ECSS-online.com: መዘኻኸሪ-ዘራእቲ ዕግርግር-ትርጉም ብሩት ስምኦን

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sat, 26 Sep 2015 11:49:25 +0200

መዘኻኸሪ

መዘኻኸሪ

መስከረም 26, 20915

1.“ኣብ ውሽጣዊ ሓይሊ ምትእምማን” ናይ ኩለን ጽሑፋተይ መራሒ መስመርን እምነተይን እዩ። ብ1990 ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሓትመት “ዓፍየት ክሳብ መዓስ” ዘርእስታ ጽሕፍተይ፡ ካብ ውሽጣዊ ሃረርታኣ ተበጊሳ ንነብሳን ሕብረተሰባን ክትልውጥ ናይ ዝኸኣለት ካብ ብሄር ትግረ እትውለድ ተጋዳሊት ዛንታ ነበረት። ኣብ 2007 ዘሕተምኩዋ “ዮጋ ቀዳማይ ክፋል”ን፡ ናይ 2008“ዮጋ ካልኣይ ክፋል”ን እውን፡ ንውሽጣዊ መንነትና ብኣካል ብሞራልን ብመንፈስን ከይሃነጽና፡ ጥዑይ ህይወት ክንመርሕ ከምዘይንኽእል መልእኽቲ የመሓላልፋ። ብ2010ን 2011ን ዝተዘርግሓ “ቺፒ”ን “ቺፒ ኣብ ኣስመራ”ን ድማ፡ ብምስሊ ዑፍ ዝዝንተዋ፡ ህጻናት ካብ ዕሸሎም ትርጕም ህይወት ክርድኡ ዘኽእላን፡ ካብ ብዙሕ ምውዳቕን ምትንሳእን ውሽጣዊ ሓይሊ ሃኒጾም፡ ሓላፍነታውያን ዜጋታት ንኽዀኑ ዘተባብዓን መጻሕፍቲ እየን። “መዝገበ-ቃላት ፈረንሳይኛ ትግርኛ” (2012) ናይ ዓሰርተ ሽሕ ቃላት ትርጕም ሒዛ፡ ሰባት ኣብ ዝኸዱዎ ቦታን ጊዜን ገዛእ ነብሶም ተወሳኺ ፍልጠት ኣስኒቖም፡ ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ርእሰማል ክድልቡ ትሕግዝ። ነዛ “ዘራእቲ ዕግርግር” ካብ ፈረንሳይኛ ናብ ትግርኛ ክትርጕም ዘተባብዐኒ እምብኣር፡ ሕጂ እውን፡ ኣንበብቲ ብማዕከናት ዜና ንዘይግለጹ ሓቅታት ክንፈልጥ፡ ገዛእ ተመኵሮና ምስ ተመኵሮ ካልኦት ህዝብታት ብምውድዳር፡ ናይ ምትንታን ዓቕምና ክብ ከነብልን፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ክንተኣማመንን ስለ ዝተሃንጠኹ እየ። ትሕዝቶ ናይ’ዛ መጽሓፍ ኩሉ ክንሰማምዓሉ ግድን ኣይኰነን። ዝተፈልየ ኵርናዕ ኣጠማምታ ክንግንዘብን ኣስፊሕና ክንትንትንን ከም ዘኽእለና ግን ርግጸኛ እየ።........................

 


Received on Sat Sep 26 2015 - 05:49:26 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved