Erigazette.org: እዚ ህዝቢ እንታይ ወሪድዎ እዪ ምጥቃዕ ጥራሕ ኮይኑ? ንመን እዩ ኣጣቂዑ እንተ በልካስ ን ህዝባዊ ግንባር፡ ኪዲ በሊ ሕጂ እንድያ ደኣ ፋሕ ኢላ ነገር..

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Mon, 7 Mar 2016 19:50:19 +0100
Mar 07, 2016

እዚ ህዝቢ እንታይ ወሪድዎ እዪ ምጥቃዕ ጥራሕ ኮይኑ? ንመን እዩ ኣጣቂዑ እንተ በልካስ ን ህዝባዊ ግንባር፡ ኪዲ በሊ ሕጂ እንድያ ደኣ ፋሕ ኢላ ነገር፡ ይብሉኻ ደቂ ሕድርትና፡ ሐራይ በሉ እስከ እቲ ህዝቢ ንምንታይ ከምኡ ይገብር ቅድሚ ክንምልስ ምፍታንና፡ ንስኹም ከ ንመን ኢኹም ተጣቅዑ? ንትግራዎት? ህዝብኹም ዝሓረዱ ወያነ? ድሓን ናቶምሲ ነቶም ብ ኢንተርነት መጽእዮም ኣብ ኤርትራ ሰብ ሰሚዕዎም ዘይፈልጥ ኣውቲስታ ናይ መንሽሙ ኔረ፡ ጣቅዒት ናይ እቲ ሓላፊ ጸሓፊ ኔረ ጣቅዒት፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ኔረ ግን ናይ ሓለፍቲ ኩሉ እየ ዝፈልጥ ውጩን ኢሰያስን ክዛረቡ ይሰምዕ ኔረ፡ ህ እንታይ ኢሎም ነቲ ሕረዶ ነቲ ክዳን ግዝኣሉ ጣቅዒት፡ ዋላ ብእርጋን ሓንጎሉ ዝሰሓተ ወዲ ቪክቶርዮ ዶ ገለ (መንግስተሰማይ የዋርሶ) ንኢሰያስ ማፍያ ቆጺረ ቅድሚ ግንቦት 2014 ክቀትሎ እየ፡ ጣቅዒት፡ መኪና ደይቡ ዘይፈልጥ ፓይሎት ዝበሃል መጺኡ ጣቅዓት፡ ዲዕ ዝበለ ትግራዋይ ዶሽካ ኮይኑ መጺኡ ካብ መቀለ ደዊልልኩም ምስ ሰራዊት ናይ ተቃወምቲ ካብ ሓራ ቦታ ሃይኮታ ኮይነ ይድውል ኣለኹ። ጣቅዒት፡ ዶክቶር ርእሶም ዝበሃል ኢሰያስ ቀሪቡ ክመውት ጀነራላት ይበኣሱ ኣለው ንስልጣን፡ ጣቅዒት፡ እቲ ዝገርም ካብቶም ይበኣሱ ኣለው ኢሉ ዘውጽኦም ሕጂ ኣብ ባረንቱ ክእከቡ ከይዶም ኣለው ኢሉ ዝዘርግሖም ጀ፡ ፊሊፓስ ኣብ ከባቢ ሕምብርቲ፡ ጀ ስምኦን ንሱዳን ብስራሕ ተንቀሳቂሶም ኔሮም ግና ምሕታት የለ ገለ የለ ጣቅዕኢት ጥራሕ፡ እቲ ዝገርም ፕረዚደንት ክሓልፍ እንዳረኣኻዮ ከለኻ ኣብ ቀጠር ይሕከም ኣሎ ተንብብ፡ ወይ ብህዝቢ ጸወታ፡ ናይ ዳሕራዮም ይገድድ ፕረዚደንት ምስ ተራእየ ብጌጋ ከምዚ ኢለ ኔረ፡ ንምንታይ ከምዚ ኢልካ ዝብል የለን፡ እቲ ሓሶትን ጣቂዕትን ይቅጽል፡ ንመን ዘይተጠቀዓሉ? ኩሎም ሕጂ ኣበይ ኣለው?? ካብቲ ዝበልዎ ሓንቲ ተፈጺማ ዶ? ዋላ ርብዒ ኣይተፈጸመን ዝሓትት ግን የለን።

ህዝቢ ን ህ.ግ ዘጠቃዓሉ ምኽንያታት ቁሩብ ካብቲ መጽሓፍ ጺሕፍካ ዘይውዳእ ተግባራት ክገልጽ፡ ህዝቢ ን ህ.ግ ዳርጋ 60 ዓመት መዚንዎ፡ እቲ ግንባር ንኤርትራ ተቃሊሱ፡ ህዝቢ ብሄይማኖትን ዓሌትን ከይጸብጸበ ደቁ ናብቲ ግንባር ስጋብ ዝልእኽ ተኣሚኑ፡ እቲ ግንባር ንኹሉ ብሓደ ክስለፍ ብምግባር ሃገርን ክብረትን መሊሱ፡ ምእንቲ ህዝቢ ደምዮ፡ ካልኣይ ግዜ ሃገር ከይትጠፍእ መንሰያት ኣብ ሓንቲ መስመር ሃገራውነት የእትዩ፡ ሃገር ኣድሒኑ፡ ህዝቢ ካብ ምጽወታ ኣድሒኑ ንሕና እኳ ለመንቲ ኣይኮንናን ብምባል ክብረትና መሊሱ፡ ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ቆፎ ብምዕሳል ንማእቶትን ህንጸትን ኣዋፊሩ፡ ኩሉ ትሕቲ ሃገራውነት ክጉሓፍ ብምግባር ሰብ ቅድሚ ኣውራጃን ዓድን ሃገራውነት ከምዝስምዖን ዝከላከልን ጌሩ፡ ኩሉ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዘገልግሉ ትካላት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ብምዝርጋ ሰብ ካብ ሕማም፡ ሞት፡ ድንቁርና ከምዝድሕን ጌሩ፡ ን ህዝቢ ሕድሪ ስውኣትን ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ብምእማን ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ዘይትንቅነቅ ሃገር ንምህናጽ ሆ ኢለ ኣውፊሩ፡ ብዙሕ ዝተርፍ እኳ እንተሎ ንህዝቢ ብግብሪ ዘመስከረ ውዱብ እዩ፡ ነዚ ቅድሚ ህዝቡ ዝስዋእ ውዱብ ዘይጣቃዕካ ደኣ ንመን? ምጥቃዕ እኳ ኣይክፈሎን እዩ፡ ደቁ ነቲ ውድብ ይዉፊ ኣሎ ስጋብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ዓቢ ዋጋ። ምጥቃዕ ግዳ ዓሻታት ከማን የጣቅዑ ኣለው፡፡ ዋላ እዞም 24 ሰዓት ክትጻረፉ ትውዕሉ ዘለኹም ህ.ግ እኳ እዩ ሂብኩም እቲ ዕድል፡ ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ማለተይ እዩ፡ ከመይ በሉ? ከመይ ዝብል ለባም፡ ህ.ግ ብጥርሑ እንተዘየምህረኩም እዘን ትሕንጥጥወን ትውዕሉ ፊደላት ካበይ ምመጻ? ካብ ስድራ ከይትብሉ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ውሕዳት እዮም ቀሲኖም ተመሂሮም፡ ከም ካልኦት ሃገራት ትምህርት ሕክምናን ብገንዘብ እንተዝኸውን ብዙሓት ካባኻትኩም ካባና ኣበይ ምሃለና ኢልኩም ሕተቱ? ቅድሚ ሕርሲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ሕርሲ ክንክንን ክታበትን ህ.ግ እንተዘይቅርብ ምተወለድካ ዶ?፡ ፓልዩን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣብ መጀመርያ ነጻነት 1 ካብ 20 ህጻናት የጥቅዑ ኔሮም ብጥርሑ ክታበት እንዳሃበ ካብዚ ዓዲ ከምዝጠፍእ እንተዙይገብር ክንደይ ኣብ ዓራት ተለሚሶም ምሃለው፡ ድሕሪ ሕጂ ቅድሚ down down PFDJ ኢልካ ሰልፊ ምውጻእካ፡ እተን ፊደላት ዝመሃረካ መን ምዃኑ፡ እዘን ኣድን እግርን ብጥዕና ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ኮይኑ ኩሉ ቀሪቡ ዘሐከመካን ዘምሃረካን ህ.ግ ምዃኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዘይጠቅም ገንዘብ ከም ባርያ ሰሪሔ ምባልካ፡ ካብ ትጥነስ፡ ትሕረስ፡ ትዓቢ፡ ትምረቅ ብዘይ ዝኾኑ ክፍሊት ዘምሃረካን ዘሐከመካን ህዝባዊ ግንባር ምኾኑ ዘይምርሳዕ። ሓንቲ ከም ነጥቢ እንተ ወሲድና ኣብ ዓሶ ዝሓለፈ መዓልታት ኤርትራ ተሸለመትሉ እንድሕር ርኢና እቲ ቁጽሪ ከምዚ ይመስል፡

The number of malaria cases in Eritrea has decreased significantly, from 125,746 in 2001 to just 35,725 in 2014. In that same period, the number of malaria deaths decreased from 133 to 15. ብዓሶ ጥራሕ እንተሪኢና ሓደ ሚልዮንን 170 ሽሕን 273 ሰባት ካብ ስቅያት ናይ ሕማም ኣድሒኑ ህ.ግ፡ 1534 ኤርትራውያን ከኣ ካብ ሞት ኣድሒኑ ህ.ግ፡ እዚ ብዓሶ ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ብናይ ህ.ግ መሪሕነት ዝድሓኑ ጥራሕ እዮም፡ ናይ ካልኦት ቀተልቲ ሕማማትን፡ ኣብ ግዜ ሕርሲ ሕክምናን ክንክንን ብዘይምርካብ፡ ክታበት ብዘይምርካብ ቅድሚ 5 ዓመት ዝሞቱ ዝነበሩ፡ ብክታበት ናብ ኩሉ ህጻናት ስለ ዝበጽሐ ካብዛ ዓዲ ጠቅላላ ዝጠፍኡ ሕማማት እንድሕር ጸብጺብካ፡ ኣብዛ ዓዲተወሊዱ ዝዓበየ እሞ ዳርጋ ብህዝባዊ ግንባር ዘይደሓነን ዘይተማህረ ፈጺሙ ዳርጋ የለን፡ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ቅድሚ ሓሳዊ እልኩም ምጽሓፍኩም፡ እታ ኮመንት፡ ጽሕፈት ናትኩም፡ የቀንየልና ህዝባዊ ግንባር ኢልኩም ጀምርዋ። ንሓቂ ጠጠው ኢልና ኣለና ካብ በልኩም እታ ሓቂ በዚኣ ምስቲ ህ.ግ ዝገበረልኩም ዘይትወዳደር እኳ እንተኾነት ግና ደሓን መጀመሪ ትኮነኩም። እዚ ወደሓንኩም።

Received on Mon Mar 07 2016 - 13:50:19 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved