ኢትዮጵያ፡- ንሳን ዘይ ንሳን

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 5 Mar 2016 15:48:04 +0100

ኢትዮጵያ፡- ንሳን ዘይ ንሳን
ፍሉይ ስምዕታ
መንግስቲ ወያነ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ፡ ተልዕሎን ተንብሮን ጠፍኡዋ፡ ከም ብረስኒ ዓሶ ዝቑሎ ዘሎ ሑሙም፡
እናተቓጸለት ተንፈርፍር ኣላ። ሕማም ረስኒ ንግስነት ወያነ፡ ልዕሊ 1000F በጺሑስ ይውስኽ ከኣ ኣሎ።  ዘውዲ ወያነ መዓልታ ትኣክል ዘላ እያ ትመስል። ምጥፍኣ ንዘይተርፋ ከም ምዃኑ፡ ድሮ ስለ ዝዓገበት ግዲ ኮይኑዋ ድማ፡ ለኻኺምካ ምጥፋእ ኣብ ዝብል ቁቡጽ ሕልና ኣድሂባ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ለኪማ ክትጠፍእ፡ እና ገዓረት ክትወርር ትብገስ ከም ዘላ ድሮ፡ ሓውላል ኣዋጅ ተቓሊሑ ኣሎ።
 
ስለዚ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ከም ትማሊ፡ ሱጡማት ብምዃን፡ ንብኹሎም ዝነበሩን ዘለውን ኣረሓሓቕቲ ጠለባትና፡ ንዝተወሰነ ግዘ ከም ዝጽበዩ ጌርና ኣወንዚፍና፡ ንምእንቲ ክብሪ ወላዲትና /ኤርትራ/፡ እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ፤ እንሆ ዋልታ እንሆ ጭማራ፤ እንሆ ካራ እንሆ ጉራደ፤ እንሆ ዓረር እንሆ ቂምቡላ፤ እንሆ ክራር እንሆ እምብልታ፤ እንሆ ኮቦሮ እንሆ ነጋሪት፤ እንሆ ሓኽሊ እንሆ ምሳር፤ እንሆ ስረ እንሆ ቁልፊ፤ እንሆ ጉልበት እንሆ ፍልጠት፤ እንሆ ቀለም እንሆ ወረቐት . . . ወዘተ።  ዝሰምዔ ይስማዕ፡ ዘይ ሰምዔ  ይስማዕ።  
ምንጪ፡ ኤሪጋዜተ
 
ኣብ'ዚ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ-ጽሑፍ መራኸቢ (PDF) ጥውቕ ኣቢልኩም ኣምብብዎ ኢኹም። ሰናይ ንባብ!
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም
 

Received on Sat Mar 05 2016 - 09:48:06 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved