ECSS-Online.com: ዜና ትንታነ ኢትዮጵያን ዘይቀዋሚ መንበርን ኣብ ባይቶ ጸጥታ !

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 13 Mar 2016 11:57:50 +0100

ዜና ትንታነ
ኢትዮጵያን ዘይቀዋሚ መንበርን ኣብ ባይቶ ጸጥታ !

March 13, 2016

ዜና ትንታነ ኢትዮጵያን ዘይቀዋሚ መንበርን ኣብ ባይቶ ጸጥታ !

ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ዝካየድ ናይ 2017-2018 ምርጫ ዘይቀዋሚ መንበር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ንምርካብ ካብ ሓደ መጋቢት ጀሚራ ብወግዒ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዘመተ ተካይድኣላ።

ኢትዮጵያ ዘይቀዋሚ መንበር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ንምርካብ ሰለስተ ምኽንያታት’ያ ተቅርብ።

1 – « ንኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከገልግል’የ ትብል »።
1 – 1- እቲ ሓቂ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዘየለ ናይ ዶብ ሽግር ብምፍጣር ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ወሊዑ።
1 – 2 ኣብ 2006 ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሶማል ወሪሩ።
1 – 3 ኤርትራን ሶማልን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እየን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከገልግል ድሌት ኣለዎ እንተ ኮይኑ፡ ናይ’ዚ ብደረጃ ዞባን ክፍለ-ዓለምን ኲናት፡ ዕንወት፡ ሽግርን ቅልውላውን ዝፈጥር ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዝደሊ ዋላ ሓደ ከምዘየለ ምሉእ እምነት ኣሎና።

2 – « ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነተይ ክፍጽም’የ ድማ ትብል »።

2 – 1 ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ተጻብኦን ምስፍሕፋሕን መንፈስ ዝተሰረተ እዩ። እዚ ከኣ ንሶማል ብምውራርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ብምእዋጅን ዝያዳ ጎሊሑ።
2 – 2 ኩለን ሃገራት ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ከኣ በዚ ዘይሓላፍነታውን ሰላምን ጸጥታን ዝህውኽን ፖሊሲ ኢትዮጵያ ተሃስየን እየን።
2 – 3 ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንስርዓታት ጎረባብቶም ሃገራት ብማዕቀን ዓንዳሪ ዞባዊ ፖሊስታቶም ክቅይርዎም ከም ዝደልዩ ብጋህዲ ዝዛረብሉ ጉዳይ እዩ።

በዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ሓቂታት እምበኣር፡ እዚ ንመንፈስን ትሕዝቶን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቀጻሊ ዝግህስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምኽባር ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ኩሉ’ዩ ክዛረብ ዘለዎ።

3 – « ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ንጻውዒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ግዜ ምስ እኽበረት’ያ ትገልጽ »።
3 – 1 ካብ’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ማለት ቅድሚ 14 ዓመት ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ መጨረስታን ቀያዲን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክትግብርን ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእን ባይቶ ጸጥታን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት‘ኳ እንተ ኣቅረብሉ ጸማም እዝኒ’ዩ ሂቡዎም። ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተደጋጋሚ ጻውዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታን ኮነ ኢሉ እናጎስዮ እንከሎን ንሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ እናሃለወን፡ ከምዛ ዓለም ዘይትርእዮ ዘላ ዝደለዮ ካብ ምዝራብ ድሕር ዝብል ኣይኮነን።

መወዳእታ በዚ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ተጻባኢን ኣስፋሕፋሒን ስርዓት ተቆጻጺሩዋ እናሃለወ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ መንበር ክትሕዝን ንመላእ ኣፍሪቃ ክትውክልን ብዝኾነ ይኹን መለክዒን መዓቀኒን ብቅዕቲ ኣይኮነትን።

Received on Sun Mar 13 2016 - 06:57:51 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved