Erigazette.org: “ማሕዘል” ማሕዘል ኣደታትና መጻወቲ ኮይኑ ንዘይ ግበኤን ስለ ዝተዋህበ ብ በርሀ በራኺ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 9 Mar 2016 14:27:43 +0100
“ማሕዘል”   ማሕዘል ኣደታትና መጻወቲ ኮይኑ ንዘይ ግበኤን ስለ ዝተዋህበ  

ብ በርሀ በራኺ

09-03-16

Eritrea-Culture-and-Arts-Mahzelንማሕዘል  ሂያብ ክትህብ ከለኻ ቆልዓ ንዝወለደት ጓልካ ወይ ሰይቲ ወድኻ ወይ ድማ ሓፍቲኻ እዩ ዝወሃብ። ንኤርትራዊት ዘይ ኮነት ሰበይቲ  እዚ ናይ ሃገርና ባህላዊ መሕዘል ቆልዓ’ዩ ኣደታትና ንቆልዓ ክሓዝላ ከለዋ  በዚ ገይረን’የን ኣብ ዘባነን ዝሓዝላና ኢልካ ክትህብ ትኽእል። ንዛ ኣንጻር ልእላውነት ኤርትራ ትቃለስ ዘላ ሰብ፥  እቲ ክቡር ማሕዘልና ምሃቦም፥ ነቲ ክብረት ኤረትራውያን ምድፋር ኮይኑ ይስምዓኒ። እንኪ  ነስኺ ኣደይ ኢኺ ኣደና ኢኺ እንኪ ከኣ ማሕዘል ክትብላ ከለኻ፥ ኣብ ዕሸልና ተመሊስና ኢና’ሞ እንኪ ሕዘልና ትብል ኣለኻ ማለት’ዩ።

ንሓደ ዘይ ኤርትራዊ ኣብ መትከልካ ንዝሕግዘካ ሓጋዚየይ ትብሎ’ምበር፥ ኣዴና ኢኺ’ሞ እንኪ ማሕዘል ሕዘልና ኣይብሃልን’ዩ።

እዚ መግለጺ’ዚ ነዞም ተቓወምቲ’ና በሃልቲ ኣብ ሮተርዳም ኮይኖም ምስታ ኣደና ዝብልዋ ሆላንዳዊት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሮተርዳም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ  ኣብቲ ዝቐረጽዎ ቪደዮ “ነስኺ ኣደና ኢኺ’ሞ እንኪ ማሕዘል ክብልዋ ከለዉ፥ ንሕና ኣብ ሕጻናት ተመሊስና ኢና ኣደታትና ድማ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘለዋ ነስኺ ሕዘልና ባባ በልና ይብልዋ ኔይሮም ማለት’ዩ።

እዛ ሰበይቲ ሲኞራ ማርያ ትበሃል ድማ ፈላጢት ናይ ኤርትራ’የ እንዳበለት፡  ምስ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ኣብ ሆላንድ ተራኺባ ኣይትፈልጥን’ያ። በንጻሩ ንኢትዮጵያን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝያዳ ትፈልጥን ትደናገጽን። ሕጂ ድማ ምስ ተቓወምቲኢና በሃልቲ ውሑዳት ኤርትራውያን ኮይና ንመንግስቲ ኤርትራን ነቶም ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውይናን ድማ ትጻባእ። ከምኡ ውን ዝምድና ሃገረ ኤርትራን ሃገረ ሆላንድን ክቋረጽ ትቃልስ፣ ከምኡን ውን ዝምድና ሃገረ ኤርትርን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዝምድና ንኽቋረጽ ብዙሕ ጻዕርታት እያ ተካይድ። ነቲ ኤርትራን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተፈራረሙዎ ናይ 2 ሚእቲ ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ዝተፈራረሙሉ ውዕል ንኽስረዝ ማእለያ ዘይብሉ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።  ከምኡ ውን እገዳ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ንኽጸንዕ ውን ትቃለስ ዘላ ሰብ’ያ። ከምዚ ንክኸውን እዛ ሰብ’ዚኣ ጥራሕ ዘይኮነት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ’ዩ። እሞ እዛ ሰብ’ዚኣ ድልየታን ድልየት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ኮነ፥ እንተ ሰሊጥዎም ድማ፥ ሳዕቤኑ ንደገፍቲ ሃገረን መንግስቲን ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ከሕዝን እንኮላይ ንተቓወምቲ ውን ዘሕዝን’ዩ ክኸውን። መኽንያቱ ንወያነ ጥራሕ’ዩ ከርብሕ።  መግስቲ ኢትዮጵያ ዝያዳ ርክብ ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ “ኣራብ ስፕሪንግ”  ክትኣታቶ ኣለዎ” ትብል ሰብ’ያ። ከምኡ ውን “ኣብ ሓራ ኤርትራ የራኽበና” ትብል ሰብ’ያ። ስለ’ዚ ኣብ ኤርትራን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ሓድሕድ ኲናት ከተላዓዕል ትምነ ሰብ’ያ ይበሃል ኣሎ።

ንሕና ኤርትራውያን ሆላንዳውያን ኣብ ሆላንድ እንነብር ነዞም ምስ’ዛ ሰብ’ዚኣ ድሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሰላማዊ መንገዲ ካብዛ ሓደገኛ ዝኾነት ሰብ ክርሕቁ ከምዘለዎም እንተንመኽሮም ምሐሸ ይብል። ተቓወምቲ ኣይትኹኑ ኣይንብልን። ናይ ምቅዋም መሰል ክህልዎም ይክኣል ይኸውን’ዩ። ኣዴኻ ንዘይኮነት ሰብ፥ እሞ ከኣ ምስ መንግስቲ ወያነ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሰብ፥ንማሕዘል ኣደታትካ ኣምጺእካ እንኪ ነስኺ ኣዴና ኢኺ ምባል፥ ሕዘልና ምባል’ዩ። ከምዚ ድማ እንኳር ከም ተቓዋማይስ ከም ሃገራዊ ውን ክገብረካ ኣይክእልን’ዩ።

በዚ ከምዚ’የ እቲ ክቡር ማሕዘልና ኣይግብኣን’ዩ ዝበልኩ

ዓወት ንሓፋሽ!!

Received on Wed Mar 09 2016 - 08:27:44 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved