Breaking News

From: Tesfay Berihu <tesberihu_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 27 Sep 2015 16:13:13 -0500

ክቡራት ኣድሚናት፡
ሓደ ኣገዳሲ ዜና ካብ ወገን ኣዲስ ኣበባ ይፍኖ ኣሎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ወያነ ኮይኖም ነቲ ስምረት ዝበሃል ናይ
መንእሰያት ምንቅስቃስ ክመርሑ ዝጸንሑ ሰለስተ ዝላዓሉ ኣባላት መሪሕነት ብጥርኑፍ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ካብ ኢትዮጵያ
ወጽዮም ኣለዉ። እዚኦም 1. ተስፉ ኣጽባሃ 2. ሙስጠፋ መሓመድኑር 3. ስምኦን (ቀባጽ) እዮም። ከምቲ ዝግለጽ
ዘሎ፡ ወያነ ካብ ንመሳርሒኡ ክኾኑዎ ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ዘፍረይዎ ነገር ብዘይ ምህላዉ እዩ። ብተወሳኺ ኣካይዳ ሰበ ስልጣን
ኢትዮጵያ ባህ ስለዘይበሎም እዮም ዝብሉውን ኣለዉ። ኣቀድም ኣቢሎም ካብቶም ብስም ሃገር ኢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቀሱ
ዝጸንሑ ኣባላት መሪሕነት ሳሆ ከምኡውን ምደፈአ ተባሂሉ ናይ ዝፍለጥ መሪሕነት ሃዲሞም ወጽዮም እዮም። እዚ ናይ ሕጂ
ፍልይ ዘብሎ ወያነ የማናይ ኢዱ ኢሉ ዝሓስቦ ማሕበር ክመርሑሉ ብሕርያ ካብ ኣመሪካ ኣሽሓት ከፊሉ ዘምጸኦም እዮም ኔሮም።
እንተኾነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝስወሩ ሰሙን ኣሕሊፎም አለዉ።
Received on Sun Sep 27 2015 - 17:13:13 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved