጣሪኣ ህዝቢ ኤርትራ ዓንጋሊኣ እዩ ኔሩ ። ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውን ትርጉም ዘይወሓባ ምዃና እናፈለጠት ብሓይሊ ረጊጻ ክትገዝኦ ምፍታና ኣብ ርእሳ ሓዊ ትኣጉድ ከም ዘላ ኣይተረድኣን። እነሆ ድማ ሎሚ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ መላእ ሃገር ተባሪዑ ንንጉስ ሃይለስላሰ ዘጓነፎ የጓንፋ ኣሎ ። ዝሓስብ ሓንጎል ስለ ዘይብላ ኣንፈት ናይቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጥዋይ ፡ ነዚ ኩሉ ሓዊ ዘባርዕ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እዩ፡ ክትብል ትስማዕ ኣላ ።

እዛ ዜሮ ሓንጎል እትውንን ግናይ ጭፍራ ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ተበጊሱ ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜተር ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ፡ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፉ ኣርባዕተ ሚእቲ ኪሎ ሜተር ኣርሲ ከይዱ ሓዊ ዝኣጉድ እንተኾይኑ እታ ጭፍራ ኣብቲ ሃገር ከም ዘየላ እያ ትገልጽ ዘላ። እዚ ግን ንዓና ብዙሕ ኣየገርመናን እዩ እቲ ምንታይሲ እንታይነት ናይዛ ጭፍራ ልዕሊ ዝኾነ ስለ እንፈልጥ ። እዛ ሕስርቲ ጭፍራ ነቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተባሪዑ ዘሎ ህዝባዊ ባርዕ ክትጥምዝዞ ዘይኮነስ ኣብኡ ተለብሊባ እያ ክትሓርር ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለኻ ሃገረይ በሃሊ ኤርትራዊ ፡ ሃገር መንነት ሃገር ክብረት ሃገር መበቆል ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ ፡፡ እዛ ሃገር ብደምን ኣዕጽምትን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ተረኺባ ብደምን ኣዕጽምትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ዝተዓቀበትን ፡ ብረሃጽ መንእሰያት ደቃ እትህነጽ ዘላ ሃገረ ቅዱሳን እያ። ኣብ ዝሃለና ሃሊና እታ ሓንቲ ዓይንና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ክትጥምት ከላ እታ ሓንቲ ዓይንና ግን ናብ ኤርትራ ክትጥምት ኣለዋ ።

ንሕና ነፍሲ ወከፍና ተሰከምቲ ሕድሪ ኢና ፡ እፍሊ ገፈል መፈል ትኒዕ ምስ ዝብሉ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ንምቝራጽ ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ኣለና ። ኤርትራ ብዝረብሑን ዘይረብሑን ከይትድፈር ወትሩ ኣለኹልኪ ዝብል ምዑት ሰራዊት ክህልዋ ኣለዎ ዝብል ሕድሪ ሰማእታትና ወትሩ ኣብ ቅድሜና ክህሉ ኣለዎ ። ሎሚ ብዋዛ ፈዛዛ ሃገር ካብ ኢድና እንተ መሊቛ ዳግማይ ንምምላሳ ዝሓቶ ግዜን መስዋእትን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ኢትዮጵያውያን ክምስሉ “ፈኒኻ ምሓዝ ባህ እንተ ኢሉካ ደርሆኻ ብቖቛሕ ቀይራ” ይብሉ  ( ‘ሰዶ ማሳደድ ካማረህ ደሮህን በቆቅ ለውጥ’ ) ሎሚ ብኹሉ ዓይነት መንገዲ ንሃገር ክኽፈል ዘልዎ መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩባት ክንከውን ኣለና !

ብዛዕባ ዝኸድዑን ዝመሽመሹን ኣብ ደገ ወየ ዝብሉ ዘለዉ ወይጦታት ቅጭጭ ክብለና የብሉን ። ዝሞተ ተመን ዋላ ከም ቅናት/ቁልፊ እንተ ተዓጠቕካዮ ኣይነኽሰካን እዩ ፡ እዞም ወይጦታት ድማ ዋላ ብረት ሂብካ እንኩ ተኩሱ እንተበልካዮም ነታ ቃታ ክስሕብዋ ኣይክእሉን እዮም እቲምንታይሲ ምዉታት እዮም ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ መራሕቲ ኔርና ፡ ድሕሪ ናጽነት ሓለፍቲ ኔርና እናበሉ ከዲዖም ኣብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ንነብሶም ልዕሊ ህዝብን ልዕሊ እቲ ስዉእን ሰሪዖም ፡ ኔርና እናበሉ ህዝቢ ዘዕገርግሩ ውልቀሰባት ብዝዛረብዎ ቅጭጭ ክብለና የብሉን። ይመሃሩ ኣይመሃሩ መጻሕፍቲ ጽሒፎምን ኣንቢቦን ኣይኮነትን ሃገር ነጻ ወጺኣ፡ ሃገር ብመስዋእቲ እቶም ጀጋኑ እያ ነጻ ወጺኣ። እዞም ከዳዓት ትሕቲ እቶም ስዉኣትን ስንኩላንን እምበር ልዕሊኦም ኣይኮኑን ። ንሳቶም ንህዝቢ ኤርትራ ክጀሃርሉ ኣይክእሉን እዮም ። ፈትዮም ጸሊኦም ነቲ ጠቢቱን ሰንኪቱን ካብ ኣፍ ደቁ መንዚዑ ፈንጂ ሰጊሩ ዝምግቦም ዝነበረን ወሊዱ ደቁ ንመስዋእቲ ዘቕርበሎም ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከገልግልዎን ክሰርሕሉን ክኽሕስዎን እዩ ዝግብኦም ። ንሳቶም ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ እቲ ዝገበረሎም ኣይገበርሉን ፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ተማእዚዞም ክኸዱ ምተገብኦም ።

እዚኣቶም ዝድላዮም ኣስማት ይጠመቑ ፡ ከዳዓት ወይጦታት እዮም ክብሪ ኣይግብኦምን ፡ እዚኦም ረሲኣን እዮም ። ሎሚ ውን ከም ትማሊ እዛ ሃገር ናይ ህዝቢ ኤርትራ እያ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሃገሩ ዝመጾ ኣይጻወሮን እዩ ! ወይለኡ ነዚ ሓርበኛ ህዝቢ እዚ ዝትንክፍ ! ዝደቀሰ ኣንበሳ ዝሞተ ይመስል ፡ ዓቕሊ እንተ ገበረ ልቢ እንተ ኣዕበየ ዝፈርሐን ሓይሉ ዝደኸመን መሲልኩም ሓፍ ሓፍ እንተ በልኩም ሴፉ እንተ መዚዙ ክሳውድኹም ቆሪጹ ኣምዑትኩም ከይበትበተ ዝምለስ ከይመስለኩም ! ናይ ሎሚ ወስታና ናይ መወዳእታን ወሳንን ምዃኑ ንሕብረኩም ፡ ነዚ ጸማም እዝኒ ሂብኩም ትኒዕ ትብሉ ወይለኹም !

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!

Received on Sun Mar 13 2016 - 08:25:44 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved